2018-02-06 16:38:00

ንፍቅሪ ካብ ዘጥፍኡ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቁ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ ኣርባዓ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ን2018 ዓምፈ ጾመ ኣርባዓ ዝኸውን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት ‘ልብና በተን ኣብ ባርነት ግዝያዊ ደስታ ዝዳርጉና ናይ ሓሶት መናውራታት ከይብረዝ ክንህልዎ ከምዝደሊ እዘን ግዝያዊ ደስታ ብምቅራብ ናብ ባርነት ዝመርሑ ከኣ ገንዘብ ሓሺሽ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል ርክብ ከምኡ እውን ዘመና ዝፈጠሮ ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝቀርብ ናይ በለጽ መንፈስ እዮም፣ ካብዚ ተዓፊኑ ዝተታሕዘን ዝደስከለን ፍቅሪ እዚ ሓራ ንምዃን ቤተክርስትያን እተቅርበልና ፈውሲ ጸሎትን ምጽዋትን ጾምን እዮም። በዚ ከኣ ካብ ዕለት 9 ክሳብ 10 መጋቢት 2018ዓም ነዚ ጉዕዞ ንክሕግዘና ናይ 24 ሰዓታት ጸሎተ ኣምልኾ ስግደትን ምስጋናን ቅዱስ ቊርባን ክግበርን ኩሎም ብሓጢኣቶም እናተጣዕሱ ክንስሑን ንጽውዕ` እንክብሉ መልእኽቲ ጾመ ኣርባዓ ጽሒፎም፣

ጾመ ኣርባዓኸ እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ክምልሹ ዝደለዩ እንክመስሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም `ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ኣልባብና ብናይ ሓሶት ነቢያት ተታሊሉን ተፈቲኑን ኣንተኾይኑ መርሚርና እንፈልጠሉ ምሩጽ ግዜ እዩ’ እንክብሉ ሕመረት ጾመ ኣርባዓ ምስ ገለጹ እዞም ናይ ሓሶት ነቢያትከ ንዝብል ክምልሹ ከኣ ` ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ፍቅሪ ከጥፍኡ ዝቃለሱ ስለዝኾነ ካብዚኦም እንምልጠሉ ብጸሎትን ምጽዋትን ጾምን ብምዝውታር ስለዝኾነ ነዚ ምሩጽ ግዜ ንጠቀመሉ’ ይብሉ፣ እዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በዓል ኩሎሙ ቅዱሳን ዕለት 1 ሕዳር 2017 ዓም ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ኣብቲ ትንቢታዊ ቃል ኢየሱስ ‘ክፍኣት ብምዕዛዙ ናይ ብዙሓት ፍቅሪ ክትዝሕል እያ’ (ማቴ 24.12) ከም መሪሕ ቃል ሒዛ እያ ተላኢኻ፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረዘይት ብዛዕባ መወዳእታ ዕለታት እንኪዛረብ ‘ካብ ነቢያት ሓሶት ተጠንቀቁ ከመይ ንብዙሓት ከስሕቱ እዮም’ ኢሉ ነበረ፣ ወልደ እግዚብሔር ነዚ ዝበሎ ኣብ ምጅማር ሕማማቱ ነበረ፣ ነዙይ ዝበሎ ከኣ ንሕቶ ኣርድእቱ ንክምልስ እንክኸውን ኣብ መወዳእታ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኮይኑ ዘይፈልጥ ዕዕግርግር ክኸውን ከምዝኾነን ብፍላይ ግን ኣብታ ናይ ኣመንቲ ማሕበር ብመንጽር እዚ ኣሰቃቂ ኩነታት ከጋጥም ንዝኽእል ጸገም እንክንበ ‘ገሊኦም ሓሰውቲ ነቢያት ንብዙሓት ከስሕቱ እዮም፣ እዚ ሓደጋ እዚ ከኣ ክሳብ ኣብ ልቢ እቶም ኣመንቲ ንዘላ ፍቅሪ ክሳብ ምቅሃም ክበጽሑን እዚኣ ፍቅሪ እዚኣ ከኣ ሕመረት ናይ መላእ ወንጌል ምዃና እያ’ ኢሎም ይገልጹ እሞ ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ንምዃኑ እዞም ናይ ሓሶት ነቢያት ኣየኖት ኮን ይኾኑ እንመን ኮን ይኹኑ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ` ገሊኦም ከም ‘መስሓቲ ኣትማን’ እንክግለጹ ንስምዒታት ደቂ ሰባት ብምቊጽጻር ባሮቶም ይገብርዎም እሞ ናብቲ ንሶም ዝደልይዎ ናይ ጥፍኣት ዓንኬል የእትውዎም፣ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንቊሩብ ደቃይቅ ብዝጸንሕ ደስታ ኣታሊሎም ምስቲ ጐይታ ብፍቅሩ ዝህቦ ሓቀኛ ሓጎስ ብምድንጋር ወይውን ብናይ ገንዘብ ምድንጋር ናብ ናይ በለጽን መኽሰብን ባርነት ኣእትዮም ኣብ መጨረሻ ኣብ ምስክንናን መደንግጽቲ ናይ ምዃን ደረጃ የውርድዎም።’ ብማለት ንምትላል ንዝጥቀምዎ ኣገባብ ይገልጹ፣

