2018-02-03 08:52:00

ብፁዕ ካርዲናል ዛናሪ፥ ሶርያውያን ኣብ ስቃይ እዮም ዘለዉ፡ እውያቶም ሰሚዑ ዝድግፎም ኣካል የድልዮም


ውግእን ኣስሓይታን ከም ጉጠን ብብሚሊዮናን ናይ ዝቑጸር ሶርያውያን ሕይወት ይጭፍልቕን ንሞት ይዳርግን ምህላዉ ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ሓቢሮም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶሪያ ካልኦት ናይ ውግእ ግንባራት ኣብ ዝኽፈትሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ዘተሓሳስብ ህጹጽ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይቲ ኣብ ስቓይን መካራን ዝርከብ ሕዝብን ንሓደጋ ሞትን ማህሰይትን ዝተቓልዑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣውያት ዝሰምዕ ሕሊና ክነቓቓሕን እዞም ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕሊና ዘእውዩ እያቶም። ካብ ዝባራዕ ሻብዓይ ዓመቱ ዝቑጽር ዘሎ ውግእ ኣብ ሶሪያ፡ ንዝተፈላለዩ ሓደስቲ ናይ ውግእ ግንባራት እናተዛመተ ኣብ ከባቢ ገጠራዊ ምብራቕ ደማስቆን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕን ከቢድን ውግእ ድሮ ኣብ ደማስቆ ዝስማዕ ከይኑን እቲ ብቱርኪ ሓይሊ ምክልኻል ዝድገፍ ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ዘዳብው ሰሜናዊ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሓቂ እቲ ኣብ ሶሪያ ዝተባርዔ ውግእ መጠነ ሰፊሕ ንኽኸውን ይድርኽ ምህላዉ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ዘናሪ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥ እቲ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ታይፕ ውሳኔ መሰረት ዝካየድ ዘሎ ኣውሊዕ ጨንገር ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ናይ ቱርክ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣዚዩ ደማዊ ኵናት እናዀነ ኣብቲ ኩርዳዊ ከባቢ ሶሪያ ዝካየድ ኰይኑ ባዕሎም ርእሰ ብሔር ታይፕ ልዕሊ 800 ዝግመቱ ኣሸበርቲ ከምዝዛሃሙ እንክሕብሩ፡ እዚ ብናይ ቱርክን ናይ ሶሪያ ናይ ነጻነት ግንባር ብምትሕብባር ጸረ ሓለዋ ህዝቢ ኩርድ ግንባር ዝፈነውዎ መጥቓዕቲ ከምዘየዓወቶምን ዝቆጻጸርዎ ዝነበረ ማእከላይ ከባቢ ቡልቡል ሓዲጐም እውን ከምዝወጹ ኣናዶሉ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን፥ ብፁዕ ካርዲናል ዛናሪ ናይዚ ውግእ ግዳይ ሕጻናት ብዕድመ ዝደፍኡን ከምዝዀኑን ሓቢሮም ኣብ ክልተ ሰሙን ውሽጢ 104 ሰባት ኣደዳ ከምዝዀኑን ካልእቶት 156 ድማ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ኣብ ኣፍሪን ዝርከብ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሶም እንከመልክቱ፡ ብተወሳኺ ከኣ ኣብቲ ከባቢ እዋን ክረምቲ ብምዃኑ ዘሎ ቁርን ኣስሓይታን ተወሲኽዎ ህዝቢ ብዝገደደ ሓደጋ ከምእተቓልዔ ብፁዕነቶም ከምዝገለጹ ኣፍሊጦም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቅልዋላው ሰብኣው ጉዳይ ኣብ ዞሪያ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዣን ኤገላንድ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኢድሊብ መረባ ንናይ ሰብኣዊ ረድኤት ቀረብ ዕድል ንምሃብ ክከኣል መታን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብልን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ዓመጽን ውግእ ደው ክብል ዝድግፍ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።      








All the contents on this site are copyrighted ©.