2018-03-12 09:15:00

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላዳሪያ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ቀረባ ክንከውን ይምዕዱና


ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረር ቲዮሎጊያ ንገልግሎት ምእመናን፡ ሕዳሴ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱስ ማሕበራትን፡ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ዘበገስዎን ናብ ፍጻሜ ዝበጽሕ ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን መዋቕራት ማለት ኩሪያ ሮማና ሕዳሴ ናይ ቲዮሎጊያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኵርናዕ ዘለዎን ብፁዕነቶም ከም ኢየሱሳዊ ካህን ምስ ኢየሱሳዊ ካህን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ርክብ ከም ደቂ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርክብን ከመይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ሰፊሕ መልሲ ከምዝሃቡን ዕለት 12 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቲዮሎጊያ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቲዮሎጊያ ብዝብል ኣርእስቲ ብተኻታታሊ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝሕተም መጽሓፍ ብወግዒ ከላልዩ ከምዝዀኑን ኣብቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር እውን መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከቕርቡ ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሓቢሮም፡ ከም ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ዝነብርዎ ሓላፍነት ናይ ተኣዝዞ ኣገልግሎት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሓላፍነት ከምዝሓረዩኒ ባዕሎም ጸዊዕም ምስ ነገሩኒ ይብሉ፥

ቅዱስ ኣቦና ንሶም እንተድኣ ወሲኖም ኣነ ተኣዛዚ እየ ዝብል መልሲ እየ ዝሃብውክዎም። ስለዚህ ኣገልግሎትና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓላለኸ ኣይኰነን ተኣዝዞ እዩ። ብርግጽ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ምዃን ከቢድ ሓላፍነት እውን እንተዀነ፡ ነዚ

ሓላፍፍነት ምስ ሓረዩኒ ብርግጽ ብዙሕ ኣይደቀስኩን ድሓር ግና ኣብዚ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምግልጋል ብምዃኑ እቲ መሰረታዊ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሕቶታት መልሲ ዝረኸበ ድማ ብምዃኑ፡ ነቶም መልስታት ምእዋን ዝብል ኣግልግሎት ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ ኣገልግሎት ከኣ ቅዱስ ኣቦና ብስልጣናዊ ትምህርቶም ኣብ ጐድነይ ብምዃኖም ብዙሕ ዘሰንብድ ሓላፍነት ከምዘይኰነ ክስተውዕል ክኢለ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ካህን ኢየሱሳዊ ኣነ እውን ከም ኢየሱሳዊ ካህን ተመሳሳሊ ርእየታዊ መዓልቦ ኣሎና፡ እዚ ከኣ ካብቲ ዝረከብናዮ ኢየሱሳዊ ሕንጸት ዝምንጭው እዩ። እዚ ተመሳሳሊ ርእየታዊ መዓልቦ ከም ህይነተ ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ደገፍ እዩ ይብሉ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖ ቅድሚ ምሕራዮም ዋላ’ኳ ክሊቴና ይብሉ ደቂ ማሕበር ኢየሱሳውያን እንተነበርና ኣብ ገለ ገለ እዋን ማለት ንሶም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስን ደሓር ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ - ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሃገረ ቫቲካን ክመጹን ኣብቲ ሕጂ ብህይነተ ዘገልግልሉ ዘለዉ ቅዱስ ማሕበር ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ስለ ዝነበሩ ናብቲ ቅዱስ ማሕበር ምብጻሕ ከካይዱ እንከለዉ ይራኸቡ ከምዝነበሩን ስለዚ በዚ ዓይነት ኣጋጣሚ’ዚ እንተዘይኰነ ብዙሕ ናይ ቀረባ ሌላ ከምዝዘይነበሮም ሓቢሮም፡ ደሓር ግና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ብርግጽ ከምቲ ኵሉ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር ኣገልግሎቱ ንተኸታሊ ቕዱስ ጴጥሮስ ብምዃኑ ክንራኸቡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝሓቶ እዩ። ኢየሱሳውያ ስለ ዝዀኑ ኣብቲ ርክብ ብዙሕ ጽልዋ የብሉን። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ኢየሱሳዊ ምዃኖም ነቲ ርክብ ይሕግዝ ይኸውን፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይቲ ርክብ መሰረት ወይ ቅዉምነገር ግና ንሱ ኣይኰነን ኢሎም።

እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር ተልእዀ እምነት ምንቅቓሕን ምክልኻልን ምስፋሕን እዩ። ስለዚህ ቲዮሎጊያዊ ኣምር ዘመንጭው እውን እንተዀነ ኣገልግሎቱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላዊ እዩ። ኣብ ዛዕባ እምነት ጸገምን ዓበይቲ ሕቶታት ምስ ዝለዓሉ መልሲ ምሃብ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእዀ እዩ። ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር እንከለዉ፡ እቲ ቅዱስ ማሕበር ናይቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ኣምር ዘለዎም ቲዮሊጊያ ሊቃውነቲ እምነት ዘይኰነስ ናይ ተራ ኣመንቲ እምነት ምክልኻል እዩ ኣገልግሎቱ ይብሉ ከምዝነበሩ ዘኪሮም እዚ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኰይኑ ክዝርጋሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ይምዕዱ። ብዛዕባ እምነት ዝምልከቱ ቲዮሎጊያን ሕቶታት መልሲ ዝህብ እዩ፡ እቲ መልሱታቱ ስነ ምርምራዊ ኰይኑ ከይተርፍ ዘብቕዕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካብ ቅዱስ ኣቦና ይቐርብ። ናይ ሕዝቢ ድሕነት ኣሚትካ ኣብ እምነት ዙሪያ ዝግበር ምርምር ከምዘሎ ኰይኑ፡ ግና ነቲ ምርምር ምርምር ጥራሕ ኰይኑ ከይተርፍ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምትርጓም የድሊ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵሪያ ሮማና ሕዳሴ ኣነቓቒሖም እዮም፡ በቶም ናይቲ ሕዳሴ ዘሳልጡ ብትሽዓተ ካርዲናላት ዝቖመ ድርገት ኣብ ዝተፈላለዩ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሕዳሴ የስርጽ ኣሎ፡ እቲ ንናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝምልከት ሕዳሴ ክሳብ ሕጂ ኣይቀረበልናን። ምስ ዝቐርብ ተቐቢልና ብተኣዝዞ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንትግብሮ፡ ስለዚህ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዘእውን እዩ ኢሎም።

ዝኽሪ መበል 5 ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 13 መጋቢት 2018 ዓ.ም. እዩ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ቅዱስ ኣቦና ካህን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ክህነታዊ ጸዋዕታ ክንበር ባዕሎም ንሕዝቢ ብቓልን ግብርን ቀረባ ብምዃን ዕለት ብዕለት ኣተሓሳስቡ፡ ክህነት ጵጵስና ኩሉ ብቐረበ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝንበር ጸዋዕታን ተልእዀን እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ሃረማዊ (ፓይራሚዳዊ) እዩ፡ እዚ ከኣ ስልጣን ዘማእከለ ማለት ኣይኰነን ኣገልግሎት ዘማእከለ ሃረማውነት እዩ ዘመላኽት፡ ኣብ ታሕቲ ኩሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣሎ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ውሑዳት ከኣ ነቶም ኣብ ታሕዚ ዘለዉ ዘገልግሉ እምበር ዝውንኑ ኣይኰኑን፡ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ነዚ እዮም ዘነጽሩ። እዚ ኸኣ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ስሩጽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.