2018-03-03 17:07:00

ብፁዕ ካርዲናል ፋረልን ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ፥ “መዝገበ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”


A Pope Fracis Lexicon - ናይ ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ መዝገበ ቃላት ዘረእስቱ ኣብ ሮማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፅዓን ጳጳሳት ካቶሊክ ኔውስ ሰርቪስ ናይ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ልኡካን ጋዜጠይናታት ሲንድይ ዎደንን ጆሽዋ መክኤልዊ ተመሪሑ ዝተደርሰ መጽሓፍ ዕለት 2 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ናይቲ  ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመዘ ናይቲ ንሶም ዝሃቀንዎ መደብ ሕዳሴ ኩሪያ ሮማና ማለት መዋቕራት ላዕለዋይ ኣባይቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ፈጻሚ ድርገት ትስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት ኣወሃሃዲ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረልን ዘስምዕዎ ቃል ብዘእንገደ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዘጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

መዝገበ ቃላት ... ፍራንቸስኮ ዘርእስቱ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶምን ሓዋርያዊ ርክባቶም ስብከታቶምን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባን ድርሰታትምን ዝጥቀሙሎም ቃላት ልዕሊ 50 ምሁራት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብምውህሃድ መጽሓፍ ኰይኑ ንሕትመት ዘብቅዑ ኣብ ሮማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፅዓን ጳጳሳት ካቶሊክ ኔውስ ሰርቪስ ናይ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ልኡካን ጋዜጠይናታት ሲንድይ ዎደንን ጆሽዋ መክኤልዊ ክዀኑ እንከለዉ እዞም ክልተ ልኡካን ጋዜጠይናታት ብቐዳምነት ነታ መጽሓፍ መዝገበ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ንንባብ ንምብቃ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ናይቲ መዝገበ ቃላት ትሕዝቶ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እውነተይና መደብ ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰርተ ቅድሚ መዋቕራዊ ሕዳሴ መንፈሳዊ ሕዳሴ ዝብል እዩ። ስለዚህ እዚ መደብ ሕዳሴ ደጋዊ ኣስተምዕሮን ስነ ጽባቔን ንመዋቅር ኵሪያ ሮማና ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ነቲ ብዕድመ ዝደፍኤ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ መሕደራ ተሓባበርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወይ ኩሪያ ሮማና ንምምንኣስ ማለት መንእሰይ ምግባርን ውዕዉዕ ሕይወት ንምሃብን እዩ፡ ስለዚህ ቅድሚ ቅርጻዊ ወይ ሙያዊ ብቕዓት ሕዳሴ ኣብ ምልዋጥ ዝጸንዔ መንፈሳውን ግላውን ሕዳሴን ምልዋጥን ዘተሓሳስብን ናብዚ ጐዳና’ዚ ዝመርሕን እዩ። ሰባት ወይ ናይ ኩሪያ ሮማና ሰራሕተይናታት ምቕያር ማለት ዘይኰነስ እቶም ሰራሕተይናታት ክልወጡ ዝድግፍ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ እውነተይና ስልጣን ናይ ኣገልግሎት ስልጣን እዩ። እዚ ከኣ ገና ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ከይኖም ቅድሚ ምሕራይም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ እውን ደጋጊሞም ዘቃልሕዎ ዝነበረ ሓሳብ እዩ። እቲ ሕዳሴ ውጽኢታዊ ዝኸውን ምስቶም ብመንፈስ ምስ ዝተሓደሱ ሰባት ክፍጸም እንከሎ እዩ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ፋረል እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣተሓሳስባ ዝንባለን ምልዋጥን ናይ ተሓድሶ ሓንጐል ከምዘድሊ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ብሕይወቶም ናይዚ ለውጢ ኣብነት ምዃኖም ሓቢሮም፥ እቲ መጽሓፍ መዝገበ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓቒ ዝነኣድ ኢዩ ቢሎም፡ ነቶም ዘሰናድእዎን ናይቲ መጽሓፍ ተዋሰእቲ ምሁራንን ኣመስጊኖም፡ መደብ ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ከይዲ እዩ። ከይዲ ብምዃኑ ድማ ናይ ኣተሓሳባን ዝንባለን ንምቕያር ግዜ ይሐትት፡ ብሓደ መዓልቲ ዝብጻሕ ዘይኰነስ በቢ ዕለቱ ኣብ ለውጥን ሕዳሴ ምዕባይ አገዳስ ምዃኑ ዘመላኽት እውን እዩ። ናይቲ መጻሓፍ ተዋሰእቲ ደራስያን ሊቃውንቲ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዝተዋጽኡ ዘይምዃኖም እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ምልክት እዩ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥበብ ዘስተውዕሉ ብዙሓት እያቶም፡ ኵላውነት ለበስ እዩ። ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሮም ዘለዉ ቃላት፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ግብረአዊ  ኣገልግሎት ዘሎ መሰረተ ፍልስፍናዩ ዘብርህ እዩ ከምዝዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰበኻ ተክሳስ ናይቲ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ረድኤት ኣብ ቦርውንስቪለ ዋና ኣመሓዳሪት እናቴ ኖርማ ፒመንተል ኣብቲ መዝገበ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብል መጽሓፍ ናይቲ ስደተይና ዝብል ቃል ብናይ ቕዱስ ኣቦና ኣጠቓቕማን ኣገላልጻን ንዝተናዕቀን ንስደተይናታትን ጠበቓ ብምዃን ዝፍጽም ኣገልግሎት ከመይን እንታይን ጥልቂ ትርጉም ዘቕረባ ኣብቲ ነቲ መዝገበ ቃላት ንንባብ ንምብቃዕ ኣብዝ ተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሳተፋን ከምኡ እውን ናይቲ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ዝቖመ ብዛዕባ ድንቁና ንደቀንስትዮ ዝመክር ፍልዩ ድርገት ኣባል ንኽዀና ብቕዱስነቶም ዝተሓርያ ዶክተር ፊልይስ ዛጋኖ  ኣገልግሎት ዝብል ቃል ፈልየን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ከመይ ይግለጽን ዘብርሃ ብወገነን ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ፥ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ እትወት ክህልወና ዝሓትት ማለት ኣብቲ ናይ ስቓይን መከራን ድኽነትን ዝርከብ ሕይወትን ኣብ ደጋውነትን ኩነትን ሕይወት ሓው እቱዋት ክንከውን ዝሓትተና እግዚኣብሔር ምዃኑ ይገልጹ። ጸላይ ሕይወት ምንባርን ናብ ሓውን ናብ ካልእ ክፉታት ምዃን ማለት እዩ እንክብላ እናቴ ተረዛ ፎርካደስ ኢ ቪላ እውን ብወገነን ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ እዋን ዝገልጽዎ ሕጋዊ-ባህርይ ዝብል ቃል ዝተንተና ፈሪሳውነት ዘይኰነ ፍቕሪ ዝተሓትሞ ምዃን ዝሕብር ምዃኑ ከምዝገለጻ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.