2018-03-06 18:45:00

ንሕና ንካልኦት እንተምሒርና እግዚአብሔር ወትሩ መሓሪ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓወይ እንተበደለንስ ክንደይ ግዜ ክምሕሮ ሸውዓተ ሳዕዶ ኢሉ ምስ ሓተቶ ኢየሱስ ከኣ ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ ኢሉ ኩሉ ግዜ ክምሕር ዝምሕጸኖ መሠረት ብምግባር `ኣብ ልብና ጎጆኡ ሰሪሑ ካብ ዘሰቅየና ቂመ በቀል ክንጥቀቅ ኣሎና፣ ከመይ ናቱ ግዙኣት ምስ ኮና ባሮት ቂመ በቀልን ጽልእን ገሩ ክሕዘና እዩ፣ ካብዚ ነጻ ንምዃን እታ ወሳኒት ቀዳመይቲ ስጉምቲ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ኣሚንካ ከምቲ ንስኻ ምሕረት ዘድልየካ ንካላኦት ከኣ ምሕረትን ይቅሬታን ምሃብ እያ` እንክብሉ ስፍሕ ዝበለ ትንተና ኣብ ቀዳማይ ንባብን ወንጌልን ገሮም፣

ብላቲናዊ ግጽው ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ዳንኤል 3 ዝተስደ ኮይኑ እቶም ብሰለስቱ ደቂቅ ዝፍለጡ ናብ እቶን ሓዊ ምስ ተደርበዩ ኣዛርያ ብልቡ “ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦታትና ምስጋና ዝግበኣካ ኢኻ እሞ ነመስግነካ ኣሎና! ስምካ ንዘለዓለም ክቡር እዩ፣ በቲ ኣባና ዝገበርካዮ ንስኻ ቅኑዕ ኢኻ፣ ተግባርካ ኩሉ ሓዊ መንግድታትካ ከኣ ቅኑዕ እዩ፣ ኩሉ ፍርድኻውን ፍትሓዊ እዩ፣ እቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕልታ ቅድስቲ ዝኾነት ከተማ ኣቦታትና ኢየሩሳሌምን ዘውረድካዮ ፍርድውን ቅኑዕ እዩ፣ ሓጢኣት ስለዝግበርና፨ ሕጊ ብፍራስና , ንትእዛዛትካ ብዘይ ምሕላውና .   ምእንቲ ስምካ ክትብል ፈጺምካ ኣይትኅደገና፣ ንኪዳንካውን ኣይተፍርሶ። ምእንቲ ፈታዊኻን ምእንቲ ይስሓቅ ባርያኻን ምእንቲ ናትካ ቅዱስ ዝኾነ ያዕቆብን ክትብል ምሕረትካ ካባና ኣይተርሕቕ። . . . ግናኸ ብዝተጣዕሰ ልብን ብትሑት መንፈስን ናባኻ መጺእና ኣሎና እሞ . . . ኽትቅበለና ንልምነካ ኣሎና። . . . ንሕናውን ብምሉእ ልብና ከም እንኽተለካ ግበረና። ከመይ ነቶም ብኣኻ ዚውከሉ ኅፍረት ኣይክረኽቦምን እዩ። ሕጂ ኸኣ ብምሉእ ልብና ክንስዕበካ ኢና፣ ነኽብረካ ኣሎና፡ ገጽካ ኣብርሃልና፣ ንልምነካ ኣሎና። . . . ብመጠን እቲ ዜደንቕ ተግባራትካ ኣድኅነና፣ ኦ እግዚኣብሔር! ንስምካ ኽብሪ ሃቦ።” እናበለ ይጽሊ ከምዝነበረ ዝገልጽ እዩ፣ ቅዱነቶም ኣብዚ ቃል ተመስሪቶም ናይ ንስሓን ሕድገትን ጉዕዞ ከምቲ ንሓስቦ ነንጸርጽሮን ዘይኮነስ እዚ ኣዛርያ ብጸሎቱ ዝምህረና ዓቢ ነገር ምዃኑ ክነስተውዕለሉ ብምዝኽኻር `ኣብ እቶን ሓዊ ተደርብዩ እንከሎ ምስ እግዚብሔር ኣየንጸርጸረ ኣየጉረምረመ ተኣማንነቱን ንጽሕናኡን ክገልጽ ኣይጸዓረ! ኣይተማጐተ ኣይተኸራኸረ እንታይ ደኣ ዕብየት እግዚኣብሔር ክገልጽን ንስሙ ክውድስን እግዚብሔር ወትሩ ከምዘድሓኖምን ኮይኑ ግን ንሶም ብምሕጣኦም ንኩሉ ከምዘጥፉኡ እሞ ይቅረ ክብለሎም ይህምለል፣ ንገዛእ ርእሱን ንህዝቡን ይውንጅል፣ ንገዛእ ርእስኻ ምኽሳስከስ ፈላሚ ስጉምቲ ናይ ይቅረታን ምሕረትን እዩ፣ ‘ ቢሎም፣

