2018-03-21 17:54:00

ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ እውን ዚሰቲ ሕይወት ዘለኣለም ኣለዎ፡ ኣነ ድማ በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ እየ።


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ መጀመርያ መዓልቲ ናይ ጸደይ እዩ፣ ብሩኽ ጸደይ! ኣብ ጸደይ እንታይ ከምዝኸውን ትፈልጡዶ! ኣታኽልቲ ይዕምብቡ ኣእዋም እውን ይዕምብቡ! ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም እየ! ሃየ መልሲ ሃቡ! ሓንቲ ተኽሊ ወይ ሓንቲ ኦም እንተሓሚሞም ጽቡቅዶ ይዕምብቡ! ኣይፋል! ኣይፋል እወ ሓንቲ ኦም ወይ ተኽሊ እንተደኣ ማይ ዘይስቲናዮ ወይ እንተዘይዘኒቡ ክዕምብቡዶ ይኽእሉ! ኣይፋል! ኣይስማዕን እንታይ ቢልኩም ኣይፋል! ሓንቲ ኦም ወይ ተኽሊ ሰራውራ ምስ ተኣልየ ሰራውር ዘይብላ ክክትዕምብብዶ ትኽእል! ኣይፋል!  ብዘይ ሰራውር ክፍረዶ ይከኣል! ኣይፋል! እዚ እምበኣር ሓደ መልእኽቲ እዩ! ሓራይዶ! ሕይወት ክርስትያን ክዕምብብ ዘለዎ እዩ! ከመይ ኢሉ ይዕምብብ እንተኢልኩም ብምግባረ ሰናይ ብናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክዕምብብ ኣለዎ፣ ሱር ዘይብልካ እንተዀንካ ግን ክትፈሪ ኣይትኽእልን! መን እዩ ሱር ክርስትያን! ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ሱር ክርስትያን! ምስ ኢየሱስ እንተዘይኰንካ ሰራውርካ ኣባኡ እንተዘየለ ክትዕምብብ ኣይትኽእልን ኢኻ! እንተደኣ ነታ ኣብ ኢየሱስ ዝተሰረተት ሕይወትካ ብጸሎትን ብምሥጢራትን ገርካ እንተዘየስቲኻያ ክርስትያናዊ ዕምባባዶ ክትህብ ትኽእል! ኣይፋል! ኣይፋል እወ ጸሎትን ምሥጢራትን ንሕይወት ክርስትናና ከምቲ ንኣታኽልቲ ማይ እነስትዮ ሕይወት ይህቦ እሞ ሕይወትና ይዕምብብ! እዚ ዘመነ ጸደይ ናይ ዕምባባ ዘመን ክኾነልኩም እምነ! ከምቲ ፋሲካ ብርሃን ኩሉ ዝኾነ እዛ ዘመን እዚኣ እውን ፋሲካ ዘመነ ዕምባባኹም ትኹን፣ ዕምባባ ናይ ሠናይ ግብሪ ናይ ጸጋታትን መንፈሳውያን ሓይልታትን ኮይኑ ንካልኦት ሠናይ ናይ ምግባር ዕምባባ ይኹነልኩም! ተረዲእኩምዶ! እወ! ነዚኣ ብጣዕሚ ደስ ትብል ናይ ሃገረይ ጥቅሲ ስምዑ  ዘክሩዋ ኸኣ! ‘እቲ ኦም ዚዓምበቦ ካብ ታሕቲ ካብ ትሕቲ መሬት እዩ ዝመጽእ’ ካብ ሱርና ዝኾነ ኢየሱስ ሰራውርና ብምንም ተኣምር ክንበትኮ ክንቆርጾ የብልናን፣ ክብረት ይሃበለይ፣ ሕጂ እምበር ነቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ንቀጽል፣

