2018-02-09 09:46:00

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፡ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን መለሳ ኣልቦኣውን ቅድመ ፍርድን ንኽስገር


ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም እምነትን መንፈሳውነትን ኣብ ርክብ ክርስቲያንን እስላምን  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ኣባይቲ ድርገት ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 7 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ከተማ ስኩታሪ ከምእተጀመረ ክምልከት እንከሎ፥ ሃይማኖት ምስልምና ከመይ ክንበር ከምዝግብኦ ዘተሓሳስብ እዚ ድማ ቀያዲ ናይ ሕግታት እኩብነት ብዝብል ጉጉይ ኣገላልጻ ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ብቐረባ ብምፍላጥ እዩ፡ ሃይማኖት ምስልምና በዚ መንጽር እዚ ንኽንበብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ካብ ዕላማታቱ ሓደ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብጥልቂ ምልላይ ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን፥

እስላምን ዓመጽን ዘመዓራርይ ዘይቅኑዕ ኣመለኻኽታ ምግሳጽን ምውጋድን ግድን እዩ ዝብል

ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማሶቲ ኣስዒበን፥ ክርስቲያንን እስላምን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ብምንቕቓሕን፡ ሓደ ሃይማኖት ብዛዕባ ካልእ ሃይማኖት ክጽሕፍን ክዛረብን ውድዓውነት ክህልዎን፡ ድማዕን ርህራሄም ምሕረትን ዝብሉ ኣብ ባህሊ ሃይማኖት ምስልምና ማእከል ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ማእከል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እምነትን መንፈሳውነትን ኣብ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ርክብ ዝብል እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝዝትየሉ ሓሳብ ኣድኒቖም ብብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ክህልው ዝገብረኦ ጉጉይ ርድኢትን ከምኡ እውን ካብቶም ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢና ዝብሉ ዝፍጸም ዓመጽ ንሃይማኖት ምስልምናን ንሰዓብቱን ንመለሳ ኣልቦነትን ንቅድመ ፍርድን ከቃልዕ የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማሶቲ ኣስዒበን፥ ኣብቲ ነቲ መልእኽቲ ንተጋባእያን ዘንበቡ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ምስ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ምስ ምስልምና ሃይማኖት ንዝግበር ርክብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣካሸሕ፥ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ካልኦት ኣብ ህልዎተ ሓደ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኣምና ዝተፈላለያ ሃይማኖኣታት ዝርከቡ ናይ ሓባር ረቛሒዝዀኑ ሃብትታት ግብረ ገብን መንፈሳውነትን ከምዘለዉ ገሊጾም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣልባኒያ ንኽካየድ ምውሳኑ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣብ መንጐ ሱኒታውያንን በክታሺ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብትን ማሕበረ ክርስቲያንን ንዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ምድናቕ እዩ፡ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ ካልደ ኣካሸሕ ዝተነበ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን መልእኽቲ እቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ባህሊ ድማ እታ ውድስትን ተደናቒትን ጓል ኣልባኒያ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ኣብ ስርወ መበቆላን ኣብ ወንጌልን እምንቲ ኴይና ብፍላይ ንድኻታትን ኣብ ዝነበረቶ ኣሓቲነትን ኣደነትን ተንጸባርቖ ብዝብል ሓሳብ ከምዝዛዘም ኣመልኪተን። 








All the contents on this site are copyrighted ©.