‘ንገዛእ ርእስኻ ምኽሳስ ልቦናን ጥበብን ክርስትያን እዩ፣ ከምቲ ዓለም ዝገብሮ ንካልኦት ክትከስስን ክተጥቅዕን ንገዛእ ርእስኻ ክትከላኸልን ክትጣበቅን ዝግበር ጥበብ እዚ ዓለምዚ ዕሽነት እዩ፣ ኣብ ክርስትና ከምኡ ኣይኮነን ንካልኦት ኣይኮንካን ትኸስስ፣ ንገዛእ ርእስኻ ኢኻ ትኸስስ፣ ሓጢኤ በዲለ ትብል! ናብ መንበረ ኑዛዜ ክንከይድ እንከላ ኣብ ልብናን ሕልናን እዚ እዩ ክህሉ ዘለዎ፣ ስለዝኾነ ከኣ በእከይየ በእከይየ በዓቢይ እከይየ ብኽፍኣተይ ብኽፍኣተይ እንዳበልና ንገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ንኸስስ፣ ከምዚ ናይ ኣዛርያ እንክንትርጉሞ ከኣ እግዚብሔር ዓቢይ ነገር ገሩለይ ዓቢይ እውን እዩ ኣነ ግን ብሸልትነተይ ድዩስ ብካልእ ነቲ ኩሉ ትዕድልቲ ኣምላኽ ገዲፈ ክኹብልል ክሽፍት ተረኺበ ተጋግየ ሕማቅ መዓልቲ ውዒለ ሓጢኣት ገረ ንእግዚአብሔር ኣሕዚነ ሕጂ ከኣ ምሕረት እልምን ኣሎኹ ንብል።’ ድሕሪ ቢሎ ኩሉ ጽድቂ ካብ እግዚብሔር ስለዝዀን ብጸጋኡ ኢና እንጸድቅ ይብሉ እሞ፣ ሓንሳእ ሓንሳእ ንዘጋጥመና ድኽመት ማለት ጥበብ እዚ ዓለምዚ ዝበልናዮ ንርእስኻ ምክልኻልን ንካልኦት ብዛዕባ ምኽሳስን ኣብነት ናይ ሓንቲ ክትናዘዝ ዝኸደት ሰበይቲ እሞ ነቲ ካህና ዳርጋ ዘረብረብቶ እቲ ርብርብ ግን ብዛዕባ ሓጢኣታ ምንዛዝ

ጽድቃን ንጽሕናኣን ክትገልጽ ከኣ  ብሓጢኣት ሓማታ ጀሚራ ናይ ኩሎም ክሳብ ትዝርዝር ዓቅሉ ዝጸበቦ ካህን ‘ሕራይ ኣምበይተይ ክሳብ ሕጂ ናይ ካልኦት ሓጢኣት ኢኽን ተናዚዝክን ሓጢኣትክን ምንዛዝዶ ክትጅምራ በጃኽን’ ክሳብ ምባል ዘብሔር ኣንበት ጠቂሶም ዘጽድቀናስ እግዚብሔር ባዕሉ እዩ እምበር ንሕና ባዕልና ኣይኮናን ኢሎም፣

 

 

