2018-03-19 11:14:00

ውርሻ ቅዱስ ኣባ ፕዮ ጸሎትን ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ንእሽቶይ ኰንካ ምቅራብን ጥበብን እየን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ንዝኽሪ ቅዱስ ኣባ ፕዮ ኣብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ‘ንቅዱስ ኣባ ፕዮ ክነድንቆ ጥራይ ኣይንንበር! እምነት ብዝመልኦ ጸሎትን ንጽጉማት ብምግልጋልን ኣብ መንበረ ኑዛዜ ምስ እግዚብሔር ብምርኻብን ንምሰሎ!` እንክብሉ ካብዚ ዓቢ ቅዱስ እንወርሶም ዓበይቲ ነገራት ኣመልኪቶም፣

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ መጀመርያ ንግደቶም ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ንሕሙማት ብምጻሕን ንሕዝቢ ሰላምታን ቡራኬን ቃለ ማዕዳን ብምሃብን እኳ እንተጀመርዎ እቲ ቀንድስ ኣብቲ ቅዱስ ቅርያት ኣባ ፕዮ ዘለዎን ምእንቲ ክብሩ ዝተሃንጸ ሃገርገር ዝብል ዓቢ ቤት ጸሎት ብ2009 ብልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተባረኸ ሓዲስ ቤተክርስትያን ረንዞ ፕያኖ ብዝበሃል ዓቢ መሃድንድስ ዝተሃንደሰ ብምኻድ መንፈሳዊ ንግደቶም ነቲ ቅዱስ ቅርያት ኣኽብሮ ብምቅራብን ጸሎት ብምዕራግን ሓደ ኣክሚም ብምግዳፍን ምስ ፈጸሙ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣትዮም፣

ኣብቲ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ስብከት ወትሩ ከምዝገብርዎ ናይዚ ዓቢ ሕዝባዊ ቅዱስ ኣብ ሰለስተ ቃላት ማለት ጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ንእሽቶ ምዃን ከምኡ እውን ጥበብ እንክጥርነፋ ኣብ ሰለስተ ዝጭበጣ ተግባራት ከኣ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓልወን ማለት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተዘርጊሑ ዘሎ ብስም ጉጅለታት ጸሎት ፓድረ ፕዮ ዝፍለጡ ዘዘውትርዎ ጸሎታት ኣብቲ ብስም ካብ ስቃይ እፎይታ እትረኽበሉ ገዛ ሕሙማን ዝንቀሳቀስ ብዙሓት ሕሙማት ሓቊፉ ዘሎ ሆስፒታል ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ሕይወቶም ክሳብ ዝሓልፍ ዝገብርዋ ዝነበሩ ምሥጢረ ኑዛዜ ምዕዳል እየን፣ በብሓደ እንተርኢናየን እታ ቀዳመይቲ ከይደኽምኩም ጸልዩ ኣብ ምስጋናን ኣምልኾን ተጸመዱ እትብል እያ፣

ቅዱስነቶም ነዙይ እንክገልጹ እታ ኢየሱስ ወትሩ ጸልዩ ትብል ትእዛዝ ቅድሚ ምሃቡ ባዕሉ ወትሩ ይጽሊ ከምዝነበረ እሞ ናቱ ረድኢ ዝኾነ ቅዱስ ኣባ ፕዮ ክሳብ ቊስልታቱ ዝተኻፈለ ጸሎት ቀዳማይ ቦታ ይህቦ ከዝምነበረ ንኽገልጹ ጸሎትሲ ምርጭእ ኣይኮነን ወትሩ ቀንዲ ውራይና ኮይኑ ቀዳማይ ቦታ ናይ ሕይወትና ክሕዝ ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ግን ቀሊል ኣይኮነን፣ ወትሩ ክንጽሊ ምስ እንፍትን ኣብቲ ቀንዲ ነገር ከይበጻሕና ኣብ መንጎ ጣልቃ ብምእታው ዝዀልፈና ኣይሰኣንን፣ በዚ ከኣ ካብቲ ቀንዲ ናይ ጸሎት ፍረ ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ምርኻብ ምውሳእ ከይበጻሕና ንኹለፍ፣ እዚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ፓድረ ፕዮ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ከይሰልከኹም ከይረብረብኩም ከይደኸብኩም ወትሩ ጸልዩ ዝብል ዝነበረ ኢሎም፣

