2018-03-23 17:40:00

ኣብዚ ኩሉ ተጻይ እግዚአብሔር ሰውራ ኣልዒሉሉ ኣብ ዘሎ ዘመንና ዘገልግል ኣጽዋር ንጽሕና እዩ!


ኣብ ዘመነ ጾመኣርባዓ ንሓሙሽተ ዓርቢ ካብ ዝቀርባ ስብከታት ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሎሚ ዕለት 23 መጋቢት 2018ዓም ሓምሸይትን ናይ መጨረሽታን ስብከት ‘ወዲሰብ ክድሕን እንተደኣ ኮይኑ ንጽሕናን ገርህነት ልብን የድልዮ’ እንክብሉ ካብተን ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ማለት ንጽሕና እትብል ኣርእስቲ ብምውሳድ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም፣

ንመኽፈቲ ኣስተንትኖ ዝመርጽዎ ቃል ኣምላኽ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ኮይኑ ‘ለይቲ ይሐልፍ፡ መዓልቲ ይቐርብ ኣሎ እሞ ነቲ ግብረ ጸልማት ደርቢና፡ ናይ ብርሃን መሣርሒ ኣጽዋር ንተዓጠቅ። ብጓይላን ስኽራንን ብዝሙትን ዕብዳንን ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ ብብርሃን መዓልቲ ከምዚነብሩ ሰባት ኰይንና ብቕንዕና ንመላለስ፡ ትምኒት ሥጋኹም ኣይትከተሉ፣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልበስዎ።’ (13.12-14)ዝብል ነበረ፣

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣብዚ ቃል እዚ ተመሥሪቶም ቅድስና ክርስትያን ብኣመለኻኽታ ቅዱስ ጳውሎስ ንኩሉ ሥጋዊ ምንዮት ተቆጻጺርካ ኣጽዋር ብርሃን ማለት ንጽሕና ተዓጢቅካ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምልባስ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እታ ብቋንቋ ግሪኽ ዘይንጽሕና እተመልክት ቃል ፖርነያ ትብል ኮይና ትርጉማ ኸኣ ነፍስኻ ወይ ሥጋኻ ንዕዳጋ ምውራድ ኮይኑ ክዕድገኒ ንዝደሊ ኣን ዝሽየጥ እየ ምባል ተስምዕ፣ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ንማለት እዩ፣ እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ እዚ ነቲ ኣነዋርን ዘዋርድን ናይ ኣመንዝራነት ዓለም ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ብዘይትሕት መንገዲ እዚ ቃል እዚ ሱር ነቲ ፖርኖግራፊ ዝበሃል ቅለትን ፈተናን ኮይኑ ሎሚ ንብዙሓት ግዝያዊ ደስታ ዝህብ ተመሲሉ ነፍስኻ ንዲያብሎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ተውርደሉ ኩነት ኮይኑ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ስኽራንን ዕብዳንን ጓይላን ባእስን ቅንእን እውን ቀንዲ ግብሪ ጸልማት እዩ፣ ስለዚኸስ ንግዝያዊ ደስታን ምቾትን ኢልካ ነቲ ቤተመቅደስ ኣምላኽ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ሰውነትና እንክነራኽስ ዘይገንዘብና ዘይንብረትና ኢና ንከንቱን ከንቱነትን ንሸይጥ ዘሎና፣ ናይ ገዛእ ርእስና ኣይኮናን፣ ናይ ክርስቶስ ኢና፣ ስለዚ ንክርስቶስ ንልበስ ይብል ቅዱስ ጳውሎስ፣

