2018-03-14 17:07:00

አቡነዘበሰማያት ጸሎት ደቂ እግዚአብሔር እያ! ር.ሊ.ጳ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀምርናዮ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና፣ 

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር እንጌራን ናይ ወይኒ ጽዋዕን ኣልዒሉ ምስ ኣመስገነ ነቲ እንጌራ ከምዝቆረሶ ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ተግባርዚ ዚገልጽ ከኣ ነታ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ማለት ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ ደገምና ምቚራስ እንጌራ ንገብር፣ ብከምዚ ከኣ ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ንጸሎት ኣኰቴተ ቊርባንን ምስጋናን ብምንዋሕ ሥርዓት ቊርባን ንጅምር፣ እዚኣ ጸሎት እዚኣ ከም ካልእ ጸሎታት ክርስትያን ኣይኮነትን እንታይ ደኣ እንተኢልኩም ጸሎት ደቂ እግዚብሔር እያ፣ ኣቡነ ዘበሰማያት ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት እያ፣ ዓባይ ጸሎት ከኣ እያ፣  እዛ ጸሎት እዚኣ ብጥምቀት ዳግም ኣብ ኣንውለደሉ ግዜ ትወሃበና ስለዝኾነ ከኣ ኣቡነ ዘበሰማያት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወደይ ክብል እግዚብሔር ዝጸወዖ ስምዒት የሕድረልና፣ንሕና ኣቡነ ዘበሰማያት ክንጽሊ እንከሎና ከምቲ ኢየሱስ ዝጽልዮ ዝነበረ ኢና ንጽሊ፣ ኢየሱስ ዝደረሳ ጸሎት ኮይና ሓዋርያት መምህር ጸሎት እንዶ ግዳ መሃረና ምስ በልዎ ዝመሃራ ጸሎት እያ፣ ኢየሱስ ከኣ ከምኡ ገሩ እዩ ዝጽለ ዝነበረ፣ ከም ኢየሱስ ምጽላይ ክንደይ ኮን ይጥዕም፣ በዚ መለኮታዊ ትምህርቲ ናቱ ተዀስኲስናኸስ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ እናበልና ክንጽሊ ንኽእል፣ ከመይ ኩልና ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ከም ደቂ እግዚአብሔር ዳግም ተወሊድና ኢና፣ (ኤፌ 1.5) ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዘስተምህሮኸስ ‘ንስኻትኩምከስ ነቲ ብኣኡ ‘ኣባ’ ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕሉ ናይ ደቂ እግዚብሔር መንፈስ ኢኹም ተቀቢልኩም ዘሎኹም እምበር ነቲ ናብ ፍርሓት ዝመልሰኩም ናይ ባርነት መንፈስ ኣተቀበልኩምን’ (ሮሜ 8.15) ዝብሎ ካብ እግዚብሔር ዳግም ከይተወልደን ብመንፈስ ቅዱስ ከይተመርሐን ማንም ኣቦ ኢሉ ክጽውዕ ነዚኣ ነስተንትና ብዘይ ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ማንም ኣቦ ኢሉ ክጽውዖ ኣይክእልን፣ እቲ ዘገርም ግን ክንደይ ሰባት ኣቡነዘበሰማያት ዝደግም እንታይ ይብል ከምዘሎ ኣይፈልጥን፣ ኣቦ ትብል ቃል እንታይ ስምዒት ከምትፈጥር ንምፍላጥ ርሑቅ ከይከድና ንማንም ኣቦ ክትብል ከሎኻ እግዚአብሔር ኣቦኻ ምዃኑ ይስመዓካዶ ይርደኣካዶ ኣቦ ዘመደ ኣዳም ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ይስቈረካዶ! ምስዚ ኣቦዚ ውሉዳዊ ርክብዶ ኣሎካ! ቢልካ ምስ ትሓትት ገሊኡ እንዲዒኸ ብኸምዚ ሓሲበዮ ኣይፍልጥን ዝብል ኣይሰኣንን፣ ኮይኑ ግን ኣቡነዘበሰማያት ክንደግም እንከሎና ምስቲ ዘፍቅረና እግዚብሔር ኢና ንተኣሳሰር ነዚ ምትእስሳር ዝዕድለና ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ደቂ እግዚአብሔር ምዃና ኣብ ስምዒትና የሕድረልና፣  እንትርፊ እታ ኢየሱስ ባዕሉ ዝመሃረና ጸሎት ኣየናይ ጸሎት ብምሥጢረ ቊርባን ምሳኡ ንክንወሃሃድ ዘኽእለና ብሉጽ ጸሎት ኣሎዶ! ብዘይካ ኣቡነዘበሰማያት ካልእ የልቦን፣ ብዘይካ እቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንደግሞ ንኣቡነ ዘበሰማያት ንግሆን ምሸትን ኣብ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እውን በዚ መንፈስ እዚ ከም ደቂ እግዚብሔር ብመንፈስ ሕውነት ተጠሚርና ንነፍሲ ወከፍ ዕለት ክርስትያናዊ መልክዕ ንክነትሕዛ ነዛ ጸሎት እዚኣ ንደግም፣

