2018-02-12 09:17:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ኢስቶኒያ መራሔ መንግስቲ


ጸጋታት ተፈጥሮ ምክንኻንን ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ ዓለም ዝረአይ ዓመጽን ግርጭት መፍትሒ ክረክብ ብሓባር ንህርኩት ጻዕሪ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኢስቶኒያ መራሔ መንግስቲ ዩሪ ራታስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን መራሔ መንግስቲ ራታስ ድሕሪ ፍጻሜ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ወግዓዊ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ኤስቶኒያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ግሩም ምዃኑን ከምኡ እውን ኵለ መደያዊ ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንሕብረተሰብ ኤስቶኒያ ኣፍልጦ ዝሃበን እወታዊ እውን ምዃኑ ከምእተረጋገጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ደሓር እውን ምስ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተኻየደ ርክብ ምስ መራሔ መንግስቲ ራታስ፥ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መዳይን እዚ ኽኣ ክንክንን ሓለዋን ጸጋታት ምህዳርን ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ ዝምልከቱ ዝክረ ነገር ምይይጥ ከምእተኻየደን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ግራጭትን ውጥረትን መፍትሕ ንኽረክብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘካይዶም ጻዕርታት ተመስሎኡ ብምትንታን ነቶም ጻዕርታትብሉጽ ንምግባር ዝድግፍ ባይታ ንምፍጣር ብርቱዕን ዘይሕለል ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰበ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.