2018-03-20 18:20:00

ኣመንዝራነት ፍቅሪ ዘይኮነስ መሳቀዪ ጓልአንስተይቲ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ክቡራንን ክቡራትን ሰማዕትና ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ኣመልኪትናዮ ከምዝነበርና እቲ ንሶሙን መመላእታ ክካየድ ተመዲቡ ትማሊ ብዕሊ ዝተጀመረ ቅድመ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ መንእሰያት ወይ መንሰናደዊ ንሲኖዶስ መንእሰያት ብጽቡቅ ይሰላሰላ ከምዘሎ ካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ዜና የመልክት፣

ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ሰፊሕ ትምህርቲ ኣቅሪብናልኩም ነርና፣ ሎሚ ከኣ ከም መቀጸልታኡ በቲ ቅዱስነቶም ብዘይፍርህን ብዘይምሕፋርን ንገሩና ተዛረቡ ጸገማትኩም ግለጹልና ዝበልዎ መሰረት ካብተን ዝቀረባ ሕቶታት ንሓሙሽተ ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ሂቦም ሓንቲ ካብኤን ክነቅርበልኩም ኢና፣

ቀዳመይቲ ዝቐረበት ሕቶ ካብ ሓንቲ ናይጀርያዊት መንእሰይ ኮይኑ እዛ መንእሰይ እዚኣ ኣደዳ ነጋዶ ደቂሰብን ሕሰም ናብራን ተደገጊፎ ናይ ጐደና ተመሓዳሪት ገርዋ ዝነበረት ብጸጋ እግዚብሔር ብገበርቲ ሠናይን ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ሓራ ዝወጸት እያ፣ ከምዚ ክትብል ከኣ ሓቲታ፣ ሽመይ ብለሲንግ ኦኮዮድዮን እበሃል ጓል ናይጀርያ እየ፣ ብደቂ ሰባት ብዝነግዱ ተታሊለ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ሃገረ ጣልያን መጺኤ፣ ተመኩሮይ መሰክሕ እዩ ክብረይ ብሙሉኡ ዝቀንጠጠን ባዶ ዘትረፍንን እዩ፣ ኣብቲ ዘይታኸስ ኣምላኽ እምነት ስለዝነበረኒ ግን ትብዓት ረኺበ ከጋልጽን ክኸስስን ክኢል ካብቲ ገሃነመእሳትከኣ ሓራ ወጺኤ፣ ኣብ ገዳም ገሊኤን ደናግል ዳግማይ ትንሣኤ ረኺበ፣ እዛ ትንሣኤ እዚኣ እዛ ነጻነት እዚኣ እያ ከክንዲ እተን ኣደዳ ናይዚ ግፍዒ ኮይነን ንዘለዋ ኣሕዋተይ ድምጸን ኮይኑ ዘእዊ ዘሎኹ፣ ወላ እታ ቤተክርስትያን እውን ተባዕታዊ ልዑልነት ዘለዋ ኮይና ትረኣየና፣ ኣብ ጉዕዞ ንዘለው መንእሰያት ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ብግልጺ ክትምህርን እቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣብ መንጎ ነጻ ዝኾነት ሰበይትን ሰብኣይን ንሶም ከኣ ብግዲኦም ሓራ ዘውጽኡ ክኾኑ ከምዝለዎም ክትዕድም ተኣማንነት ይህልዋዶ ይኸውን! ትብል ከባድ ሕቶ ምስ ቀረበት ቅዱስነቶም እታ ሕቶ መራር ኦፐረይሽን ወይ ሕክምና ኮይና ብዘይመደንዚዚ ከምዝቀረበትን እቲ ሓቂ ግን