እዞም ናይ ሓሶት ነቢያት እዚኦም ከም ዋና መጋበሪ ዝጥቀመሉ ከም ተመን መልሓሶም ኮይኑ ብዙሕ እናለፍለፉ ንስቃይ ደቂ ሰባት ብሓሺሽን ብዘይጭበጥን ዘየሎን መሀውተቲ ሓሳባት ክፍውስዎ ይጽዕሩ። እዚኦም ለፍለፍቲ ናይ ሓሶት ነቢያት እዚኦም ቀለልቲ መፍትሒታትን ቅልጡፍ ወይ ፍጡን መድሓኒት ስቃይን ብማለት ዘቅርብዎ ነገራት ሽሕኳ ንግዜኡ እንተመሰለ ጽንሕ ኢሎም ግን ኣብ ካልእ ባርነት ስለዝመርሑ ሓሶት ምዃኑ ብኡ ንብኡ ይግለጽ፣ ንብዙሓት ምናዳ ከኣ ንመንእሰያት ብዕጸ ፋርስን ሓሺሽን ኩሉ ከምዝፍወስ ብምትስፋው ኣብ መርበቦም የእትው ዝገደደ ከኣ ንግዜኡ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል ግዝያዊ ደስታ ብቀሊሉ ንምህብታም ከኣ መኽሰብ ወላ ብምጥፍፋእስ ይኹን ብካልእ መንገዲ ኣዋህልል ዝብል ኣምር፣ ዝገደደ ከኣ ካብ ኵውንነትን ሓቀኛ ህይወትን ናብ ዘይጭበጥ ህውታቴ ብምምራሕ ትርጉም ኣልቦ ሕይወት ምስ በጽሑ ዝወስድዎ ዘፍርህ ድራማቲካዊ ኣገባባት ናይ ዕለት ዜና እዩ፣ ከምዚ ኢሉ ሓሺሽ ካብ መጠን ንላዕሊ ወሲዱ ወይ ወሲዳ ኣብ 20ታት 30ታት ዕድመኦም ተቀዚፎም ሕይወቶም ኣሕሊፎም ቀዚፎም ዝብል ሳዕቤን ናይዚ ናይ ሓሶት ተስፋታት እንሰምዖን እንርእዮን እዩ፣

ሕጽር ብዝበለ ብዛዕባ እዚኦም ናይ ሓሶት ነቢያት እንክገልጹ ቅዱስነቶም ‘ተበለጽቲ’ እዮም ይብሉ እሞ ‘ባዶሽ ዝኾነ ነገራት ሂቦም ነቲ መሰረታውን ክብሩን ዝኾን ክብረትን ነጻነትን ክተፍቅር ናይ ምኽኣል ሓይልን ይምንጥሉ፣ እዚ ከኣ ናይ ከንቱነት ምትላል ካብቲ ናይ ሓሶት ኣቦ ዝኾነ ዲያብሎስ ዝቀርብ ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ እዩ’ እንክብሉ ንህልው ኩነታትና ይገልጹ፣ ኣተሓሒዞም ከኣ ‘እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር! ግደ ቤተክርስትያን ኣብዚ ዘመነ ዕግርግር እንታይ ኮን ይኸውን! ንዝብል ሕቶ ክምልሹ ከለው ‘ናብ ልብና ምልስ ኢልና ሕልናና በዚ ናይ ሓሶት ነቢያት ሓሶት ዝፍተን እንተኾይኑ ንምልላይ ዓሚቊ ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉድይና እዩ፣ ውሽጥና ንፈትሽ እሞ ጽቡቅ ኣሰር ዝገድፍ ነገር እንተረኺብና ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ፈሊጥና ንጽቡቅና እዩ ኢልና ክንሕዞ እንተ ነቲ ካልእ ፎእ ኢልና ክንጉሕፎ ግዜኡ እዩ` ኢሎም፣

