2018-02-07 17:21:00

ስብከት ብጽቡቅ ዝተሰናደው ኮይኑ ሕጽር ዝበለ ክኸውን ኣለዎ፣ ዓውደ መጽናዕቲ ከኣ ኣይኮነን!


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ነቲ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንቀጽል፣ ኣብ ንባባት በጺሕና ነርና፣ እቲ ኣብ እግዚብሔርን ህዝቡን ዝካየድ ዘተ ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ብዝግበር ናይ ቃል ኣምላኽ ሥርዓተ ኣምልኾ ክብ ኢሉ ብምእዋጅ ወንጌል ኣብ ጥርዙ ይበጽሕ። ነዚ ከኣ መዝሙር ሃሌታ ይቅድሞ! ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ከኣ ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ክብርን ምሥጋናን ይግብኣካ እናበሉ ነቲ ብወንጌሉ ክዛረቦም መጺኡ ንዘሎ ጐይታ ንመዝሙር ሃሌታ ተኪኦም ይቅበልዎ፣ ከምቲ ምሥጢረ ክርስቶስ ንመላእ ቅዱስ መጽሓፋዊ ተገልጾ ዘብርሆን ምልኣት ዝህቦን ቅዱስ ወንጌል እውን ነቲ ዝቀደመ ናይ ኦሪት ጽሑፋትስ ይኹን ነቲ ድሒሩ ዝተጻሕፈ ግብረሓዋርያትን መልእኽታት ሓዋርያትን ንምርዳኡ ዘብርህ ወንጌል እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ናይ ኩሉ ቅዱሳት ጽሑፋትን ሥርዓተ ኣምልኾን ዓንዲማእከልን ምልኣትን ክርስቶስ እዩ፣ ወትሩ ኣብ ማእከል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎ፣

በዚ ከኣ ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብ መንጎ ካልኦት ንባባትን ቅዱስ ወንጌልን ፍልልይ ብምግባር ፍሉይ ብዝኾነ ኣኽብሮን ኣምልኾን ይእውጆ፣ ስለዝኾነ ከኣ ንባቡ ኩሉ ግዜ ብሰብ መዓርግ ይግበር፣ ምስ ወዳእካ ከኣ ነቲ ወንጌል ብምስላም ይፍጸም! ንክትሰምዕ ከኣ ደው ክትብል ከምዘሎካን ክእወጅ እንከሎ ከኣ ብትእምርተ መስቀል ግንባርናን ኣፍና ኣፍልብናን ንዓትብ፣ ወንጌል እንክእወጅን እንክንበብን ቀንዴል ከምኡውን ኣብ ግዜ በዓላት ዕጣን ምቅራብ ንክብሪ ክርስቶስ ዝቀርብ ምዃኑ እዩ እዚ ከኣ እቲ ቃል ብምሉእ ሓይሉ ንክስማዕ እዩ ዝግበር፣ በዚ ምልክታት እዚ እቲ ሕዝበ እግዚብሔር በቲ ሰናይ ዜና ዝኾነ ወንጌል ክርስቶስ ብቅላኡ ኣብ መንጎኦም ከምዘሎ እዚ ቃል እዚ ከኣ ንልቢ ዝቅይርን ዝልውጥን ምዃኑ እዩ፣ እዚ ዝርርብ እዚ ቀጥታዊ ዝርርብ ኮይኑ እቲ ካህን እዚ ወንጌል ቃል እግዚአብሔር እዩ ምስ በለ ሕዝቢ ‘ስብሓት ለከ ኦ እግዚእነ ክብሪ ንዓኻ ኦ ጐይታ ወይውን ምስጋናን ክብርን ንኣኻ ኦ ክርስቶስ’ ክብል ይምልሽ፣ ምናልባት ንሕና እንክትንሥእ ባዕልና እነሰምዕ ከይመስለና ክርስቶስ እዩ ኣብኡ ብኣካል ተረኺቡ ዝዛረበና፣ በዚ ከኣ ኢና ተጠንቂቅና ደው ክንብል ዘሎና፣ ከመይ ቀጥታዊ ዘተ እዩ ጐይታ ባዕሉ እዩ ዚዛረበና፣