ንሱ ምዃኑ ክሓብኡ ኣይደለዩን፣ዓሚ ሓደ ገዛ በጺሔ ነረ፣ ካብዚ ባርነት እዚ ሓራ ዝወጻ ዝጣየሳሉን ዳግም ሕይወት ንክጅምራ ዝሓለፈ ኣቊሳል ክተሕዊ ዝቃለሱሉን ገዛ እዩ፣ እቲ ባርነትን ግፍዕን ታሪኽን ክትኣምኖ ዘጸገም ዘስካሕክሕ እዩ፣ ንኣብነት ሓንቲ ካብ ሞልዳቭያ ተጨውያ ተኣሲራ ኣብ መዔሸጊ ኣቊሑት ናይ ንእሽቶ ማኪና ተዓጽያ ምሉእ ለይቲ ክሳብ ሮማ ተጓዓዛ ክትሃድም ኣንተፈቲና ንወላዳ ክቀትሉ ምዃኖም ስለዝሓበርዋ እቲ ራዕዲ ሕሰብዎ ኣብ ርእሲ እዚ ናይ ኣፍሪቃውያን ክንደይ ዘሰቅቅ ምህራምን ዓመጽን፣ ብሓቂ የሕዝን፣ እቲ ዝገደደ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ዋላ ካብዚ ሓራ እንተወጻን ጨሪሸን ንገዛ ክምለሳ ዘይምድላየን እቲ ነቲ ታሪኽ ስዒቡ ዝመጽእ ተጽዕኖ እውን ስለዝኸብደን ንስድራኤን ነቲ ሓቂ ክነግራ ትብዓት ይጎድለን፣ ዘለዓለም ክሳቀያ ይነብራ፣ ከመይ ክብረት ስድራአን ክብረት ኣሕዋተን ዘዋረዳ ስለዝመስለን ሓቢኦንኦ ይነብራ፣ ማዕረ ማዕረ ክፍኣት ወዲሰብ ማዕረኡ እኳ ደኣ ልዕሊኡ ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ግለሰባትን ማሕበራትን በበይኑ ዝኾነ ታሪኽ የዘንትው፣ ክሳብ ካብቶም ብወለንታኦም ዝሕግዙ ኣብ መወዳእታ ኣብ ፍቅርን ሓዳርን ዝበጽሑ እውን ትርኢ፣ ካቶሊካውያን ክትብል ብለሲንግ ዝሓተታ ሕቶ እምበርዶ ክርስትያን ከምዚ ክገብር ኢልካ ናይቶም ዝቀደሙ እናነቀፍካ ዓሚል ናይዚ ግዕዙይን ክብሪ ወዲሰብ ዝገፍፍን ካብቶም ተጠሚቅና በሃልቲ ምዃኖም ዘይከሓድ እንተኾኖ ቅዱስነቶም ግን ነቶም ንምንዝርና እሞኸኣ በዚ ከምዚ ተገዲደን ኣብ ፈቀዶኡ ተሰጢሔን ዝሓደራ ገንዘብ ብስም ዝኸፈሉ ቅዱስነቶም ምሕረት ብምሕታት እዚ ሕማም እዚ ወይውን እዚ ሓጢኣት እዚ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኮይኑ ንጓል ኣንስትይቲ ክትብለጸላ ናይ ምድላይ ኣተሓሳስባ ወላ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣብ ቊምስናታት ብዙሕ ታሪኽ ኣሎ፣ ዓቢ ጸገም እዩ ንስኹም መንእሰያት ከኣ ክትቃለስዎ ኣሎኩም፣

‘በጃኻትኩም ዝኾነ መንእሰይ ከምዚ ዚዓይነቱ ልማድ እንተልይዎ የቋርጾ ዓመጽ እዩ ቅትለት እዩ፣ ምናልባት ገንዘብ ከፊልካ ዝግበር ዝሙት ፍቅሪ እዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ከይህልወኩም እዚ ወንጀል እዩ ዓመጽ እዩ በደል ኣብ ልዕሊ በደል እዩ፣ ፍቅሪ ዘይኮነ መሳቀዪ ጓልኣንስተይቲ እዩ፣ ሕሙም ኣተሓሳስባ እዩ፣ ነዛ ሁመት እዚኣ ክጥቀመላ ምደለኹ ከመይ ብዛዕባ ዝተጠምቁ ብዛዕባ ክርስትያን ተዛሪብኪ ብስም ነዚ ወንጀል እዚ ነዚ በደል እዚ ነዚ ዓመጽ እዚ ዝፍጽሙ ዝተጠምቁን ክርስትያን ንዓኹምን ንመላእ ማሕበረሰብን ምሕይረት እሓትት ኢሎም፣

