2018-02-16 17:08:00

ግረግ ቡርከ፥ ቅዱስ ኣቦና ብስሩዕ መደብ ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ይራኸቡ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ኣብ ውርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ሊማ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ ዝበልዎን ዝተዝራረብሉን ነጥብታት ዕለት 12 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ ዝተገልጸ ዜና ብፍላይ ነቲ ዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀነ ዜጋታት ብውሑድ ኣብ ውርሒ ክልተ ሳዕ ከምዝራኸቡ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ቅዱስነቶም ይብሉ ቡርከ፥ ኣብ ወርሒ ክልተ ጊዜ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዜጋታት ብግልን ብሓባርን ይራኸቡን ንዘቕርብሎም ሕቶታት ይምልሱን ይምዕዱን፡ ብሓጺሩ ኣብ መጻኢ ሕይወቶም ንምድጋፍን መንፍሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ንምቕራብ ዘካይድዎ ርክብ እዩ፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ርክብ ዝበሃሃልዎን ዝብልዎምን ዝቐርበሎም ሕቶን ኵታ እቲ ርክብ ስቱር ኰይኑ ናይቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዜጋታት ግላውን ተመክሮን ስቓዮምን ጥቁብነት ዝህብ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዝበሃሃልዎ ኣብኡ እዩ ዝተርፍ፡ ዕጹው ርክብ ድማ እዩ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ መብዛሕቲኡ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዝፍጸም እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዓመጽ ብማንም ይፈጸም ብዘየገድስ ጸረ ሰብኣዊ ተግባርን እዩ፡ ብፍላይ ብኣባል ውሉደ ክህነት ክፍጸም እንከሎ ከቢድ ይኸውም ካህን ዘለዎ ሞራላዊ ሓላፍነቱ ዓቢይ ስለ ዝዀነ፡ ስለዚህ እግዚኣብሔር ንኽቅድሶም ቢሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓዋርያዊ ኖልዎ ሓደ ካህን ዘንብሮም ነኸምዚ ዓይነት ዓመጽ በቲ ክቕድሶም ዝግብኦ ሰብ ኣደዳ ክዀኑ ብሓቂ ዓቢይ ገበን እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ድማ ዓቢይ ኪሳራን ውርደትን እዩ፡ ተነቃፍነት ጥራሕ ዘይኰነ ምስሉይ ሕይወት ዝንበር ምዃኑ እዩ ዝሕብር ከምዝበሉ ግረግ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምዝ ዝኾኑ ዜጋታት ዘካይድዎ ርክብ ዕጽውን ኣብ ግሊ ዝተርፍ እዩ እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.