ኣብቲ በብሓደ ክንርእዮ ዝቀነና ግዝያት ሥርዓተ ቅዳሴ ዕላማኡ ኩሉ ናብ ምቅባል ቅዱስ ቊርባን ማለት ምስ ኢየሱስ ምውህሃድ ወይ ሓደ ምዃን እዩ፣ እዚ ውህደት እዚ ናይ ሃረርታ ወይውን መንፈሳዊ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሓቀኛ ቊርባን ናይቲ ኣብ ምሥጢረ ቊርባን ዘሎ ኢየሱስ ኮይኑ ኣብቲ ቅዱሳት ምሥጢራት ናይ ኢየሱስ ምስታፍ እዩ፣ እዚ ናይ ሃረርታ ቊርባን ወይውን መንፈሳዊ ቊርባን እንብሎ ኣብ ገዛኻ ኰንካ እውን ‘ኦ ኢየሱስ ብሃረርታ እቅበለካ ኣሎኹ’ ኢልካ ብብርቱዕ ሃረርታ ዝግበር ኮይኑ ኣብዚ ግን እዚ ኣይኮነን ነቲ ሓቀኛ ሥጋኡን ደሙን ምቊራብ የድሊ፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ እነዕርጎኸስ ብሥጋኡን ደሙን ንኽንቅለብ ኮይኑ እዚ ከኣ ነቲ ምሳኡ ሓደ ንክንከውን ብቃሉን ብምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባንን ገዛእ ርእሱ ንዘወፍየና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቅባል እዩ፣ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ዘበልዐ ሥጋየ ወዘሰትየ ደምየ ይሄሉ ምስሌየ ወአነሂ እሄሉ ምስሌሁ - ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ምሳይ ይህሉ ኣነ እውን ምሳኡ እህሉ’ (ዮሓ 6.56)። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ድራር ነርድእቱ ሥጋኡን ደሙን ክህቦም እንከሎ እሞ ንዝኽረይ ወትሩ ግበርዎ ክብሎም ኣንከሎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከምኡ እውን ንመጻኢ ብካህንን ድያቆንን ኣብ ዝግበር ተልእኮ ምሥጢረ ክህነት ነዚ ናይ ሕይወት እንጌራን ናይ ድሕነት ጽዋዕን ክዕድሉ ይነብሩ፣

ኣብ ቅዳሴ ድሕሪ ጸሎተ ፈትቶ ወይውን ምቊራስ ቅዱስ ሥጋኡ እቲ ካህን ንሥጋ ኢየሱስ ሓፍ ኣቢሉ ንሕዝቢ እናኣርኣየ እዚ እቲ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝተወፈየ በጊዕ እግዚብሔር እዩ ቅዱስ ሥጋኡ እዩ ቢሉ ድሕሪ ምሕባር ናብቲ ማእዲ ቅዱስ ቊርባን ክሳተፉ ይዕድም፣  እተን ካብ ቅዱስ መንበረታቦት ዝጋውሓ ቃላት ‘ኣብ ድራር ጐይታ ዝተዓደሙ ብፁዓን እዮም እነሆ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በጊዕ እግዚአብሔር’ ይብላ፣ እዘን ቃላት እዚአን ካብቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ 19.9 ዘሎ ‘ሽዑ እቲ መልአኽ ናብ’ቲ በዓል ናይ መርዓ በጊዕ ዝተዓደሙ ብፁዓን እዮም ኢልካ ጸሓፍ በለኒ፣ ቀጺሉ ከኣ እዚ ቃል እግዚብሔር ሓቂ እዩ በለ’ ካብ ዝብል ዝተወስደ እዩ፣ መርዓ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ መርዓዊ ቤተክርስትያን ስለዝኾነ እዩ፣ እዚ ዕድመ እዚ ምስቲ ምንቺ ታሕጓስን ቅድስናን ዝኾነ ክርስቶስ ጥቡቅ ሓድነት ክንፈጥር ክነስተማቅሮን ይጽውዓና፣ ፍሥሓ ከምዝዓስለካ ዝገብር ዕድመ እዩ፣ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብብርሃን እምነት ዝተዀለዔ ሕልና ሃልዪካ ጽጹይ መርመራ ሕልና ንክትገብር ዝተዳፋፍእ እዩ፣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ካብ ቅድስና ክርስቶስ ዝፈልየና ነዊሕ ርሕቀት እንክንዕዘብ በቲ ሓደ ወገን እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ንሕድገት ሓቲኣት ምዃኑ ንኣምን፣ ንሕና ኩልና ምሥጢረ ጥምቀት እንክንቅበል ተማሒርና ኢና ድሕሪ ጥምቀት ንዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ከኣ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ኣብ እንኸደሉ ወትሩ ምስ ተማሓርና ኢና፣ ነዚ ኣይትረስዑ ኢየሱስ ወትሩ ይምሕር፣ ኢየሱስ ካብ ምምሓርና ኣይስልቹ ኣይደክም! ንሕና ኢና ምሕረቱ ካብ ምልማን እንስልቹን እንደክምን፣ ነዚ ዓቢ ዋጋ ድሕነት ደም እንከስተንትን ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ‘ኣነ እወ ኣነ ኩሉ ዝሓጥእ ወትሩ ናብዚ መድሓኒት እዚ ክጐዩ ኣሎኒ` ይብል ነበረ፣ በዚ እምነት እዚ ንሕና እውን ናይዚ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በጊዕ እግዚብሔር ቈላሕታ ስለዘድልየና ‘ኦ ጐይታ ኣብዚ መኣድኻ ክሳተፍ ብቑዕ ኣይኮንኩን ኮይኑ ሓንቲ ቃል ጥራይ ተዛረብ ኣነ ኸኣ ክድሕን እየ` ንብል፣ ነዚ ኣብ ነፍሲወከፍ ቅዳሴ ንደግሞ፣ ትርጉሙ ከኣ እዚ እዩ፣