ስዒባ ዝቀረበት ሕቶ ካብ ሓደ ኣብ ካቶሊካዊ ተቍዋም ፓሪስ ሃገረ ፈረንሳ ሕጊዝ ዘጽንዕ ዘሎ ኮይኑ ካቶሊክ ኣይኮነ ኣይተጠምቀ፣ በዚ ከኣ እዮም ትማሊ ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ ጸሎት ትኣምኑስ ይኹኑ ትጠራጠሩ ክብሉ ነስተትኖ ዝዓደሙ፣ እዚ መንእሰይ ናብ ቅዱስነቶም ዘቅረባ ሕቶ ካበይ ከምዝጅምር ከምዝሓርበቶን ኣየናይ መንገዲ ከምዝወስድ ምውሳን ከምዝጸግሞን ድሕሪ ምግላጽ እንታይ ትሕግዙኒ ይብሎም፣ ቅዱስነቶም ከኣ ኣጆኻ ድሮ ጀሚርካ ኢኻ ነቲ መንገዲ ኸኣ ተታሓሕዝካዮ ኣሎኻ ክብሉ ድሕሪ ምትብባዕ  ክጅምርእዚ ብጣዕሚ ዓሚቊ ዝኾነ ሃረርታ እዚ ናይ ሓደ ናይ ምልላይ ጉዕዞ መጀመርታ እዩ ኢለ እኣምን፣ እዚ ናይ ምልላይ ጉዕዞ እዚ ኣብ ሕይወትና ንክምርሽ ዝሕግዝ ኮይኑ ምሉእ ሕይወትና እዩ ዘሰንየና፣ ኮይኑ ግን ሓደ ሰብ ምስ ዚኣመኖን ክሕግዞ ዝኽእልን ነዚ ነገራት እዚ ከዕልል እንከሎ ከኣ ዝበለጸ እዩ፣ ነቲ ስምዒታት ጸቂጥና ኣይንሓዞም ኵወጹ ንግደፎም ንዛረቦም፣ ክነደንዝዞም ኣይንፈትን ኣናኣኢስና እውን ኣይንርኣዮም፣ ነዚ ናይ ምልላይ ጉዕዞ ክገብር ሓደ ዚኣምኖ ሰብ ሃሰስ ክብል ኣሎኒ ምሳኡ ከኣ ክዘራረብ ኣሎኒ ። እንክብሉ ምስ መለሹ፣ ብዛዕባ ኣመሃህራን ዘሎ ጸገማትን ዝቀረበት ሕቶ ኮይና ቅዱሰንቶም ከኣ ሎሚ ኲስኰሳን ኣመሃህራን ጽቡቅ ንክከይድ ስለስተ ነገራት የድልዩ ጽቡቅ ንክተመሃርን ጽቡቅ ንክትሓስብን ጥዑይ ሓንጐ ጽቡቅ ንክትሰዓካ ሰናይ ግብሪ ንክትቀስም ቅኑዕ ልቢ ንኩሉ ኣብ ሰናይ ብተግባር ክትርጉም ጥዑያት ኣእዳው የድልያኻ፣ ትምህትን ኲስኰሳን ከኣ ነዘን ሰለስተ ከጠቃልል ኣለዎ ኢሎም፣

ብድሕርዚ ዝቀረበት ብሓደ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኮይና ምስክርነት ካህንን ዘለው ዝተፈላለዩ ባህልታትን ኮይና ቅዱስነቶም ከኣ ዝምስክርሲ ካህን በይኑ ኣይኮነን ቀዳመይቲ ምስክር እታ ማሕበረ ክርስትያን እያ፣ እታ ማሕበረ ክርስትያን ነቲ ካህን ተወግኖን በይኑ ትገድፎን እንተኾይና ኣኸለ፣ ቤተክህነታዊ ኣተሓሳስባ መርዚ ቤተክርስትያን እዩ፣ ካህና ዘይሃቊፍ ቊምስና ሕማቅ ትገብር፣ ስለዚ እታ ማህበር እያ ክትምስክር ዘለዋ እቲ ካህን ከኣ ምስ ማሕበር ኮይኑ እንተዘይመስክሩ ኩሉ ከንቱ እዩ፣

