2018-03-28 16:24:00

ኣበዓዕላ ወግዓዊ በዓለ ቅድስተ ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን


ናይ ስርዓት ኣምልዀን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ክታም ዝተነብሮ ድሕረ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ከመይ ኣበዓዕላ ወግዓዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ድንግል እመ ቤተ ክርስቲያን ዘረድእ ሓድሽ ሰነድ ከምዘውጽኤ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።

ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝበዓል ወግዓዊ በዓለ ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ካብ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ሮማዊ መርሓ ዕለት ሊጡርጊያ ተመልኪቱ ብኸመይ ክበዓል ከምዘለዎ ብዝርዝር ዘረድእ ናይ ስርዓት ኣምልዀን ቅዱሳት ምጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዘውጽኦ ሰነድ፥ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ወግዓዊ በዓል ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መንፈሳዊ ኣደነት ንምብራህን ብጥልቂ ንምርዳእ ዝድግፍ ከምቲ ኣብ በዓላትን ዝኽረ ቅዱሳንን ከምዝግበር ናይ ገዛእ ርእሱ ምንባባት ዘለዎ እዩ እዚ ኸኣ ናይ ስርዓተ ሕጊ ንባባት መጽሓፈ ቅዳሴ ቍጽሪ 572 ድግማ ከምዘመልክቶ እዩ።

ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ መርሓ ዕለት ሊጡርጊያ ናይ ካልእ ቅዱስ ወይ ብፁዕ በዓል እንተሎ ከምቲ ናይ ስርዕት ሊጡርጊያን ቅዱሳት ምስጢራትን ቅዱስ ማሕበር ሰነድ ዘመልክቶ በዓለ ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ክወሃቦ ግድን ይብል። ስለምታይ በዓለ ድንግል ማርያም ምስ ጰራቅሊጦስ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ በዓለ እመ ቤተ ክርስቲያን ድንግል ማርያም ምብዓል ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ንበዓለ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ በዓለ ቅዱስ ልበ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝስዕብ ማለት ምዃኑ ነቲ ሰነድ ዝጠቐሱ  ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.