ኣብዛ ጸሎት ጐይታ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት ዕለታዊ እንጌራና ንልምን፣ ኣብዚ ልመናዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቲ ከም ደቂ እግዚብሔር ንምንባር ዝሕግዘና ንቅዱስ ቊርባን ኢና እነመልክት፣ ቀጺልና ንበደላትና ይቅረ ክብለና ንምሕጸን፣ ነዚ ይቅረታ እዚ ንክንቅበል ግን ንዝበደሉና ይቅረ ክንብል ሓላፍነትና እዩ፣ እዚ ግን ቀሊል ኣይኮነን፣ ንዝበደሉና ይቅረ ክንብል ቀሊል ኣይኮነን፣ ብጸጋ እግዚብሔር እንተዘይኮይኑ ቀሊል ስለዘይኮነ ነዚ ጸጋዚ ክንልምን ኣሎና፣ ኦ ጐታ ከምቲ ንስኻ ይቅረ ዝበልካለይ ይቅረ ኢለ ንክኽእል ኣምህረኒ ንበሎ፣ ጸጋ እዩ፣ ብክእለትና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምሒርካ ምኽኣል ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ እዩ፣ በዚ ከምዚኸስ እግዚኣብሔር ልብና እንክኸፍት ኣቡነዘበሰማያት ከኣ ናብ ሕውነታዊ ፍቅሪ የእተወና፣ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ካብኡ ዝፈልየናን ካብ ኣሕዋትና ዝመቃቅለናን ሕማቅ ነገር ወይ ክፍኣት ኩሉ ክስውረና ካብ ክፉእ ሰውረና ሓራ ኣውጽኣና ኣድሕነና ኢልና ንልምን፣ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቊ.81 ዘመልክቶ እዘን ልመናታት እዚአን ንቅዱስ ቊርባን ከሰናድዋ ብቊዓት እየን፣

ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኣቡነዘበሰማያት እንልምኖ ልመናታት በቲ ካህን ክንዲ ኩልና ኮይኑ ዘቅርቦ ልመና ‘ኦ ጐይታ ካብ ኩሉ ክፍኣት ሰውረና ንመዋዕልና ከኣ ሰላም ሃበና’ ይብል፣ ካብዚ ናብ ሥርዓተ ኣምሃ ወይ ሰላም ምብህሃል ይሕለፍ እሞ እቲ ይቅርታን ምሕረትን ምልኣት ይረክብ፣ ነዛ ሰላም እዚኣ ግን ካብቲ ንጉሥ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ጥራይ ስለ ንረኽባ ሰላሙ ክህበና ንምህለል፣ እዛ ሰላም እዚኣ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ካብቲ እዚ ዓለምዚ ዝህቦ ሰላም ዝተፈልየ እዩ፣ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ከም ፍቃዱ ኣብ ሓድነትን ሰላምን ከዕብያ በቲ ኣብ ነንሕድሕድና እነወፍዮ ሰላም ከኣ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ምቅባልና ሱታፌናን ውህደትና ፍቅርናን ንገልጽ፣ ኣብ ሮማዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ቀቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ሰላም ክንበሃሃል ይእዝዝ፣ ከም ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መጠንቀቅታ ከኣ ነቲ ምስ ክርስቶስ ኣወሃሂዱ ሓደ ዝገብረና ሓደ እንጌራ ነንሕድሕድና ብሕወንታዊ ሰላምታ ሰላም ከይተበሃሃልና ክንቅበሎ ኣይከኣልን፣ (1ቆሮ 10.16, 11.29 ተመልከት) ናይ ክርስቶስ ሰላም ኣብ ሕውነት ክነብርን ነቲ ዝበደሎ ክኽስን ኣብ ዘይክእል ልቢ ክስረት ኣይከኣልን፣ ንሰላም ክህበና ዝኽእል ጐይታ ጥራሕ እዩ፣ ንክንምሕር ይቅረ ንክንብል ጸጋ ዝህበና እውን ንሱ እዩ፣