ብዛዕባ ባህልን ምውቃጥን ምስ ሓተቶም ከኣ ንስኻ በዚ እርእዮ ኣገባብ ተወቂጥካ ዘሎኻ እንታይ ትደሊ! ናይ መን ኢኻ ትብለና! ብዝብል ጀሚርካ ክትዋሳእ ክትዛተ የድሊ እዚ ቀንዲ እዩ፣ ኮይኑ ግን ብሩኸይ ብዛዕባ ውቃጦ ኣይትደሃል፣ ኤርትራውያን ካብ ዓመታት ኣብ ግንባሮም ንመስቀል ይውቅጡ ሎሚ እውን እንተኾነ ንርእዮም፣ ቊሩብ ዝተጋነነ ክመስል ይኽእል፣ ውቃጦኸስ ናይ መን ምዃንካ እዩ ዝገልጽ፣ ከከም ኩነታቶም ናይ መን ኢኻ እንታይ ትብለና ብዛዕባዚ ካብ ዝብል ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ዘተን እሂን ምሂን ምባልን ክትበጽሕ ይከኣል፣ እንክብሉ መሊሾም፣ ኣብ መወዳእታ ዝቀረበት ብሓንቲ ድንግል ኮይኑ እናቴ ተረዚና ካብ ቻይና ዝመጸት ኮይና ኣብ ሮማ ትመሃር ንቅዱስነቶም ከኣ ቀያሕ ሻርፓ ከም ህያብ ኣቅሪባ ብዛዕባ ኲስኰሳ ኣብ ገዳማውያት ትሓትት ነበረት፣ ቅዱስነቶም ቅድሚ ምምላሶም በታ ህያብ ካብ ር.ሊ.ጳ ናብ ካርዲናል ኣውሪድክኒ ኢሎም ምስ ኣስሓቁዎም ኣብዚ ዘመንና ክንዲ ንእግዚአብሔር ንግዝያዊ ጥቅምን ነገራትን ሃሰስ ኣብ ዝብል ሕይወት ከይፈራህካን ከየጋነንካን መንገዲ ዘተ ምድላይ እዩ እቲ ቀንዲ መጋበሪ ቢሎም፣

ንስኺ ጠቅላሊት ሓለቃ ወይ ንኣኡ ዝመሳሰል ቦታ ምስ ሓዝኪ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክትልውጢ ተጋደሊ፣ መንፈሳውን ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሓዋርያውን ኲስኰሳ ግድነት የድሊ፣ ነዚ ሓንቲ ከይገደፍካ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ በብደረጃኡ ክቀርብ ኣለዎ፣ እንክብሉ ምኽሮም ለጊሶም፣

ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ወይ ቀንዲ ውራይ ሓደ ጳጳስ ጸሎት እንክኾን ካብዚ ዘይፍለ ከኣ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ካህናትን ድኻታትን ክከውን ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ ንሓደስቲ ጳጳሳት

ትማሊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ እንክተኽብር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ኣብ ርእስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት በዚ ዕለትዚ ብዕሊ ብቅዳሴ ኣገልግሎቶም ዝጀመሩሉ ምዃኑ ሰለስተ ሓደስቲ ጳጳስት ብምሻም ኣብዒሎሞ፣ ቅዱስነቶም ፍሉይነት ናይዚ ዕለትዚ ብብዙሕ መንገድታት ካብ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ዘለዎም ፍቅርን ኣኽብሮን ጀሚሮም ምስቶ ንምስንዳው ሲኖዶስ መንእሰያት ኣብ ሮማ ተጋቢኦም ዘለው ካብ መላእ ዓለም ዝተጋብኡ መንእሰያት ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ብቀጥታ ብኢንተርነት ዝከታተልዎ ጉባኤ ምኽፋትን ሕቶታት መንእሰያት ምምላስን ኣማስያኡ ከኣ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ንዝኽሪ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ግዜ ሲመተ ጵጵስና ከምዚ ክብሉ ሰቢኾም፣