ከምቲ ህቡብ ኢጣልያዊ ዓቢ ሥነ ጥበበኛ ዳንተ ኣሊግየሪ ገሃነመ እሳት ኣብ ዝብል ሥርሓቱ ከምዝገልጹ ድያብሎስ ኣብቲ ፍቅሪ ተዓፊኑ ዝተታሕዘሎ ወይውን ዝደስከለሉ ኩነት የንሳፍፍን ይነብርን እዩ ነገሩ፣ ድሕሪ ቢሎም ከምቲ ናይ ኣርድእቲ ኢየሱስ ዝሓተትዎ ዓይነት ሕቶ ‘ምልክታቱ እንታይ ኮን ይኸውን ኣየኖት እዮም ነዚ ኩነትዚ ዝገልጹ ምልክታት ማለት ፍቅሪ ዝዝሕለሉን ዝድስክለሉን ዝጠፍኣሉን ሓደጋታት ኣየኖት ኮን ይኾኑ’ ቢሎም ይሓቱ፣

ኣብቲ ሡር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንእግዚእብሔርን ነቲ ካብኡ ዝርከብ ምጽንናዕን ብምኽሓድ ክንዲ ንቃሉ ብምስኪንነትና ተኪእና ኣብ ህርፋን ንዋይ ምስ ወደቅና ብርሃን ፍቅሪ ጭልምልም ክብል ይጅምር፣ ነዛ ውሕስነት እዚ ንዝትንክፍ ዘበለ ኩሉ ከም ቀንዲ ጸላኢ ቈጺርካ ንምእላዩን ንምቅንጻሉን ምዕጣቅ ኮይኑ እቲ ዘሕዝን መን እዮም እዞም ክእለዩ ዘለዎም ጸላእቲ እንተበልካ ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ገና ብርሃን ዓለም ዘይረእዩ ማሕጸን ኣዲኦም ዝርከቡ ዕሸላት ምንም መኽሰብ ዘየምጽኡ ዝሸምገሉን ዝሓመሙን ሓላፍ መንገዲ ጋሻ ኣብ ዓድኻ ዝመጸ ጓና ኮይኖም እቶም ምስ ትጽቢትካን ሓሳብካን ዘይሳነ ጐረቤትካውን ምዃኖም እዩ፣’ ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ስለዚኸስ ፍቅሪ እንክትዝሕል እንክትክርድድን እንክትድስክልን ማሕበረሰብናን ተፈጥሮን ይጐድእ` ኢሎም፣

ፍቅሪ እንክትዝሕል ንሕና ጥራይ ዘይኮነ ኣከባቢና ተፈጥሮ እዛ እንነብረላ መሬት ትሳቀ ከመይ እታ ቀላቢትናን ጽባሕ ናብኣ ንምለስን መሬት ንምርዛ ክንደይ ባሕርታት ወሓይዝ ብዝተበከለ ጐሓይ ዘይተመረዙ፣ ባሕርታትና ብሰብ ሰርሖ መርዚ ጥራይ ዘይኮነ ተገዲዶም ናይ ዝስደዱ ክንደይ ረሳታት ምስ ኣውያቶምን ንብዓቶምን ዘይወሓጡ፣ ሰማያትና ናይ ሞት ዝናም ብዘዝንሙ መሳርሒታት እናተሓርሱ ክንደይ ዘየሕዝን እንክብሉ ፍቅሪ ምስ ዘሓለ ዝረኤ ምልክታት ይገልጹ እሞ ኣብታ ዝሓለፈ ዓመት ዝጸሓፍዋ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ምሕጽንታኦም ንዘቅረብዎ ጻውዒት እንደገና ብምድጋም ‘ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መጺጽ ኣነነት መኻን ዝኾነ ምስኪንነትና ካብ ካልኦት ክትንጸል ምድላይና ኣብ ቀጻሊ ቀታል ኣሕዋት ዝኾኑ ውግኣት ምውፋር ዓለማዊ ሓሳባት ንረኣዩለይ ስምዑለይ ጥራይ ዝግበር ነገራት ነቲ ክህልወና ዝግብኣና ቅንኣት ስብከተ ወንጌል የዛሕትሎ` ይብሉ፣

