2018-02-05 09:34:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ቤት ምኽሪ ጸረ ሓረጣ ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቶብ ብጉጅለ ግብረ ሓረጣ ዘስፍሑን በቲ ሓደገይና ዝዀነ ናይ ግብረ ምጥላዕን ኣደዳ ንዝዀኑን በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝተጠቕዑ ኣባይቲ ስድራ ዝኣልይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ወለንተይናታትን በቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንብዙሕ ስቓይ ዝተዳርጉ ኣባይቲ ስድራን ዜጋታትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረብ ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ናይ ጸረ ሓረጣ ቤት ምኽሪ ኣባላት ቅድሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምርኻቦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ናይ ሃገረ ቫቲካን ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎምን ኣብ መቓብር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንግደት ፈጺሞም ጸሎት ከምዘዕረጉን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ተገይሩሎም ቃለ ምዕዳን ከምእተቐበሉ ዝሓበረ ናይ ቅዱስ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቶም ብሓረጣን ምጥላዕን ዝኣመስሉ ተግባራት ዝተጠቕዑን ጽግዕተይናታት ምጥላዕን ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብ ዝወደቕሉ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕ ልምድን ዝሳቐዩን ዝኣልይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ወለንተይናታት ነዞም ዜጋታት ቀረባ ብምዃን ካብቲ ዝወደቕሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ክላቐቑ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ድጋፍ ዘቕርብ ምዃኑ ናይዚ ብሔራዊ ጸረ ሓረጣ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ዱርሶ ከምዝገለጹ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ቃሎም እንክልግሱ

ፍቱዋት ኣሕዋትን ኣሓትን

ምሳዅም ክራኸብን ሓረጣ ዘስዕቦ እዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ሎሚ እውን ዘስዕቦ ስቓይን ምሳኹም ሓቢረ ከስተንት እንከሎኹ ደስታ ይስምዓኒ። ናይዚ ቤት ምኽሪ ጸረ ሓረጣ ኣቦ መንበር ቅድም ኣቢሎም ምስ ኩላትኩም ብምልላይ ንዘስምዕዎ ዘረባ ዘቕረብዎ ቃል ምስጋና ብሓቂ አመስግን። ኣብ 1991 ዓ.ም. ናይዚ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ጸረ ሓረጣ መስራቲ ኣባ ማሲሞ ራስትረሊ ቁርብ ስለ ዝተጸለኦም ኣብዚ ምሳና ብዘይምርኻቦም ኣናዘከርኩ ንኣኦም ሰላምታይ ኣመሓላልፍ ቢሎም፡ እቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ከይድታቱ እናሰሓለን እናተራቀን ሰላሕታ ፍጻሜታቱ ኣብ ሕብረሰብን ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ጸገምን መከራን ንዝርከቡ ብፍሉይ ዘጥቕዕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድ እትገብርዎ ጻዕርን ነቶም ዝተጠቕዑ ቀረባ ኰይንኩም ታሪኾም ጽን እናበልኩ እትልግስዎ ደገፍ ብፍሉይ ከምዝከታተልዎ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፡ ነቲ ዝወደቕሉ ጊልያነት ንምብታኽ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ትምህርቲ ሓለፍትን ናይ ሰብኣውነት ኣባይቲ ትምህርትን ሕንጸት ኣብ ሕጋውነትን ኣስተንፍሶኡ ብቓል ወንጌል ዝተለዓዓለን ብሱቕታን ረኣዩለይን ስምዑለይን ከይበለ እቲ ኣድካሚ ዝዀነ ሕንጸት ሕልና እትፍጽሙ ኢኻትኩም።