ቅዱስ ቊርባን ንኽንቅበል ተሰሪዕና ናብ መንበረታቦት ገጽና እንንቀሳቀስ ንሕና እንተደኣ ዝመስለና ኮይኑ ከም ሓቁስ ክርስቶስ እዩ ንኽቅበለናን ምሳኡ ንከወሃህደናን ናባና ዝመጽእ፣ ሓቀኛ ርክብ ምስ ክርስቶስ ኣሎ፣ ብቅዱስ ቊርባን ክትቅለብ ማለት ናብቲ ትቅበሎ ንክትልወጥ ምፍቃድ ማለት እዩ፣ ነዚ ንክንርዳእ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነቲ ካብ ኢየሱስ እንቅበላ ብርሃን እተዘንቱ ክፍሊ ናይ ኑዛዜ ጽሑፉ ይገልጻ፣ ‘ኣነ መግቢ ናይ ዓበይቲ እየ፣ ዕበ እሞ ክትበልዓኒ ኢኻ፣ ኣብዚ ግን ከምቲ ናይ ሥጋዊ ሕይወት መግቢ ንስኻ ኣይኮንካን ናባኻ እትልውጠኒ ንስኻ ኢኻ ናባይ እትልወጥ’ ይብል፣ ቅዱስ ቊርባን ኣብ እንቅበለሉ ግዜ ወትሩ ንኢየሱስ ንመስል ናብ ኢየሱስ ንልወጥ፣ ከምቲ ማንም እንጌራን ወይንን ናብ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝልወጥ ንሕና እውን ብእምነት እንክንቅበሎ ናብቲ ሕያው ቅዱስ ቊርባን ንልወጥ፣ ነቲ ቅዱስ ቁርባን እናዓደለ ‘ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ለክርስቶስ’ ምስ በለ ንስኻ ኣሜን ቢልካ ትምልስ፣ በዚ ከኣ እቲ ናብ ኣካል ክርስቶስ ንክትልወጥ ዝወሃባ ጸጋ ተረዲእካ ኣሜን ትብል፣ ምኽንያቱ ከኣ ቅዱስ ቊርባን እንክትቅበል ኣባል ኣካል ክርስቶስ ትኸውን፣ እዝስ ክንደይ ደስ ይብል! ብጣዕሚ ደስ ዘብል፣ ካብቲ ዓፉኑ ሒዙና ዘሎ ኣነነትና መንዚዑ ምስ ክርስቶስ ከዋህህደና እንከሎ ቅዱስ ቊርባን ምቅባል ነቶም ኩሎም ምሳኡ ሓደ ዝኾኑ ሓደ ይገብሮም፣ ተኣምር ቅዱስ ቊርባንከስ እዚ እዩ፣ ናብቲ ዝተቀበልናዮ ንልወጥ፣