ነቦ ንምፍላጥከስ ግዜ ንኣኡ ወሲንካ ንጸሎት ምስጋና ልብኻ ከፊትካ ኣምልኾን ስግደትን እናኣቅረብካ እንተዘይኮይኑ ፈጺምካ ኣይከኣልን፣ ሎሚ እቲ ብዘይመጠን ዘሕዝን ጸሎተ ኣምልኾን ስግደትን ጸሎት ምስጋናን ክሳብ ክንደይ ዘንጊዕናዮ ምህላውና እዩ፣ እስኪ ነናብ ሕልናና ተመሊስና ጸሎት ኣምልኾን ስግደትን ከመይ ገቢረ ኣቅርቦ እምበርዶ እገብሮ እየ መኣስ መኣስ ከ እየ ዝገብሮ ንምዃኑ መኣስ እየ ንእግዚብሔር ዘመስግኖ! ሃየኸስ ሓደራ ጸሎት ኣምልኾን ስግደትን ጸሎት ምስጋናን ንጀምሮ፣ እዚ ጸሎት እዚ ብቀጥታ ምስ እግዚብሔር ኣካል ብኣካል እንራኸበሉ ምስ እግዚብሔር ንክንወሃሃድ ኣብ ቅድሚኡ ብሱቅታ ምሳኡ እሂን ምሂን ክንብሎ ከሎና ንጐይታ ንምርካብ እንጥቀመሉ ዓቢ ምስጢር ዓቢ መጋበሪ እዩ፣ ጸሎትና ጸሎት ልመና ፍሉይ ሓገዝ ንምሕታት ፍጡነ ረድኤት ንምልማን ክኸውን ይኽእን ኮይኑ ግን ጸሎት ዝኲስኰሰሉ ኣብ ጸሎት ኣምልኾን ስግደትን ኣብ ጸሎት ምስጋናን እዩ፣ ምናልባ ንብዙሓት ጸሎት ከምዚ ቅሳነት ዝህብ መድሓኒት ዝመስሎም ኣይሰኣንን ኮይኑ ግን ጸሎት ቀንዲ ትርጉሙ ሕይወትካ ናብ እግዚብሔር ምርካብ እያ፣ ናትካ ሕይወት ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ናይ መላእ ዓለም ሕይወት ንእግዚብሔር እንከተረክብ ዓቢ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ፣ ነዚ ንክሕግዘና ኸኣ ቅዱስ ፕዮ ናይ ጸሎት ጉጅለታት ገዲፎምልና፣

‘ነሕዋትና ዘጓንፉና ነገራትን ናብ ጐይታ ንሕና እንተዘየቅሪብናዮም መን ክገብሮ እዩ! ነዚ ጨንቍዎ ዘሎ ዘመደ ኣዳም ማዓጹ መለኮታዊ ምሕረቱ ንክኸፍት ነዚ መዓጹ እዚ ንሕና እንተዘይኳሕኲሕና ንሕና እንተዘይኣማሊድና መን ክገብሮ እዩ! ስለዚኸኣ እዩ ፓድረ ፕዮ ጉጅለታት ጸሎት ብምቋም በብጉጅለ ኮይኖም ሓቢሮም ንክጽልዩ ከምዚ እናበለ ሓደራ ዝበሎም፣ እዛ ለበዋ እዚኣ ነታ ኣብ ባህልና ካብ ሓይሊ እምብሎት ሓይሊ ጸሎት ንእንብላ ትመሳሰል፣ ፓድረ ፕዮኸስ ንጉጅለታት ጸሎት ‘ሓይሊ ጸሎት ኣብቲ ሓድነት ናይተን ዝጽልያ ነፍሳት ኮይኑ ንዓለም ምሉእ ክንውንው ንሕልናታት ከሕድስ ንሕሙማት ከሕዊ ንስራሕ ክቅድስ ንኣገልግሎት ጥዕናን ሕሙማት ሓፍ ከብል ዝለዓለ ሞራላዊ ደገፍን ሓይልን  ሂቡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ምናዳ ዝሓመመን ዝደኸመን ባህታን በረኸትን እግዚኣብሔር የውርድ’ እናበለ ይምሕጸኖም፣ ነዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ልባትና ንሓዘን፣ እስኪ ሕጂ እውን ኣብ ሐሕልናና ምልስ ኢና ኣነስ እጽልዶ! መኣስ መኣስከ እጽሊ! ናይ ኣምልኾን ስግደትን ጸሎት እኽእለዶ! ናይ ምስጋን ጸሎትከ! ንሕወተይን ሕይወት ኩሎም ሰባትን ናብ እግዚብሔር ከመይ ገርካ ከምእተብጽሕ እፈልጥዶ! ኢልና ነስተንትን፣

