2018-02-24 16:57:00

ሮማ፥ ዓውደ ዘተ ዛዕባ ስደተይናታት፡ ጭንቀትን እንገዳን


ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ሓልዮ መግብን ሕርሻን ውድብን ዶብ ኣልባ ማሕበር ሓኻይምን ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ዝርከብዎም ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓልዮ ስደተይናታን ተመዛበልትን ዝዓዩን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡን ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ተንተንትን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዝዋስኣ ማሕበራትን ናይ መግስቲ ኣካላት ዘሳተፈ፥ ወጻእይተይና/መጻእተይና፡ ኣብ ክስተት ስደት ውልቃውን ማሕበራዊ ጭንቀትን ኣብ ኤውሮጳ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዓውደ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ኤውሮጳ ኰነ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ማሕበራዊ ክስተት ዝዀነ ስደት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ ዓቢይ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ከምዘሎን፡ እንገዳን ዘተን ጸጥታን ድሕነት ገበን ዝብሉ ቃላት ዘሰየነን ኣብ ኤውሮጳ ምስ ፍልሰት ስደተይናታት ብምትሕሓዝ ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ሰብእ መጽናዕትታትን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኻትን ብዙሕ ክትዕ ይካየድ ከምዘሎ ዝረአይ ኰይኑ፡ እዚ ዓይነት ዘተ’ዚ ካብ ውህደት ናብ ምግምማዕ ዝምርሽ ኰይኑ ስለ ዘሎ ኣብ ምእላይ ስደተይና ጽጉምን ስኡንን ክህሉ ዘይግብኦ ምግምማዕ ምዃኑ ንምግላጽን እቲ ጸኣት ስደተይናታት ብሰላማዊ መገዲ ምምልካትን ብፖለቲካውን ማሕበራውን ስነ ኣእምሮኣውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ብምትንታን፡ መቀሊኡን ፈሊኻ ሰብ ዘማእከለ መልሲ ክወሃብ ዝድግፍ ዓውደ ዘተ ምዃኑ ላ ቨላ ገሊጾም።

ኣብተን ስደተይና ዝኣትወለን ሃገራት ዝፍጠር ባህርያዊ ማሕበራዊ ፍርሒ እወታዊ መልሲ ክረክብ ኣክዲ ምፍታን እቲ ፍርሒ ንመርሓ ግብሪ መሰረት ዝጥቀሙ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ፖለቲካዊ ውድባትን እናተራብሑ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልእነት ከስዕቦ ዝኽእል ባህርያዊ ፍርሒ ንላዕሊ ጐዳኢ ምዃኑ ናይ ስነ ኣእምሮ ስነ ትንተና ሊቅ ኣቶኒዮ ዲ ቻቻ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት እንክሕብሩ፡ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ማሕበር ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ሮማ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጉወሪኖ ዲ ቶራ እውን ብወገኖም፡ መንቀሊ ስደትን ምዝብልናን ኣብ ምፍታሕ ምትጋህ እምበር ስደተይና ንጸጥታን ድሕነትን ከም ስግኣት ምርኣይን ስደተይና ከይኣትው ዶባትካ ምዕጻው ብቑዕ መልሲ ኣይኰነን፡ ነቲ ናይ ስደተይና ሽግር መሊሱ እዩ ሰብእስ፡ እዚ ኣብ እዋንና ዝረአይ ዘሎ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዓነቱ ኰነ ብብዝሒ ፍሉዩ ዝዀነ ማሕበራዊ ክስተት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብቑዕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘማእከለ መልሲ ክህበሉ ይግባእ፡ ስደተይና ምእንጋድን ምስ ዘእንገዶ ሃገር ተላልዩ ገዛእ ርእሱ እውን ኣላልዩ ክነብሮ ዘኽእሎ ዕድል ምፍጣር እዩ መፍትሒኡ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.