ክርስትያናዊ ንጽሕናኸስ ንስምዒታትና ክነሐጉስ ኢልና ምኽኒት ብምፍጣር ኣይኮነን ዝርከብ እንታይ ደኣ ኣብ መላእ ኩነትና ክርስቶስ ነጊሱ ኣካልና ኣእምሮና ስምዒትና ኩሉ ክርስቶስ ክገዝኦ ኣለዎ፣ እዚ ንሰውነትና ምስትንዓቅ ወይ ምንእኣስ ዘይኮነስ ነቲ ቀንዲ ክብሩ ክነልብሶ ኣብቲ ጥንተ ፍጥረቱ ማለት ኣምሳልን መልክዕን እግዚአብሔር ንክነልብሶ ብንጽሕና ክንዕቅቦ ንጽዋዕ ኣሎና፣ እዛ ንጽሕና ትብሃል ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ክንዮ ጾታዊ ስሚዒታትና ሓሊፋ ንኩለንትናና እትምልከት ሰፊሕ ዓውዲ እያ፣ ንጽሕና ኣካልና ንጽሕና ልብና ንጽሕና ኣፍና ንጽሕና ኣዕይንትናን ጠመተናን ክንሕሉ ንዕደም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣጽዋር ወይ መጋበሪ ናይ ብርሃን እንክዛረብ ነቲ ኣንጻር ንጽሕና ዘሎ ሓጢኣት በብሓደ ምሒና ክንኣልዮ እሞ ንጽሕናና ሓሊና ኣብታ ትስዕባ ዓባይ ናይ ፍቅሪ ወይ ምግባረሠናይ ፍረ ክንሓልፍ እሞ ነቲ ካልአይቲ ሕጊ ንብጻይካ ከም ርእስኻ ኣፍቅር እትብል ሰጊርና ቆላሕታና ናብ ብጻይና ክንገብር ይጽውዕ፣ እዚ ከኣ ኣብ ጋህዲ ብብርሃን ከም ኣብ በጣዕጣዕ ዝበለ ብርሃን ቀትሪ ግብረ ሠናይ ክንገብር ይምሕጸን፣ እዚ ስለዝጐድል ሎሚ ኩሉ ዓነውነው ኢሉ ክወድቅ ንርኢ፣ እታ ሕመረት ኩሉ ዝኾነት ሥድራቤት ብሰንኪ እዚ ብቀሊሉ ፋሕፋሕ ትብል ኣላ፣ ዘሎናዮ ማሕበረሰብ ኣምልኾ ጾታ ኢልና ክንሰምዮ ብእንኽእል ኣረመናዊ ተግባር ምኽኒት ወዲ ምኽኒት እናፈጠረ ቈጺርካ ዘይውዳእ ዝተጠምዘዘ ጾታዊ ርክባት ከም ቅኑዕ ከቅርብ ንኩሉ ክምርዝ እናተቃለሰ ብቀሊሉ ንስድራቤታት የዕኑ ኣሎ፣ ዝገደደ ከኣ ነዚ ኩሉ ዕንወት ኣስዒቡስ እሂሞ እንታይዶ ኣለዎ እዩ ከም ድላየይ ደስ ዝበለኒ ክገብርዶ ነጻነት የብለይን እየ፣ ክሕጐስዶ ኣይግበኣንን እዩ፣ እናበለ ነቲ ብባህልን ሃይማኖትን ቅዱስ ዝነበረ መውስቦን ስርዓተ ጾታን ዘይትርጉሙ ብምሃብን ኣብ ዘይቦታኡ ብምንባርን ንሞራላዊ ኣተሓሳስባ ጠምዚዞም ነቲ እዝግን ሰብን ዝፈልጦ ሓጢኣት ክኽሕድዎ ይርከቡ፣ ነዚ ኩነት እዚ ገሊኦም ሠውራ ጾታ እኳ እንተበልዎ ዕለት ዕለት ካብቲ ቅዱስ ቦታ ክሳብ እቲ ዝረኸሰ ቦታ ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝፍጠሩ ዕንቅፋታት ዓመጻት ሞትን ቅዝፈትን ዝውረ መዓት ክሳብ ክንደይ ካብ መስመር ሞራልን እምነትን ሰብኣውነትን ወጺኡ ከምዘሎ እኹል ጭብጢ እዩ፣ ስለዚኸስ እዚ ሰውራ ዝብልዎ ዘለዎ ንሕሉፍ ንምሕዳስ ወይ ንምቋም ዘይኮነስ ሰውራ ተጻይ እግዚብሔር ወረ ብዓምዲ ርእሱ ተጻይ ዘመደ ኣዳምን ጥንተፍጥረቱን ምዃኑ ትዕዘብ፣ ንኩሉ ኣብ ጾታዊ ርክባት ዘጠቃለለ እዚ ሰይጣናዊ ምንቅስቃስ እዚኸስ ንኩሉ ድብልቅልቅ ኣቢሉ ተጻይ ሕጊ እግዚብሔር ኮይኑ ነቲ ነጻ ኮይኑ ዝተፈጥረ ድላይ ደቂሰባት እውን ዘየኽብር እዩ፣ እዚ ከኣ ዕለት ዕለት ክሳብ ቤተክህነት እውን ከይተረፈ ዕንቅፋት ኮይኑ ቀለብ ዜና ኮይኑ ዘሎ እዩ፣