ስለዚኸስ ኣብ ቅዳሴ ውንጌል እንክጋዋሕ ነገራት ከመይ ከምዝኸዱ ንምሳማዕ ኣይኮናን እነንብቦ እንታይ ደኣ ነቲ ጐይታ ኢየሱስ ሓደ ግዜ ዝገበሮን ዝተዛረቦን ኣብ ሕልናና ንምውቃጥ ንቃሉ ንሰምዕ! እዚ ቃልዚ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ሕያው ቃል ኢየሱስ ኮይኑ ብቀጥታ ኣብ ልበይ ይበጽሕ። ስለዚኸኣ እዩ ንቃል ወንጌል ጽን ኢልካ ብክፉት ልቢ ምስማዕ ብዘይመጠን ኣድላዪ ዝኾነሉ፣ ከመይ ሕያው ቃል እዩ፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ ስብከቱ ‘ኣፍ ክርስቶስ ወንጌል እዩ፣ ንሱ ንሰማያት ይገዝእ ኮይኑ ግን ኣብ መሬት ምዝራብ ኣይቋረጸን’ ይብል፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ነቲ ሠናይ ዜና ዝኾነ ወንጌሉ እንተደኣ ብኣካል ባዕሉ ይእውጅ ሃልዩ ንሕና ከኣ ኣብ ቅዳሴ ብምስታፍ መልሲ ክንህቦ ኣሎና፣ ብካልእ ኣዘራርባ ነቲ ወንጌሉ እንሰምዕ ዘበልና ኩልና ብሕይወትና ብተግባር ብምምስካር መልሲ ክንህቦ ይግበኣና፣

እቲ ሕያው ቅላኡ ናብ ኩሉ ምእንቲ ክበጽሕ ድሕሪ ንባብ ወንጌል ክርስቶስ ንቃል ካህኑ እውን ይጥቀም ማለት ስብከት ካህን መቀጸልታ ናይዚ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ግድነትን ኣድላይነትን ናይ ስብከት ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብጽኑዕ ክግበሩ ካብ ዝሕተቱ ሓደ ኮይኑ እዚ ግን ትንታኔ ናይ ዕለታዊ ኩነታት ወይውን ከምዚ ሕጂ ንገብሮ ዘሎና ትምህርቲ ክርቶስ ምትንታን ዘይኮነ ወይውን ሓደ ጉባኤ ወይ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ ኣይኮነን፣ ስብከት ካልእ ነገር እዩ፣ ስብከት እንታይ እዩ ቢልና እንተሓተትና ከምቲ ኣብ ኢቫንደሊ ጋውድዩም ታሕጓስ ወንጌል እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳን ዝገልጽኵዎ ‘ስብከት ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ጐይታን ሕዝቡን ዝተጀመረ ሕያው ዘተ ክሳብ ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍ ዝሰርጽ እንደገና ነቲ ዘተ ምብርባር እዩ’፣ ሥልጣናውን ሓቀኛን ትርጓሜ ቅዱስ ወንጌል ከስ እታ ቅድስት ሕይወትና እያ፣ ቃል ጐይታ ኣብ ልብና ሥጋ ብምልባስ ማለት ከምቲ ናይ እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ኩሎምን ናብ ተግባር ብምትጓም ዕዮኣ ትፍጽም፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝበልኵዎ ዘርክርዎ ማለት ቃል ኣምላኽ ብእዝንና ይኣቱ ናብ ልቢ ይበጽሕ ናብ ኣእዳውና ብምጉዓዝ ከኣ ሠናይ ተግባር ይኸውን ዝበልኵዎ ዘክርዎ፣ ንቃል ኣምላኽ ዝስዕብ ስብከትውን ነዚ ጉዕዞ እዚ ብምኽታል ቃል ኣምላኽ ብልብና ኣቢሉ ናብ ኣእዳውና ንክበጽሕ ይሕግዝ፣