እዚ ማሕበር ካብ ዝተመስረተሉ 26 ዓመታት ኣትሒዙ ንብዙሓት ካብዚ ናይ ሐረጣ መጻወዲያ ኣናጊፉን ኣባይቶምን ትካሎም ድዩ ካልእ ንብረቶም ካብ ኢድ መንጠልቲ ዘድሓነ ምዃኑ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም … ሓረጣ የዋርድን ይቐትልን፡ ካብ ጥንቲ ዝነበረ መንፈስ ክፍኣት እዩ። ልክዕ ከምቲ ተመን ናይ ብዙሓት ሕይወት ዝሓንቕ እዩ፡ ስለዚህ ምቅዋሙን ሰብ ካብዚ መንፈስ ክፍኣት’ዚ ክጥንቀቕ ንቑሓት ሓነጽቲ ምዃን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ፡ ነዚ ዓይነት ጸገም ብርእሰ ምቁጽጻርን ብህድኣትን ዕቱብነትን ምስናፍ ዝከኣል እዩ። ብይኣኽለኒ ምንባርን ዓቕምኻ ምፍላጥን ኣገዳስን ጠገለ ኣልቦ ትርፋትርፊ ፈሊኻ ምኽኣል፡ ብዘይክኡ ክትነብር እትኽል ኵሉ ንምውናን ቢልካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ዕዳ ዘይምውዳቕ፡ ስለዚህ ናይ ድኽነትን መስዋዕትን ውሳጣዊ ዕሴት ፈሊኻ ምርካብ የድሊ። ድኽህነት ንናይ ነገራውነት ጉዙእ ዘይምዃን ማለት እዩ። መስዋዕትነት ድማ ኣብ ሕይወቱ ኩሉ ምርካብ ዘይከኣል ምዃኑ ኣብ ናይ ምፍላጥ ሓቂ ገዛእ ርእስኻ ምንባርን ማለት እዩ። ሕንጸት ኣብ ሕጋውነትን ቅንዕናን ዝተሓትሞ ኣተሓሳባን ኣነባብራን ዘለዎ ኣገዳስንት ቅዱስነቶም ከተሓሳስቡ፥ ብዙሓት ንሓደጋ ሐረጣ ከይቃልዑ መታን ናይ ተሓባባርነትን ሓላይነትን ተግባር ምትብባዕን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ናይ ምዃን ባህሊ ምስፋሕ ወሳኒ ምዃኑ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው፡ መኽሰብ እምበር ሰብኣውነት ሰብ ዘይብል ከይድን ስርዓትን ኤኮኖሚ ዝፈጠሮ እዩ። ክብሪ ሰብን ስነ ምግባርን ምትሕብባርን ናይ ኩሉን ሓባራዊ ጥቕምን ናይ ፖለቲካዊ ኤኮኖሚ ማእከል ክኸውን ኣለዎ። ምጥላዕን ኣባይቲ መጣልዒ ሕጋውነት ዘለዎ ከም ኣገልግሎት መውሃቢ ገርካ ብምቕራብ ኣብ ዝተፈላለዩ  ሃገራት ዘሎ ኣሰራርሓ መንግስታት ካብዞም ዓይነት ኣባይቲ ዘኽፍሎ ቀረጽ ምእካብ እንተዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ዘስዕቦ ጸገምን ኣባይቲ ስድራ ንምብትታንን ብዙሓት ናይዚ ተግባር ጽግዕተይና እናዀኑን ክሳብ ርእሰ ቅትለት ዘብጽሕ ዘስፍሖ ጐዳኢ ባህሊ ዘየገድሶም ኰይኖም እዮም ዝረአዩ፡ እዚ ዅሉ ጸገም’ዚ ንገዛእ ርእሱ መንስግታትን ሃገራትን ብብዙሕ መዳይ ዘድክይ ምዃኑ ዘረድኡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 19 ካብ ፍቕዲ 1-10ን ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 9-13 ዘሎ ኣብ ኢያሪኮ ሓለቓ ቀረጽ ተቐበልቲ ዘኬዎስ ዝስሙን ታሪኽ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ዝነበራ ናይ ማቴዎስ ታሪኽ ጠቒሶም … እዚ ቃለ ወንጌል’ዚ ንመንግስታትን ኣባይቲ ስድራን ዜጋታትን ኣብ ሓላፍነት ዝሓንጽን መንግስታት ኣሰራርሓ ኣባይቲ ባንክን ኣለቐሕቲ ኣባይቲ ባንክንታትን ዓቐን ሰብ ዘለዎ ክኸውን ገይሮም ዜጋታት ንሓደጋ ሐረጣ ከይቓልዑ ክገብሩ ይግባእ ቢሎም ምስ ኣተሓስሰቡ፥

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን …  ዓይንኹምን ጠመተኹም ኣብ ኢየሱስ ኣንብሩ ልባትኩም ኣብ ልቢ ኢየሱስ ኣንብሩ ከምኡ ምስ ድኻታትን ዕሩቓትን ሕሙማንን ጽጉማትን ናብ ምርኻብ ኣእጋርናን ልባትናን ዝቐልጠፉ ንግበር። ነቶም ናይ ሐረጣን ናይ ምግባረ ብልሽውና ኣደዳ ዝዀነ ዜጋታት ተስፋን ሓይልን ወንጌል ኣብጽሑ፡ … ብስም ሃብትን ጣዖትነት ሃብቲ ገንዘብ ሕይወት ሰብ ንሞት ክዳረግን ሓውኻ ምቕታልን ዓቢይ ጥፍኣትን ሞት ኩሉ ምዃኑ ፈሊጥና ናይ ሰብኣውነትን ፍትሕን ትርጉምን ባህልን ነስፍሕ … ኣብ ኤኮኖምን ቁጠባን ሓላፍነት ምስ ዘለዎ ኣካላት ተራኸቡን ዘትዩን ኣብ ምቅዋም ሓረጣን ምግባረ ብልሽውናን ንቑሕ ዝዀነ ኣሰራርሓ ኣብ ኤኮኖሚ ክሰርጽ ኣስተዋጽኦ ኣበርክቱ።

ንብዙሓት ካብ ኣሳዶ ሓረጣን ምጥላዕን ዘናገፍኩም ኢኻትኩም እሞ እዚ ሰናይ ምስክርነትኩም ይስፋሕ … ብሓባር እቲ ነጻልን ዘይምዕሩይን ቀታሊ ኤኮኖሚ ብምቅዋም ሓድሽ ሰብኣውነት ዘማእከለን ሰብኣውያዊ ኤኮኖሚ ክረጋገጽ ተጊህና ንዕየይ። … ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ነጻሊ ዘይምዑሩይ ማሕበራዊ ሕይወት ዘጽንዕ ኣመክንዮ ንቅወምን … ምስ በሉ ቅዱስነቶም እቶም ናይቲ ብሔራዊ ናይ ጸረ ሐረጣ ቤት ምኽሪ ኣባላት ህላዌ ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፡ ሓደራኹም ስለይ ምጽላይ ኣይትረስዑ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጥቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.