2018-02-27 15:47:00

ካህናት ኣብ መንበረ ኑዛኤ ምሕረት እግዚአብሔር ደኣ ክህቡ ኣለዎም እምበር ከፈራርሁ የብሎምን! ር.ሊ.ጳ


ካህናት ኣብ መንበረ ኑዛኤ ምሕረት እግዚአብሔር ደኣ ክህቡ ኣለዎም እምበር ከፈራርሁን ሰብ ክድህሉን የብሎምን! ር.ሊ.ጳ

ብዙሕ ግዜ ከምዘዘውትርዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆውን ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ንንስሓን ንለውጢ ሕይወትን ካብ ምጽዋዕ ኣይዓርፍን፣ ነዚ ዝገብሮ ከኣ ንሕና እንተደኣ ፍቃደኛታት ኰና እንተወሓደ ሓደ ስጉምቲ ንብኡ ገጽና ክንገብር ይዕድመና። ነዚ ከኣ መቅረት ብዘለዎ ኣባታዊ ፍቅርን ናይ ኣቦ ምትእምማን ብዝመልኦ ኣገባብን እዩ ዝገብሮ፣ ካህናት ኣብ መንበረ ኑዛዜውን ከምኡ ኢና ክንገብር ዘሎና እምበር ክንድህልን ክነፈራርህን የልብናን’ እንክብሉ ሰቢኾም፣

ዘሎና ዘመነጾመ ኣርብዓ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፣ እዚ ዘመን እዚ ንክንልወጥን ንክንሕደስን እሞ ናብ እግዚብሔር ክንቀርብ በዚ ከኣ ሕይወትና ክንቅይር ዝወሃበና ግዜ ስለዝኾነ እግዚብሔር ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ክንልምኖ ኣሎና ኢሎም፣

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዝተነበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 1.10 ‘ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ? ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ . . . ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።’ ዝብል ይርከቦ፣

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ኣምላኽ ዘቅርበልና ጻውዒት ንለውጢ ጻውዒት ንንስሓ ጻውዒት ንሓዲስ ሕይወት እንደገና በቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ እሞ ወትሩ ብሕያውነቱን ምሕረቱን ምሳና ዝጐዓዝ ኢየሱስ ገሩ ጣዕሚ ብዝመልኦ መንገድን ኣባታዊ ምትእምማንን ብዝመልኦ ኣገባብ ሎሚ እውን ይጽውዓና ኣሎ፣ ኣየፈራርህን ኣይድህልን! ከምቲ ሃይ ንዑ ንዛተ ዝበሎ ኣብ ትንቢት ሎሚውን ነቲ ሕማቅ ክንሓድግ ነቲ ጽቡቅ ክንገብር ንዑስከ ንዛተ ይብለና ኣሎ፣

‘ጐይታ ንዑስከ ሃየ! ንዑሞ ንዛተ ንዑ ነዕልል ይብለና ኣሎና፣ ኣየፍርህናን ኣይድህለናን እውን! ከም ሓደ ኣቦ ንበጽሒ ዉሉዱ ናይ ቊልዕነት ስራህ ክገብር ምስ ረኣዮ ቀስ ኢሉ መታን ከረድኦ ነዓሞ ዝወደይ ዝብሎ ዓይነት እዩ፣ በትሪ ሒዙ እናኣወጣወጠ እንተኸይድዎ እቲ ነገራት ፋሕ ከምዝብል ጽቡቅ ከምዘይከይድ ስለዝፈልጥ ዉሉዳዊ ምትእምማን ከስፍን ኣለዎ፣ ኣብ ዝሰማዕናዮ ትንቢት ኢሳያስ እውን ጐይታ ከምዚ ብዝበለ ኣገባብ እዩ ዝጽውዓና ዘሎ፣ ሃየ ንዑስከ ንዛተ! ንዑስከ ገለ ውሰዱ! ሻሂ ወይ ቡን ውሰድ! ንዘራረብ ኣይትፍራህ ኣይኵወቅዓካን እየ፣ ከመይ እቲ ውሉድ በደሉ ተርዲእዎ ኣነ ደኣ ከምዚ ዝገበርኩ ኢሉ ጅምር ከብል ከኣ እቲ ሓጢኣትካ ከም ጁዅ እኳ እንተቀሔ ከም በረድ ከጻዕድዎ እየ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተቄሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክኸውን እዩ` ይብሎ፣ ካብዚ ዚጥዕም እንታይ ኣሎ፣