ናይ ሰላም ምብህሃል ተግባር ድሕሪ ምቊራስ እንጌራ ይመጽእ፣ እዚ ምቊራስ እንጌራ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንምሉእ መሥዋዕተ ቅዳሴ የስምዕ ነሩ (ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቊ.1329 ተመልከት) እዚ ኣብ መወዳእታ ድራር ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ምቊራስ እንጌራ ድሕሪ ትንሣኤኡውን ነቶም ተዓኒዶም ካብ ኢየሩሳሌም ንኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ኣዕይቶም ዝኸፈተ እውን እዚ ምቊራስ እንጌራ እዚ እዩ፣ ከምቲ ኣብ መኽፈቱ ክንበብ ዝሰማዕናዮ እቶም ካብ ሙታን ምስ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝንበሩ ሓዋርያት እንጌራ ባሪኹ ቊሪሱ ምስ ሃቦም ከለልይዎ ከምዝኸኣሉ ሉቃስ ውንጌላዊ የዘንቱ (24.30-31)

ደድሕሪ ምቊራስ ናይ ቊርባን እንጌራ ኣብ ሥርዓትና ሓጢኣት ዓለም እትድምስስ ኦ በጊዕ እግዚብሔር ብዝብል ጸሎት ነቲ ዮሓንስ መጥምቅ ነርድእቱ ንክርስቶስ ክሕብሮም እንከሎ `ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ በጊዕ እግዚብሔር እነሀ’ (ዮሓ 1.29) ብምጥቃስ ምሕረትን ሰላምን ንምህለል፣ እዚ ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣምሳል ናይ ዘድሕን በጊዕ ኣብ እዝ 12.1 ኢሳ 53.7 1ጴጥ 1.19 ራእ 7.14 እውን ንረኽቦ፣ ኣብቲ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝተቈርሰ ቅዱስ ቊርባን እታ ትጽሊ ማሕበር ነቲ ሓቀኛ በጊዕ እግዚአብሔር ነቲ መድሓኒ ዝኾነ ክርስቶስ ትርኢ እሞ ራህርሓልና መሓረና ይቅረበለልና ሰላምካ ሃበና እናበለት ትምህለል፣

እዘን ራህርሓልና መሓረና ይቅረበለልና ሰላምካ ሃበና ዝብላ ልመናታት ካብ ኣቡነዘበሰማያትን ምቊራስ እንጌራን ስዒበን ኣብ ማኣዲ ቅዱስ ቊርባን ንክንሰናዶ እሞ ናብቲ ምንጪ ውሕደት ምስ እግዚብሔርን ምስ ኣሕዋትናን ዝኾነ ቊርባን የብጽሓና፣

ነታ ዓባይ ጸሎት ዝኾነት ኢየሱስ ባዕሉ ዘመሃራን ንሱ ነቦኡ ብኣኣ ዝጽልየላን ዝንበረ ጸሎት ኣይንረሰዓያ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ናብ ውህደት ተሰናድወና፣ ሕጂ ነዚ ትምህርትና ቅድሚ ምፍጻምና ሽሕኳ ኣብ ፍጻሜ ክንዝምራ እንተኾና ሕጂ ኩልና ብሓባር ነፍሲወከፍ በብቋንቋና ብሓባር ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ንበል፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣   








All the contents on this site are copyrighted ©.