‘ንእግዚብሔር ዘሐጉሶ ንስሓኸስ በዲለ እየ ኢልካ ብጥዑስ ልብን ምቅራብ እዩ፣ እግዚብሔር ንጥዑስ ልቢ ይቅበል እዩ፣ ከምቲ ኣዛርያ ኣብ ጸሎቱ  ከመይ ነቶም ብኣኻ ዚውከሉ ኅፍረት ኣይክረኽቦምን እዩ ዝበሎ እቲ ጐይታ ንሓቂ ከምዘላ ‘ኦ ጐይታ እዝን እዝን ሓጢኣት ፈጺመ በዲለ ተጋግየ ሓጢኤ’ እናበል ዝነግር ጥዑስ ልቢ

ምሕረት ይቅበል፣ ከምቲ ኣብ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ እንረኽቦ ከኣ ሽሕኳ እቲ ጥፉእ ወዲ በይኑ ኣልዒሉን ኣውሪዱን ተጣዒሱን በኺዩን ናብ ኣቦኡ ቀሪቡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን በዲለ ወድኻ ክበሃል ኣይግበኣናን እናበለ ብብኽያትን ጣዕሳን ክዛረብ ምስ ጀመረ ዘይዛረቦ ኣፉ ከምዝሕዝ ዝገበሮ ጐይታ ከኣ ምሳና ኣብ ንስሓ ከምኡ እዩ ዝገብር ክንዛረብ ኣይሃድገናን ፍቅሩ ንኩሉ ስለዝሽፍን ድሮ ንኩሉ ይምሕሮ፣ ድሕሪ ቢሎም እዚ ምሕረት እዚ ከኣ ኣብ ተቀባሊ ጥራይ ጠጠው ዝብል ከምዘይኮነን ተጠንቂቅና እንተዘይተቀቢልናዮን ናብ ካልኦት እንተዘይኣማሓላሊፍናዮን ጸገም ከምዘሎ ንምግላጽ ውዑላዊ ወይ ኪዳናዊ ምሕረት ምዃኑ ንምግላጽ ነታ ንስኹም ንዝበደሉኹም ይቅረ እንተኢልኩም ኣቦኹም ሰማያዌ ይቅረ ክብለልኩም እዩ እንተዘይበልኩም ግን ኣይክብለልኩምን እዩ ንዝበሎ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፣

`ምሕረት እግዚኣብሔር ናባና ዝመጾ መጠን እቲ ዝመሓርናዮ እዩ፣ እዚ ቀሊል ኣይኮነን ከመይ ሓንሳእ ሓንሳእ ቂመ በቀል ኣብ ልብና ገዝኡ ሰሪሑ ወትሩ ኣብ ምረትን ኣብ ባርነት ጽልእን ባእስን ከምእንነብር ይገብረና፣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ልብና ዝርዝር ኣስማት ሕማቅ ናይ ዝገበሩና ሰባት ብዘይድምሰስ መልክዕ ጽሒፍናዮ ንነብር፣ እዚኣ ከምዚ ዝገበረትኒ እዚ ከምዚ ዝገበረኒ ወዘተ እናበልና ክንቈጽር ንነበር፣ በዚ ከኣ እቲ ጸላኤ ሰናያት ወትሩ ባሮት ቂመ በቀል ንክንከውን ኣብ ጽልኢ ዳጒኑና ይነብር፣ ስለዚ ነዚ መድሓኒት ዝኸውን ሎሚ ቃል ኣምላኽ ክልተ ነገራት የውፍየልና፣ እዚ ክልተ ቃላት እዚኤን ከኣ መንገዲ ምሕረትን ይቅርታን ንምርዳእ ክሕጋዛና እየን፣ እቴ ቃላት ከኣ ኦ ጐይታ ንስኻ ዓቢይ ኢኻ ትብልን ተጻይካ በዲለ እየ እትብልን ኮይነን ንሱ ከኣ ንሳ ንካልኦት ክሳብ ዝመሓርካን ይቅረ ዝበልካን ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ ግዜ ማለት ንኩሉ ግዜ ይቅረ ክብለልካ እየ ይብለና ኣሎ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.