2018-03-24 16:03:00

ኣብ ኤኳዶር ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ምኽንያት ኣልቦ ዓመጽ፡ ሕይወት ዝተቐደሰ እዩ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 13 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኤኳድሮ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጽን መልእኽቲ ጻውዒት ሰላምን ከምዘመሓላለፉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ብይብጻሕ ናብ ናይ ኤኳዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ኤዝመራልዳስ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ እቡነ ኤውጀኒዮ ኣረላኖ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግልጺ መልእኽቲ፥ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ወትሩ ምኽንያት ኣልቦ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዞባ ኤዝመራልዳስ ኣብ እትርከብ ከተማ ማታየ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራዊም መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ንሞት ካልኦት ሸውዓት ኸኣ ንማህሰይቲ ከምዝዳረገን መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ግብረ ሸበራ ዝፈጸመ ተሓተቲ ፈልዩ ንግቡእ ፍርዲ ንምቕራብ ጽኑዕ ምርመራ ክካየድ እዩ እንክብል ቃል ከምዝኣተወ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግልጺ መልእኽቲ ኣብ ናይ ኤኳዶር ብፁዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ድረ ገጽ ተሓቲሙ ንንባብ እውን ከምዝበቕዔን፡ ቅዱስነቶም ምእንቲ ሰላም ኣብ ኤኳዶርን ስለ እቶም ዝተቐትሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክነብሩን እቶም ማህሰይቲ ዝወረዶም ከኣ ቅልጡፍ ምሕዋይ ክዕድሎም ጸሎተይ ናብ እግዚኣብሔር የዕርግ ከምዝበሉን፡ ኩሉ ክጽልን እታ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ዝረአየላ ሃገረ ኤኳዶር ካብቲ ዓመጽን ግብረ ሸበራን ተላቒቓ ሰለማውን ምትእምማን ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ናብራ ክውን ክኸውን ኩሉ ኣብዚ መዳይ ብሓባር ክዓዩ ጻውዒቲ ኣቕሪቦም፡ ንሙዉታት ስድራ ቤት ቅርበቶምን ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኤኳዶር ሰሜናዊ ከባቢ ዕለት 13 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ምስ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተደሚሩ ኣብ 2018 ኣርባዕተ ግብረ ሸበራ ከምእተፈጸመን፡ ዕለት 23 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሳን ሎረንዞ ዝርከብ ነቝጣ ፖሊስ ተፈንጃሪ ቦምቢ ብዝተጸምዳ መኪና ዝተፈጸመን ንልዕሊ 30 ዝግመቱ ዜጋታት ንመቑሰልቲ ሓደጋ ዘቃልዔን ልዕሊ 40 ኣባይቲ እውን ዘባደመን ዝዝኸር እዩ። መንግስቲ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ከባቢ’ታ ሃገር ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከምዝለኣኸን ኣብቲ ከባቢ ዕጸ ፋርሳዊ ሸበራ ብዝብል ስያሜ ብሔራዊ ጸገም እንክብል ከምዝኣወጀ እውን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ እውን ብወገኖም፥ ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኮኒኖም፥

ሕይወት ዝተባርከን ቅዱስን እዩ፡ ሰላም ከኣ ህያብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝፍጸም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግብረ ፍርሒ እዩ፡ ግብረ ሽበራ ናይ ፈርሓት ዘተ ናይ ተበዓት እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኩሉ ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ኵነት ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ ሽበራ ክኹንኖን ይግባእ

ከዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፁዕነቶም፥ ሓይሊ ምክልኻልን መንግስትን፡ ዝዀነ ይኹን ዓመጽን እቲ ብተደጋጋሚ ዝረአይ ግብረ ሸበራ ብዓንተውኡ ክፍሽሉን ናይ ሕዝቢ ሰላምን ጸጥታን ክውሕሱ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.