ምልክታትን ኩነታትን ዘመንና ብሰፊሑ ምስ ዘርዘሩ ቅዱስነቶም እሞ ብከመይ ይፈወስ ትብል ሕቶ ኣቅሪቦም ፈውሲ ዝበልዎ በብሓደ ይዝርዝሩ፣ ብቀዳምነት ጸሎትን ምጽዋትን ጾምን  ፍቱን መድሓኒት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ። ‘ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና እንተተመልከትና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ምልክታት ከኣ ኣብ ዙርያና እንተተዓዚብና ቤተክርስትያን ጥዑም መድሓኒት ኣብዚ ዘመነ ጾመኣርባዓ ተወፍየልና፣ እዚ ከኣ ጸሎትን ምጽዋትን ጾምን እዮም፣ ብጸሎት ልባትና ከምዝኽፈትን ነቲ ሓሶት ከለልን ነኽእሎ እሞ ካብቲ ንገዛእ ርእስና እነታልለሎም ሓሶት ንላቀቅ፣ ምጽዋት ወይ መባእ ብምሃብ ካብቲ ሡር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ንፍገትን ህርፋን ገንዘብን የላቅቀና እሞ ንኩሎም ሓቀኛን ክትክተሎ ዝግባእ ተግባር ምዃኑን ንምህር፣ ኣብ ቅድሚ ሓገዝ ዝሓትት ሓው ወይ እትሓትት ሓፍቲ ወቱ ናይ እግዚብሔር መለኮታዊ ሓልዮት ከምዘሎ ከም እንሓስብን እንርዳእን ንኸውን፣ ከም ሓቁ ከኣ እግዚኣብሔር ሎሚ ብኣይ ኣቢሉ ንሓወይ ሓፍተይ ክሕግዝ እንተተጠቂሙ ጽባሕ ኣብ ጸገመይ እውን ከምዝሓልየለይ ርጉጽ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ጾም ካብ ፈተናን ክፍኣትን ኣላቂቁ ነቂሕና ንእግዚአብሔርን ንብጻይናን ንክነፍቅርን በዚ ንክንዓብን የኽእለና፣ ነቲ እንኮ ንጥሜትና ዘጽግብ ፍቃድ እግዚብሔር ንከለልን ንኣኡ ንክእዘዝን የኽእለና፣ እንክብሉ ኣድላይነት ጸሎትን ምጽዋትን ጾምን ምስ ገለጹ፣ ከም ካልኣይ መጋበሪ ከኣ ናይ 24 ሰዓት ኣምልኾን ስግደትን ምስጋናን ቅዱስ ቊርባን ምስ ምሥጢረ ንስሓ ዝብል ጻውዒት የቅርቡ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ነቶም ንእግዚብሔር ክሰምዑ ክፉት ልቢ ዘለዎም ንዘይካቶሊካውያን እውን የቅርብዎ፣ ከማና በዚ ናይ ዓለምና ክፍኣት ዝተተንከፍኩምን ዝቈሰልኩምን እንተሃሊኹም እቲ ንፍቅሪ ኣደስኪሉ ንልብታትን ተግባራትን ዘደንዘዘ ኩነት ዘተሓሳስበኩም እንተሊኹም ኣብ ሰብኣውነትና ትርጉም ማሕበር ከምዝጐድል ትዕዘቡ እንተደኣ ኣሊኹም ብሓባር ንእግዚእብሔር ናብ እንገብሮ ምህለላ ምሳና ሕበሩ! ብሓብር ንክንጸውም ዝተኻእለኩም ዝበለ ንጽጉማት ብጾት ምጽዋት ብምቅራብ ተሓባበሩና፣ ዝብል ጻውዒት ንዘይካቶሊካውያን ምስ ኣቅረቡ ናብቶም ኣባላት ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ንምፍቃና እንደገና ዳግም ብሓዲስ ንምጅማር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ኣብ መንጎ ዓርብን ቀዳምን 9ን 10ን መጋቢት 2018ዓምፈ ን24 ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ኣምልኾን ስግደትን ምስጋናን ቅዱስ ቊርባን ምስ ምሥጢረ ንስሓን ይገበር፣ እንተወሓደ ሓንቲ ቤተክርስትያን ነዙ ጉዳይዚ ትከፈት፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ እታ ኣብ ለይቲ ፋሲካ እነብርሃ ቀንዴል ነዚ ዘሎ ጸልማት ብሓቂ ክተባርሮ እያ፣ እቲ ብኅብስተ ሕይወት ዝኾነ ቊርባን እናተቀለብና እንሰምዖ ቃል ኣምላኽ ከኣ ንልብታትና ናብቲ ምውቅ እምነትን ተስፋን ፍቅርን ክመልሶ እዩ፣ እንክብሉ መልእኽቶም ይዛዝሙ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.