2018-02-09 16:47:00

ብፁዕ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ኣርችጃኖዊችዝ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ሊጡርጊያን በዓላት ሓልፊ ንኽኰኑ ትሰምዮም


ናይ ሓድሽ ኣስሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባልን ኣብ ፖላንድ ናይ ክራኮቪያ ሰበኻ ውሉደ ክህነት ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ኣርችጃኖዊችዝ ካልኣይ ጉብኤ ቫቲካን ዘተሓሳስቦ መምርሒ መሰረት  ኣብ ዓመተ ምሕረት 1988 ዕለት 28  ዝጸደቀ  ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ሕያዋይ ጓሳ ዝተሳዅዔ ብዛዕባ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ስርዓት ኣምልዀን ሊጡርጊያን በዓላት ሓላፊ መምህር ዝምልከት ዓንቀጸ ሕጊ መሰረት ነቶም ኣብዚ ሓላፍንት ናይ ሊጡርጊያን ኣምልዀን መምህር ኰይኖን ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ጉይዶ ማሪኒ ንኽትክኡ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ሊጡርጊያን በዓላት ሓላፊ ኣገልግሎቱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕርግዎ ምስዋዕተ ቅዳሴን ዝመርሕን፡ ሊጡርጊያውያን ስርዓታት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምስናይ ዝተሓባበሩን ኣብ ናይ ብፅዓን ካርዲናላት ጉባኤ እውን ዝተሓባበሩን ሓደስቲ ዝስየሙ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ሮማ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ኰይኖም ኣብ ዝርከብወን ቁምስና ስዩመ ጵጵስናኦም ብወግዒ እንክርከቡ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሓባብሩን ዘሰንዩን እውን ምዃኑ ቡርከ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 6 ለካቲት 2018 ዓ.ም. እቶም ሓድሽ  ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ሊጡርጊያን በዓላት ሓላፊ መምህር ኰይኖም ዝተሰምዩ ብፁዕ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ኣርችጃኖዊችዝ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ቡርከን ከምኡ እውን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብሓባር ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ 2018 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ብወግዒ ንንባብ ኣብ ዘቕረብሉ ጉባኤ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.