ነዚ ጸጋታት እዚ ንምቅባልን ናትካ ንምግባርን ኣብነት ዝኾነና ትሕትና ወይውን ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ከም ሕጻናት ናኣሽቱ ኰንካ እንክትርከብ እዩ፣ ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ከኣ ፓድረ ፕዮ እዮም፣ ድሕሪ ጸሎት ካልአይቲ ውርሻ ዝሓደጉልና ከኣ እዚኣ እያ፣ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቦኡ ንመንግሥቱ ንናኣሽቱ ብምግላጹ ዘመስገኖ እዚ ጉዳይ እዚ ትሑት ልቢ ክፉትን ድኻን ክቅበል ስንድውን ክኸውን ኣለዎ፣

‘ናይዞም ጐይታ ናኣሽቱ ዝብሎም ልቢ ከም ኣንተና ኮይኑ ካብ እግዚብሔር ንዝውንጨፍ ማዕበላት ብኡ ንብኡ ቆብ ኣቢሎም ይሕዝዎ፣ እግዚብሔር ምስ ኩልና ክራኸብ ይደሊኮይኑ ግን ንርእሱ ዘተዓባቢ እዚ ማዕበላት እዚ ኣይረኽቦን እዩ ከመይ ኣብ ድላይ ኣምላኽ ኣይበጽሕን፣ ከመይ ባዕሉ ንባዕሉ ንኩሉ ብትዕቢቱ ስለዝመልኦ ንእግዚአብሔር ዝኸውን ቦታ የብሉን፣ ነቶም ናኣሽቱ ከም ሕጻናት ግርህ ንዝበሉን ርእሶም ዘትሕቱን ድኻታት ምዃኖም ተረዲኦም ኣምላኽ ከምዘድልዮ ተረዲኦም ሃሰስ ንዝብልዎ ግን ይግለጸሎም፣ ምሥጢረ ኢየሱስከስ ምሥጢረ ንእሽቶ ምዃን እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ትሕትና ለቢሱ ዳርጋ ኢምንት ኮይኑ፣  ኣብዚ ቅዱስ ቊርባን ንርእዮ ከምዘሎና እውን በቲ ትሑት ፍቅሩ ኣብ ቁራስ እንጌራ ተለዊጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ንእሽቶ ኮይኑ ነቶም ናኣሽቱ ዝኾነ ክቅበል ይርከብ፣ ነዞም ናኣሽቱ መን የለልዮም መንከ ይቅበሎም መንከ ይሕብሕቦም እንተተባህለ ኣብዚ ሎሚ ዳርጋ ወላ ሓደ ዘብል ባህሊ ምውጋን ወይውን ምጉሓፍ ይረኤ፣ ትሕት ንዝብለ ምስክን ንዝበለ ንዝሓመመ ንዝኣረገ ዘውስን ባህሊ ነቲ ንናኣሽቱ ዝግለጽ ኣምላኽ ምዝንጋዕ እዩ፣ ነዚኦም ናኣሽቱ እዚኦም ዝቅበል ንጐይታ ይቅበል፣ እንክብሉ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብትዕቢትን ኣነነትን ዝተዋሕጠ ሕብረተሰብና እንትርፊ እቶም ክኢላታትን ዓበይትን ኢሎም ዝቅበልዎም ንካልኦት ዘይጠቅሙን ድኻታትን ኢሎም የወግኑ፣ ነዚ ዝኸውን ሓደ ታሪኽ ዘኪሮም፣

