2018-02-08 16:55:00

ብፁዕ ኣቡነ ማሳፍራ፥ ማሕበረ ክርስቲያንን ማሕበረ እስላምን ኣብ ኣልባኒያ ብሓባር ክንየው ብድሆታት


ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም እምነትን መንፈሳውነትን ኣብ ርክብ ክርስቲያንን እስላምን  ብዝብል መርሕ ቃል ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ኣባይቲ ድርገት ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 7 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ከተማ ስኩታሪ ከምእተጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።

ሃይማኖት ምስልምና ከመይ ክነብር ከምዝግብኦ ዘተሓሳስቡ ቅያዲ ናይ ሕግታት እኩብነት ብዝብል ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ከምዘለዎ በዚ መንጽር እዚ ንኽንበብ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸራዞ ኣስዒበን፥ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ካብ ዕላማታቱ ሓደ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብጥልቂ ምልላይ ዝብል ሓሳብ ዝቃልሐሉ ከምዝዀነ ገሊጸን።

ኣብ ኣልባኒያ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘአንገደ ሰበኻ ስኩታሪን ፑልትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ማሳፍራ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሃይማኖት ምስልምና እተካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከት ዓውደ ጉባኤ ኣብታ ብዙሃን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከብዋ ሃገረ ኣልባኒያ ንኽካይድ ምውሳኑ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ፡ ብዓይነቱ ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣልባኒያ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ እዩ ኢሎም።

ቲዮሎጊያውን መንፈሳውን ኣስተንትኖ ኣማእኪሉ ዝካየድ እውን ብምዃኑ ኣብ ኣልባኒያ ካብ ዝርከቡ ሊቃውንቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ውሽጢ ሓደ ካብ ሱኒትን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልንና ከምኡ እውን ካልኣዮም ካብ ማሕበር ሕውነት በክታሺ  ዝተዓደሙ ሊቃውንቲ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ከስምዑ እዮም፡ እዞም ክልተ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሊቃውንቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖንን ብዑምቀት ከርዳኡ እያቶም። ስለዚህ እዚ ድማ ነቲ ክሌኣዊ ርክብ ካቶሊካውን ቤተ እስላምን ዝሕግዝን ቅድመ ፍርድን ብዝገደደ ድማ ጽልእ ክውገድ ዝድግፍ ምዃኑ ብፁዕነቶም ሓቢሮም።

ቲዮሎግያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣርእስታትን

እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዋዕላኡ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣርእስታት ከተኵር እዩ። ስለዚህ ነዚ ኣርእስቲ ንምድጋፍ ድማ ክልተ ሕንፉጽ ቃል ኪዳን ዝነብሩ ማለት ክርስቲያን በዓልቲ ቤትን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና በዓል ቤትን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉን ስዒቡ እቲ ኣብ መንጐ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ምስልምናን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ብዑምቀት ሰፊሕ ምይይጥ ክግበረሉ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ማሳፍራ ኣስዒቦም፥ እቲ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ውልቃዊ ቃል ምስክርነት ምእመናንን ክቐርብ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ምስክርነት’ዚ ድማ ነቲ ጭቡጥ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ሓባሪ ከምዝኸውን ገሊጾም። እዚ  ዓውደ ጉባኤ ቀንዲ ዕላማኡ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን እቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖት ምስልምናን እምነት ክርስትናን ዘሎ ፍልልይ ኣስተውዒልካ ናይ መንግስቲ ተቕዋማት እቲ ብስም ሃይማኖትን እምነትን ብስም እግዚኣብሔር ገበን ዝፍጽምን ንዝፍጽሞ ዓመጽ ብስም እግዚኣብሔር ምኽንያታዊ ዝገብር ገበነይና ከመይ ክከታተል ከምዘለዎም ዝኾነ ይኹም ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ሃይማኖት መግለጺ ከይከውን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ቅድመ ፍርድን ጽልእን ንምግሳጽ ንናይ ኩለን ሃይማኖት ሰዓብቲ ንምሕጋዝ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ምፍላጥን ካብ ምፍላጥ ዝነቐለ ሕድ ሕዳዊ ሰላማዊ ርክብ ንምንቕቓሕን እዩ ኢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ እዋን፥ ዘተባብዕዎ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ፍሪኡ ይህብ ኣሎ፡  ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክበሃል እንከሎ ንምስሉይ ምርኻብ ኣይኰነን። ዓቢይ ጥንቃቔ ዝሓትት እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ግልጺ መንነት ምፍላጥን ብዝተፈላለየ መገዲ ምትሕብባር ክህሉ ኣሚትካ ብምኽባር ንዘሎ ፍልልያት ምንባር እንክብሉ ኣብ ኣልባኒያ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ መንፈሳውን ባህላውን ምትሕብባር ንምትብባዕ ዝሓቀነ ዓውደ ጉባኤ እውን እዩ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ነውስ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጥቓለሉ ቸራዞ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.