ከምቲ ኣቦና ዓቅመሰብ ንዝበጽሔ ውሉዱ ብፍቅርን ምትእምማንን ዝቀርቦ ኢየሱስ እውን ኣብ ተልእኾኡ ንምሕረትን ለውጢ ልብን ይቀርብ፣ ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና ማቴዎስ ንዓ ስዓበኒ ዘኬዎስ ንዓ ውረድ ምሳኻ ክውዕል እየ እናበለ ነቶም ኣዝዮም ሓጢኣተኛታት ዝቊጸሩ ዝነበሩ ኣከብቲ ቀረጽን ካልኦትን ይጽውዕ፣ ሎሚውን እንተኾነ ምስ ነፍሲወከፍና ከምኡ ይገብር፣ ኣብ ሕይወትና ንለውጢ ገጽና ከመይ ገቢርና ቀዳመይቲ ስጉምቲ ከምእንወስድ ይሕብረና፣ ከመይ ንሱ መንገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ፣

‘ንእግዚአብሔር ስለ ሕያውነቱ ነመስግኖ፣ ንሱ ብበትሪ ክቀጽዓናን ክኹንነናን ኣይደልን፣ እኳ ደኣ ስለና ሕይወቱ ወፍዩ፣ እዚ ከኣ ሕያውነቱ እዩ ዝገልጽ፣ ንሱ ወትሩ ኣብ ልብና ከመይ ቢሉ ከምዝበጽሕ መንገዲ ምስ ኣናደየ እዩ፣ ንሕና ካህናት ኣብ ቦታ ጐይታ ኰና ኣብ መንበረ ኑዛዜ ኣብ ንርከበሉ ነዚ ጻውዒት ንለውጢ ትጽቢት ንለውጢ ጐይታ ብሕያውነት ንዝገብሮ ክንዝክርን ንሕናውን ብሕያውነት ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ንዑስከ ንዛተ ጸገም የለን ምሕረት መሊኡ ኣሎ ክንብል እምበር ካብ መጀመርታ ንምፍርራህን ፍርድን ንየው ንበሎ፣ ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ሓደ ዓቢ መንዘዚ ካርዲናል ነሮም እቲ ዝናዘዝ ክንዲ ገለ ዝኸውን ሓጢኣት እንክናዘዝ ብዙሕ ዋጋ ከይሃብዎ ኣብቲ ዘተ ብምቅጻሎም ዝተደነቀ ሰብ እዩ ዘዕለለኒ! እዚ እዩ ዘድሊ! ንልቢ ዝኸፍት ከኣ እዚ እዩ፣ እቲ ዚናዘዝ እውን ሰላም ይስምዖ፣ ጐይታ ከኣ ንዑስከ ንዛተ ንዘራረብ እንክብል ኣጆኻ እንካ እዛ ቅብሊት ናይ ምሕረት ተቀበል ምሕረትን ይቅርታን መሊኡ ኣሎ እዩ ዝብል፣

‘ንዓይ ከም ግለይ ጐይታ ከምዚ ምግባሩ እንክርኢ ዓቢ ሓገዝ እዩ ዝኾነኒ፣ እቲ ዓቅሚሰብ ዝበጽሔ ውሉድ ምስ ወላዲኡ ብከምዚ ክዛተ እንከሎ ሽሕኳ ኣብ መንጎ ጉዕዞ እንተሎ ዓቢ ኮይኑ ይስምዖ፣ ጐይታ ከኣ ንሕና ኩልና ኣብ ፍርቂ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ጉዕዞ ከምዘሎናን ብዙሕ ግዜ ከኣ እዚ ዘተ እዚ ከምዘድልየና ነዛ ንዓሞ ኣይርፍራሕ ኣይትደሃል ምሕረት መሊኡ ኣሎ ንዓ እትብል ቃል ምስማዕ ከዘድልየና ይፈልጥ እዩ፣ ናብቲ ዝጽበየና ኣቦና ናብ ጐይታና ብክፉት ልቢ እንክንከይድ ዓቢ ነገር እዩ፣እዚ ከኣ የተባብዓና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.