ቤተክርስትያን ነቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተባረኸን ዝተለወጠን ቊርባን ዝቅበሉ ኩሎም ኣምሳል ናይ መዓዲ ቅዱስ ቁርባን ኮይኑ ሽሕኳ ሓፈሻዊ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቁ.85 ኣብ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተመስሪቱ ብሓደ መልክዕ ማለት ወይ ሥጋኡ ጥራይ ወይ ደሙ ጥራይ ዝቅበል እውን ምሉእ ኢየሱስ እዩ ዝቅበል እንተበለ ብክልቲኡ መልክዕ ክኸውን ማለት ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ክንቅበል ትመክር፣ ከም ልማድ ቤተክርስትያን ምእመናን ናብ ቅዱስ ቊርባን ተሰሪዖም ብመልክዕ መንፈሳዊ ዑደት እዮም ዝጓዓዙ ኣብ ምቅባል ምስ በጽሑ ከኣ ደው ኢሎም ይቅበሉ ወይውን ከከም መምርሒ ረኪበ ጳጳሳት ናይቲ ከባቢ ተንበርኪኽካ ይግበር፣ ኣብ ኣፍካ ብዓቢ መንፈሳውነት ምቅባሉ ዝምከር እንክኸውን ኣብቲ ዝተፈቅደሉ ከኣ ኣብ ኢድ እውን ይወሃብ፣ ምስ ቈረብና ነቲ ዝተቀበልናዮ ዓቢ ጸጋ ኣብ ልብና ንምዕቃቡ ምእንቲ ክሕግዘና ግዜ ሱቊታ ስዒባ ብልብና ንጽሊ፣ ነዚ ናይ ሱቊታ ግዜ ምንውሑ ምስቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኢየሱስ ንክንዛረብ ይሕግዘና፣ ከምኡ እውን ምስ ጐይታ ምህላውና ንምስትንታን ክሕግዘና ካብ መዝሙረ ዳዊት ወይውን ካልእ ናይ ምስጋና መዝሙር ክዝመር ይከኣል፣

መሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባንከስ በቲ ካህን ዘዕርጎ ናይ ድሕሪ ቁርባን ጸሎት ይፍጸም፣ ኣብዚ ጸሎት እዚ እቲ ካህን ንኩሎም ወኪሉ ንእግዚብሔር ስለቲ ተሳተፍቲ መኣዱ ክንከውን ዘኽኣለና ንምምስጋንን ሕይወትና ንክንልውጥ ንክሕግዘና ጸጋኡ ክህበናንን ይልምን፣ ቅዱስ ቊርባን ፍረ ንክንፈሪ የሐይለና ናይ ሠናይ ተግባር ዕምባባታት እናኣወፈና ከም ክርስትያን ክነብር ይሕግዘና፣ ንኣብነት ሎሚ ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ እትቀርብ ናይ ድሕሪ ቊርባን እትዓርግ ጸሎት ትሕዝቶ ‘ኣብዚ ቅዱሳት ምሥጢራትካ ምስታፍ ናይ ድሕነት ፈውሲ ንክኾነናን ካብ ክፉእ ኩሉ ፈዊሱ ኣብ ፍቅርኻ ከም እንነብር ይግበረና’ ይብል፣ ስለዚኸስ ናብቲ ንኢየሱስ ሂቡ ናብኡ ዝልውጠናን ሓይሊ ዝህበናን ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ንሳተፍ፣ ጐይታ ብዘይ መጠን ሕያዋይን ዓብን እዩ፣ እግዚአብሔር ይሃበለይ፣ ኢሎም ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ናይ መወዳእታ ሰላምታ ቅድሚ ምቅራቦም ናብቲ ንዓመታ ኣብ ሃገር ኣየርላንድ ዝግበር ዓለምለኸ ሶሙን ስድራቤታት ንምስታፍ ክኸዱ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

ብምኽንያት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሃገር ኣየርላንድ ከተማ ዳብሊን ዝግበር ዓለምለኸ ሶሙን ስድራቤታት ንምስታፍ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ ናይዚ ዓመትዚ ክኸይድ እየ፣ ንሰበሥልጣንን ጳጳሳትን ጳጳስ ዳብሊንን ንኩሎም ነዚ ጉዕዞ እዚ እጃሞም ዘበርክቱ ካብ ሕጂ ጀሚረ አመስግን፣ እግዚብሔር ይህበለይ ኢሎም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.