2018-03-03 16:55:00

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፊሊፓ ሂትቸን ሓቢረን። እቲ ፕሮተስታንትን ሉተራናውያንን ኣንግሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብጠቕላላ  348 ኣቢያተ ክርስቲያን ብኣባልነት ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምኽንያት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ዕላማ ምእንቲ ንምሉእ ሓድነት ብሓባር ምጉዓዝን ምጽላይን ምዕያይን ዝብል ምዃኑ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ እዚ ቤት ምኽሪ፡ ናይ ሓባር ኣገባብ ክርስቲያናዊ ምስክርነትን ኣገልግሎት ምርግጋጽ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዓለም ክኽወን ተጊሄን፡ ኣብዚ መዳይ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ብፍላይ ምስክርነት ናይ ሓባር ምስ ዝኸውን ኣእመኒ ከምዝኸውን ብምእማን ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ንምስፋሕ ብሓባር ይዓያ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይቲ ቤት ምኽሪ ማእከላይ ኮሚቴ ተራኺቦምን ቃል እውን ክጽገዉ እዮም። ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ብላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕተን ኣቢለን ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ንጥፉ ተዋሳእነት ክህልወንን ኣብዚ ጉዕዞ ንሓድነት ምእመናን እውን ዘነቓቕሕ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ምሉእ ኣባል እውን እንተዘይኰነት ብቕረባን ብቕርበትን ብምትሕብባር ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ቤት ምኽሪ ትዓይን እቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይቲ ቤት ምኽርን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብን ናይ ሓድነት ራእይን ዘበራትዕ እዩ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ኣቢያተ ክርስቲያን እቲ ርክብ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ ብቐዳምነት ኣብ ጸሎት ዝቖመ እዩ። ናይቲ ሓድነት ጉዕዞ ጸሎት እዩ።

እቲ ዝከኣል ኩሉ ብሓባር፡ ብሓባር እቲ ኵሉ ዝከኣል። ሓድነት ዝከኣል እዩ፡ ተኻኣልነቱ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተኣመነ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓብ ማለት እንታይ ማለት እዩ? እዚ ምስዓብ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሓባር ምምስካር እንታይ ማለት እዩ? ዓለም ናይ ክርስቲያን ውሁድ ምስክርነት ዘድልዮ ምዃኑ ዝሕብር ሕቶ እዩ። ዓለም ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን የድልዮ ጥራሕ ምባል እኹል ኣይኰነን። ዓለም ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ክህልዎ ዝከኣል ምዃኑ ምእመን የድሊ። ስለዚህ ከም ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሓቂ’ዚ ምምስካር የድሊ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ቤት ምክሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኦላቭ ፍይክሰ ትቫይት ብዛዕባ እቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ዝተሓንጸጸ ናይ ሓባር መደብ ኣበዓዕላ ኣማእኪሎም ብሓባር ዕለት 2 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦምን ካብቶም ልኡካን ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እውን ከምዝመለሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዮሃና ጋይመ ሓቢረን።

ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ቤት ምኽሪ ኣብ 1948 ዓ.ም. ዝተመስረተን ብጠቕላላ ኣብ ዓለም 500 ሚሊዮን ማሕበረ ክርስቲያን ዝውክል እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ተዓዛቢት እትዋሳእሉ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ናይቲ እምነትን ቅዋምን ዝብል ናይ ሓባር ድርገት ምሉእ ኣባል እያ። ናይዚ ናይ ሓባር ድርገት ዕላማ ብሓባር ናብ ጭቡጥ ሓድነት እናማዕደኻ ምጉዕዝ ማለት እዩ፡ ናይዚ ቤት ምኽሪ መስረትቲ ካብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጹ እውን እንተዀኑ ሎሚሃገራት  ኣፍሪቃን እስያን ካሪቢያንን ኣመሪካ ላቲንን ማእከላይ ምብራቕን ኣቻይናን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.