ብዛዕባ ስብከት ኣብ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳነይ ገሊጸዮ ኣሎኹ፣ ኣብዚ ከዘኻኽረኩም ዝደልዮ ‘ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ስብከት ናብ ሕዝቢ ዘተኰረ ክኸውን እቲ ሰባኺ እውን ምስቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎን ሕይወትና ዝልውጥን ክርስቶስ ኵወሃሃድ ኣለዎ`፣ ሰባኻይ ተልእኾኦ ብጽቡቅ ክፍጽም ኣለዎ፣ ካህን ይኹን ዲያቆን ከምኡ ጳጳስ እቲ ዝሰብኽ ነቶም ኣብ ቅዳሴ ዝሳተፉ ሓቀኛ ኣገልግሎት ክህቡ ኣለዎም ኮይኑ ግን እቶም ዝሰምዑ እውን ግዲኦም ብግቡእ ክፍጽሙ የድሊ፣ ዘድሊ ኣተኲሮ ብምግባር ውሳጣዊ ምስንዳው ብምግባር ብዘይቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ነፍሲወከፍ ሰባኺ ናቱ ድሩትነት ከምዘለዎ ብምዝካር ኣስተውዒሎም ክሰምዑ ይግባእ፣ሓንሳእ ሓንሳእ ብምንዋሕ ስብከት ክትስልቹ ወይውን ዘይተጠርነፈን ክትርድኦ ዘጸግምን ስብከት የጋጥም እዩ ኮይኑ ግን ብዙሕ ግዜ ዕንቅፋት ዝኸውን ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ እዩ፣ እቲ ዝሰብኽ እውን ብወገኑ ናቱ ጉዳይ ዝገብር ዘሎ ኮይኑ ከይስመዖ ይሰብኽ ከምዘሎን ናይ ኢየሱስ ድምጾ ኮይኑ ቃሉ ይሰብኽ ከምዘሎን ክዝንግዕ የብሉን፣ ስብከትከስ ብጽቡቅ ዝተሰናደው ኮይኑ ሕጽር ዝበለ ክኸውን ኣለዎ፣ ሓደ ግዜ ሓደ ካህን ስድራኡ ኣብ ዘለውዎ ዓዱ ምስ ቀደስ ኣቡኡ ‘ትፈልጥዶ ብኣኻ ሕጉስ እየ ምኽንያቱ ከኣ ኣዕሩኽተይ ስብከት ዘይብሉ ቅዳሴ ረኺብና!` ኢልዎ፣ ክንደይ ግዜ ኢና ኣብ ቤተክርስትያን ግዜ ስብከት ገሊኦም ዝድቅሱ ገሊኦም ዘሕሸዂሽኹ ገሊኦም ካብ ቤተክርስትያን ውጽእ ኢሎ ሽጋራ ዘትኽኹ ንዕዘብ፣ ስለዚኸስ በጃኹም ስብከትኩም ሓጺር ይኹን ኮይኑ ጽቡቅ ዝተሰናደወ ስብከት ይኹን፣ ዝኸበርኩም ካህናትን ዲያቆናትን ጳጳሳትን ስብከት ከመይ ጌርካ ይሰናዶ! ብቀዳምነት ብጸሎት ስዒቡ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ምስትንታንን ኣብ መወዳእታ ሓጺርን ንጹርን ጽማቊ ብምቅራብ፣ እንተነውሔ ካብ 10 ደቂቅ ክሓልፍ የብሉን፣ ሓደራ በጃኹም፣

ክነጠቃልሎ እምበአር ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ እግዚኣብሔር ብወንጌሉን ብስብከትን ምስ ሕዝቡ ይዛተ፣ እዚ ዘተ እዚ ጥንቃቄን ኣኽብሮን እንከሓትት ሕያውን ሽዑ ዝግበርን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፣ እንተደኣ ነዚ ሠናይ ዜና እዚ ክንሰምዖ ክኢልና ተነሲሕና ተለዊጥናን ወጽእ በዚ ከኣ ንገዛእ ርእስናን ንዓለምን ክንልውጥ ንኽእል፣ ከመይ እንተኢልኩም እቲ ሠናይ ዜና ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ብእዝንና ይኣቱ ኣብ ልብና ይብጽሕ ካብኡ ናብ ኣእዳውና ተጓዒዙ ሠናይ ተግባር ከምእንፍጽም ይገብረና፣ 

ጽባሕ ዕለት 8 ለካቲት ዝኽሪ ክብረ በዓል ቅድስት ጁሰፒና ባኪታ እንክኸውን ምስኡ ከኣ ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንንግዲ ደቂሰባት ንምቍዋም እውን ክዝከር እዩ፣ ናይ ሎምዘመን መሪሕ ሓሳብ ‘ካብ ቦታ ናብ ቦታ ፍልሰት ደቂ ሰባት ብዘይ ንግድ ደቂሰባት ይኹን! ንሓርነት ሕራይ ንንግድ ደቂ ሰባት ኣይፋል’ ይብል፣ ብዙሓት ስደተኛታትን ኣብ ፍልሰት ዝርከቡን ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምጉዓዝ ዕድሎም ጸቢብ ስለዝኾነ እዚ ክትብሎ ዘይከኣል በደልን ግፍዕን ብዘጓንፈሎም ናይ ምዝመዛን ባርነትን መንገድታት ክመርጹ ይግደዱ፣ እቶም ኣብ ንግድ ደቂሰባት ዝተዋፈሩ ናይ ዓመጽ ጉጅለታት ከኣ ንኣባላቶም ንምስላዅ ነዚ መንገዲ ብምጥቃም ምስቶም ናይ ብሓቂ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ሓዋዊሶም የጐዓዕዝዎም፣ ስለዚኸስ ንነፍስወከፍኩምን ንኩለን ተቍዋማትን እዚ ኣነዋሪ ተግባር ደው ንክብል ዝተኻእለኩም ንክትገብሩ ነቶም ኣደዳ ናይዚ ግፍዒ ዝኾኑ ክትሕግዙን ድሕሪ ሕጂ ንከይድገም ውሕስነትን ምክልኻልን ንክርከብ ክትጽዕሩ እላቦ፣ ጐይታ ንልቢ እዞም ኣብ ንግድ ደቂሰባት ተዋፊሮም ዘለው ተንኪፉ ነቶም ኣደዳ ናይዚ ግፍዒዚ ዝኾኑ ተስፋ ነጻነት ክህቡ ንለምን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.