ኣብዚ ዘድሊ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ለሚንና ንሕሹኹታኡን ድፍኢቱን ተቀቢልና ንዓለም ክንምስክሮ ዘሎና ‘ጥንተ ፍጥረትናን ኩሉ ፍጡርን ንጹሕ ኮይኑ ከምዝተፈጥረ እሞ ናብኡ ክምለስ ከምዘለዎ መልክዑ ክለብስ ነቲ ንኩሉ ነገር ከሐድስ ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ክለብስ እዩ። እዚ ናይ ዘመንና ድንዛዜ ወይውን ጾታዊ ስኽራን ክውገዝን ክምከተን ዘለዎ ኮይኑ ወዲሰብ ናይቲ ዝተፈጥረሉ ኣምሳልን መልክዕን ክናፍቅ ነቲ ጥንተፍጥረቱ ዝኾነ ገርህነትን ንጽሕናን ናብ ልቡ ክመልሶ ክቃለስ ኣለዎ፣ ድሕሪ ቢሎም ነዛ ከም መባእታ ናይ ስብከቶም ዝመረጽዋ ጥቅሲ ዕብየትን ትርጉምን ዝገልጽ ሓደ ዓቢ ቅዱስ ማለት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ ሕይወቱ ከምዝለወጠት ኣዘንትዮም፣

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ይብሉ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኩልና ከም እንፈልጦ ካብ ዓቢ ሓጢኣተኛ ናብ ዓቢ ቅዱስ ዝተለወጠ ኮይኑ ብዘይ ኪዳን ምስ ሓንቲ ሰበይቲ እንክነብር ብንጹሕ ሕልና ካብ ምጽላይን ምብካይን ብርሃን ኣምላኽ ካብ ምልማንን ኣየቋረጸን፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥቃ ግዛኡ ኣብ ማእከል ኣታኽልቲ ናይዚ ውሽጣዊ ግድል ኣደዳ ኮይኑ እናነብዔ ከሎ ከም ናይ ሓደ ሕጻን ዝጥዕም ድምጺ ‘ውሰድ ኣንብብ’ ዝብል ሰምዔ፣ ካብቲ ምስኡ ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ከፊቱ እንተኣንበበ ከኣ ‘ለይቲ ይሐልፍ፡ መዓልቲ ይቐርብ ኣሎ እሞ ነቲ ግብረ ጸልማት ደርቢና፡ ናይ ብርሃን መሣርሒ ኣጽዋር ንተዓጠቅ። ብጓይላን ስኽራንን ብዝሙትን ዕብዳንን ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ ብብርሃን መዓልቲ ከምዚነብሩ ሰባት ኰይንና ብቕንዕና ንመላለስ፡ ትምኒት ሥጋኹም ኣይትከተሉ፣ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልበስዎ። ዝብል ኣንበበ፣ ከምቲ ኣብ ኑዛዜ እትብል መጽሓፉ ከምዝመዝገቦ ከኣ ነዚአን ምስ ኣንበበ ኣብ ውሽጡ ዘጸናንዕ ርግጽነት ዝህብ ውሕስነት ዘጨብጥ ብርሃን ከምዝተዀለዔ እሞ ንኩሉ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ምጥርጣር ጸልማት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከምዝደምሰሶ ይናገር፣

ቅዱሳን ክርስትያን ክንከውን እንታይ ደኣ ንግበር ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ከኣ ኣባ ካንታ ላመሳ ንቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ተሰሎንቄ 4.3-8 ‘ከመይ ድላይ እግዚአብሔር እዚ እዩ፡  ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ክትቅደሱ።  ነፍሲወከፍኩም ንሰውነቱ ብቅድስናን ብክብርን ከምዝሕዛ ይግበር፣ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ኣረማውያን ሕዝቢ ናይ ፍትወት ሥጋን ናይ ርኽሰትን መሣርሒ ክትገብሩ የብልኩምን፣ ከምቲ ቅድም ዝበልናኩን ዘጠንቀቅናኩምን እግዚኣብሔር ነዚ ነገራት እዚ ከይተፈደዮ ኣይሓልፍን እዩ’ሞ በዚ ነገራት እዚ ሓደ’ኳ ንሓው ከየስሕቶ ወይ ከብድሎ ይጠንቀቅ፣ ከምበር እግዚብሔር ናብ ቅድስና እምበር ናብ ርኽሰት ኣይጸውዓናን፣  ስለ’ዚ እቲ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዚንዕቅ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝጸገወኩም ኣምላኽ እዩ ዚንዕቅ እምበር ንሰብ ኣይኮነን ዚንዕቅ፣’ እንክብሉ ተሪር መጠንቀቅታ ብምሃብ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.