‘ኣብ ቤትትምህርትና ኣብ ግዜ ሕጻንነትና ብዛዕባ እስፓርታውያን ዝበሃሉ ይምሩና ነሮም፣ ኣብዚ ዘይርሰዓኒ ሓንቲ መምህር ብዛዕባ እዞም ሰባት ዝበለትና ማለት ሓደ ጉድለት ዘለዎ ሕጻን ክ ውለድ እንከሎ እዞም እስፓርታውያን ዝበሃሉ ኣብ ጫፍ እምባ ወሲዶም ይጉሕፍዎም ነሮም እትብል ኮይና ንሕና ሕጻናት ከኣ ከመይ ዝበለ ጭካኔ እዩ እዚ ንብል ነርና፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሕና እውን ሎሚ ከምኡ ኢና ንገብር ዘሎና እቲ ጭካኔ ካብኡ እንተዘይገደደ ኣይንእስን እቲ ኣገባብ ግን ሎሚ ብብዙሕ ሜላ ሰብ ንጉሕፍ ነሳቂ፣ እዞም ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ናኣሽቱ እንብሎም ሎሚ ካብቶም ዘይድለዩ እዮም ስለዝኾነ ከኣ ነቲ ንእሽቶ ኰይኑ ዝመጸና ኢየሱስ ኣብ ወሰን ኣወጊናዮ ንርከብ፣

እታ ሳልሰይቲ ውርሻ ቅዱስ ፕዮ ጥበብ ኮይና ጭቡጥ ትግባራዉ ምልክታ ከኣ ከይተዓበኻን ንክፉእ ብክፉእ ክተሸንፎ ከይተመጣጠርካን ብትሕትና ናብ መንበረ ኑዛዜ ምቅራብ እዩ፣ ነዚ ከኣ ክነድንቆ ጥራይ ዘይኮነ ንሓይሊ ጸላኢ ብእምነት ብዝተዀስኰሰ ፍቅሪ ንምሽናፍ ክንመስሎ ኣብነቱ ክንከትል ኣሎና፣

‘ቅዱስ ፕዮ ምስ ጸላኤ ሰናያት መዋዕሉ ምሉእ እዩ ከም ጐይታ ብጥበብ ብትሕትናን ብተኣዝዞን ብመስቀልን ንኩሉ ሥቃዩ ስለፍቅሪ እናኣወፈየ ተዋጊኡ፣ ነዚ ክሎም የድንቅዎ ከምኡ ዝገብሩ ግን ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም፣ ብዛሓት ጽቡቅ ይዛረቡ ኣብነቱ ዝኽተሉ ንኣኡ ዝመስልዎ ግን ክንደይ ኮን ይኾኑ! ከምዚ ናይ ዘመንና ፈይስቡክ ኣብ ገጻት ዓበይቲ ቅዱሳን ላይክ ዝብል እናጠወቁ ደስ ከምዝብልዎም ዝገልጹ ቁጽሪ የብሎምን ካብዚኦም ግን ክንደይ ከምቲ ንሶም ዝገበርዎ ይገብሩ! ሕይወት ክርስትናኸስ ደስ ይብለኒ ዘይኮነስ ኣነ እውፈ ኣሎኹ እዩ መለለዪኡ፣ ሕይወት ከም ወፈያ ናብ ጐይታ ክትቀርብ ከላ ከም ጥዑም መዓዛ ዕጣን ትኸውን ኣብ ገዛእርእሳ ተዓጽያ ምስ እትተርፍ ግን ትጽይእ፣ መንገዲ ዓባይ ጥበብ ምስቲ መድሓንን መሓርን ዝኾነ እግዚአብሔር ምርኻብ እያ እትርከብ፣ ካብዚ ዝተገለለ ወይውን እዚ ዘየድልዮ ማንም የለን። ቅዱስ ፕዮ እግዚአብሔር ምስ ኣሕዋቱ ንከራኸብ ብዙሕ ተሳቅዩ ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ወሳኒ መጋበሪኑዛዜ እያ፣

‘እታ ዝተፈቅረትን ይቅረዝተባህለላን ናይ ሓደ ዓቢ ጥበበኛ ሰብ ሕይወትከስ ኣብ መንበረ ኑዛዜ እያ እትጅምርን እንደገና ዳግም እትትንሥእን፣  ፓድረ ፕዮ ናይ ኑዛዜ ሓዋርያ እዮም ነሮም፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ናብዚ እዩ ዝዕድመና፣ ኣበይ ትኸይድ ኣሎኻ! ናብ ኢየሱስዶ ወይስ ናብቲ ሓዘናትካ! ናበይ ትምለስ ናብቲ ዘድሓነካዶ ወይስ ኣብቲ ውድቀትካን ዘጣዕሱኻ ነገራትን ናብ ሓጢኣትካን! ንዓ ኣጆኻ ጐይታ ይጽበካ ኣሎ! ካብ ምሕረት ክዓግተካ ዝኽእል ዓቢ ጸገም የለን ይብለና ኣሎ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.