‘እንተ ንስኹም ብጐይታ ዝተሓረኹም ኣሕዋተይ ካብ ሕዝቢ ተመሪጽኩም ንሕዝቢ ክተገልግሉ ምዃንኩም ኣስተንትኑ፣ ዝተሸምኩምሎም ጉዳያት ከኣ ንእግዚአብሔር ዝምልከቱ እምበር ካልእ ጉዳያት ከምዘይኮኑ ፍለጡ፣ ጉዳያትኩም ንክተሳልጡ ወይውን ሽመትኩምን ሥልጣንኩምን ረኣዩልና ስምዑልና ክትብሉ ወይውን ንፖሎቲካዊ ሃልኪ ዘይኮነስ ኤጲስቆጶስ ማለት ናይ ኣገልግሎት ሽም እምበር ናይ ክብሪ ሽም ከምዘይኮነ ዘክሩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ከምቲ ትእዛዝ ናይ መምህርና ‘ኣብ መንጎኹም እቲ ዝዓበየ ዝተሓተ ወይ ዝነኣሰ ይኹን፣ ዘመሓድር ዝመርሕ ከኣ ከም ባርያ ወይውን ኣገልጋሊ ይኹን’ ዝብሎ ጳጳስ ከገልግል እምበር ክጒይትት የብሉን፣ መሳፍንቲ ካብ ናይ ምዃን ፈተና ኣርሒቅኩም ህደሙ፣ ወትሩ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ተኸተሉ፣

‘ኣብታ ሓደራ ዝተዋህበትኩም ቤተክርስትያን ናይቲ ብእግዚአብሔር ኣቦ ሓለቃ ሥድራቤት ክኸውን ዝተላእከን ነባጊዑ ኣጸቢቁ ዝፈልጠንን ንሰን ከኣ ዝፈልጣኦን ሕይወቱ ምእንታኣተን ከወፊ ሰጋእ ዘይብል ሕያዋይ ጓሳ ኣብነት እናተኸተልኩም እሙናት ሓለውትን ዓደልትን ምሥጢራት ክርስቶስ ኩኑ፣ ብማለት ሓደራ ምስ በሉ ምስዚኤን ኣተሓሒዞም ከኣ ክልተ ነገራት ተማሕጺኖም፣ እታ ሓንትን ቀንድን ቀጻሊ ጸሎት እንክትከውን እታ ካልኣይቲ ድማ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ካህናቶምን ጽጉማትን ደው ክብሉ ምናዳ ከኣ ካብቲ መጓሲኦም ውጽእ ዝበላ ማለት ካልእ እምነት ዝኽተሉስ ይኹኑ ዘይኣምኑ ኣብ ጸገሞም ክረድእዎም ሓደራ ቢሎም፣

እዞም ሲመተ ጵጵስና ዝተቀበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ቫልደማር እስታኒስላው ሶመርታግ ካብ ፖላንድ ሰበኻ ፐልፕሊን ናብ ሃገረ ኒካራግዋ ሓዋርያዊ እንደራሴኦም ማለት ኑንስዮ ኣፖስቶሊኮ ክኾኑ ዝተመርጹ እቲኦም ካልኦት ክልተ ኣብ ቅድስት መንበር ወይ ኩርያ ሮማና ዘገልግሉ ዝነበሩ ኮይኖም ኣቡነ ኣልፍረድ ሽወረብ ካልኣይ ጸሓፊ ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ምበል 16 ዝነበሩን ንቊሩብ ኣዋርሕ እውን ናይ ቅዱስነቶም ድሕሪ ምዃን ኣብ ቤት ጽሕፈት ቁጠባ ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ናይ ሰውል ደቡብ ኮርያ ሓዋርያዊ እንደራሴኦም  ክኾኑ ዝተመርጹ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣቡነ ኾዘ ኣቨሊኖ በታንኩር ናይ ቅድስት መንበር ፕሮቶኮል ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ ሃገረ ኣርመንያን ሃገረ ጆርጅያን ናይ ቅዱስነቶም እንደራሴ ኮይኖም ዝተመርጹ ነበሩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.