2018-03-24 16:21:00

ፊዚከላ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ


ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብዛዕባ ከይድን ኩነትን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ምሕረትን ቅዱሳት ስፍራን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተጣምረ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት መዋቅር ኣባይቲ ምኽሪ ቅዱሳት ማሕበራን ሕዳሴ ኣማእኪሎም፡ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ምስ ሰበኻታትን ቅዱሳት ስፍራን ከምኡ እውን ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካይድዎ ሓዋያዊ ምብጻሕን ሮማ ምስ ዝኣትዉ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ዝተላለዩ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ዘካይዶ ርክብ ሓቢሮም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል ውዕዉዕ ምንቅስቃስን ሱታፌን ዝሓትት እዩ፥ ብፍላይ ኣብቲ ወጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ቀዳመይቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣማእኪሉ ድሕሪ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝቐረበን ከምኡ እውን እምነት ካብ ናብ ዝመሓላለፍ ምዃኑ ብጽንዓት ዘሎ እማነ መሰረት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ከምእንዝክሮ ኣብቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስነቶም ናብ እትብል ማለት ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን የተሓሳስቡ፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ዓውደ ኵናት እትትከል ቤት ኵሉ ትኹን ይብሉ። እዚ ቤተ ክርስቲያን ንኣስፍሆተ ወንጌል እትነብር ምዃና ዘነጽር ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣምር እዩ። ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ንኣስፍሆተ ወንጌል እዩ ዘቖማ።

ኣብ 2017 ዓ.ም. ወቕቲ ጸደይ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ቲዮሎጊያ ቅዱሳት ስፍራ ዝምልከት ሓላፍነት እውን ከምዝሃብዎ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ዘኪሮም፥ ንኣብነት ኣብ ኢጣሊያን ምስ መላእ ቅዱሳት ስፍራ ኣመሓደርቲ ካህናትን ቆሞሳትን ስዩም ጳጳሳትን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ናብ ካናዳ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ከኣ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ቲዮሎጊያ ቅዱሳት ስፍራ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ቅዱሳት ስፍራ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ማእከል ኣብ ምግባር ዝሃቀነ ተልእኾ እዩ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ህንድን እውን ከምኡ፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ብመስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ብስራት ቃል ኣምላኽን ምስክርነት ብናይ ፍቕሪ ስራሕን ይንበር እዩ።

ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣስፍሆተ ወንጌል ኣበራቢሩ እዩ፡ ናይዚ መቐጸልታ እውን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቲዮሎጊያ ምሕረት እግዚኣብሔር ብዅሉ መዳይ የነቓቕሕ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሰንበት ድህረ ፋሲካ(ዘዳግማይ ትንሳኤ) ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መለኮታዊ ምሕረት ከብዕሉ እዮም። ስለዚህ ሱታፌ ናይ ኩሎም ምስ መለኮታዊ ምሕረት መፈሳውነት ምትእስሳር ዘለዎም ካቶሊካውያን ማሕበራትን መፈሳዊ ማሕበራትን ዓቢይ ትጽቢት ኣሎ። ኣብ ሮማ ልዕሊ 600 ልኡካነ መንፈሳውነት ምሕረት ኣለዉ፡ ምሕረት ምስ ምስጢረ ንስሓ ጥልቂ ምትእስሳር ኣለዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም 600 ልኡካነ ዘምሕረት ክራኸቡ እዮም ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ዓውደ ዘተን መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን እውን ክህሉ እዩ ቢሎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.