2018-02-02 10:19:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣብ ቻይና ክልተ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ ክልተ ማሕበረ ክርስቲያን እዩ ዘሎ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ናይ ኢጣሊያ ላ ስታምፓ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ዛዕባ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ብዝምልከት ዝፍነዉ ዘለዎ መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ኣከራኻሪ ትንተና ኣማእኪሎም ዕለት 31 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድስቲ መንበር እውነተይና ጽማሬ ንምትግባር ዘኽእል መገዲ ብምርካብን ብምልላይን ኣብ ቻይና ይኹን ካብ ቻይና ወጻኢ ቅኑዕን ግቡእን ናይ ምእመና ትጽቢታት መልሲ ንምሃብ ትዓዪ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልሲ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣብ ቻይና ክልተ ቤተ ክርስቲያን ዘይኰነስ ንምሉእ ውህደት ኣሚቶም ዕለት ብዕለት ኣብ ጐዳና ዕርቂ እናዓበዩ ዝኸዱ ክልተ ማሕበረ ክርስቲያን ኣለዉ። ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዘሎ ርክብ ብዙሕ ለውጢ ተገይሩሉ ኣሎ ንዝብል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ቻይና ድላይ ከምዝትዓጽፈት ዘምስል ብዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ብዛዕባ ዝግለጽ ዘሎ ዜና ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ከይተረፉ ዕለት 29 ጥሪ 2018 ዓ.ም. መግለጺ ዝሃቡሉ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ልክዕ ግረግ ከምዝበልዎ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ኰነ ብሓፈሻውኡ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባብርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ተቕዋማት ኣብ ልዕሊ ርክብ ምስ መንግስቲ ቻይና ዘኸውንዎ ምንም ዓይነት ለውጢ የሎን ነቲ ርክብ ዘመሓይሽ እምበር ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቻይና ድላይ ዝዓጽፍ ኣይኰነን። ስለዚህ ኩለን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ተቕዋማት ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብውህደት እዮም ዝዓይኑ ዝንቀሳቐሱ። ምንም ዓይነት ፍልልያት ድዩ ለውጥታት የሎን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ትግባሬኡ እውናዊ ኩነት ግምት ዝህብ ይኸውን ደኣ እምበር ሓደ እዩ ይብሉ።

ንዘተ ክፉታትን እሙናት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን

ንሓናጺ ዘተ ክፉት ኰይንካ ምርኻብ ዝብል ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዘሎ ርክባትን ምይይጥን ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ርክብ’ዚ ግና ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ዝተጣመረ እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ንካቶሊካውያን እብ ቻይና ዘመሓላለፈዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዘዘኻኽሮ፥ ንሓናጺ ዘተ ክፉት ኰይንካ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ተኣማንነት ብዘለዎ መገዲ ዘተ ምክያድ ንብር ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካይዳን ናይ ህልዋን ጸገማት መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ቻይና ምስቲ ሕጋዊ በርገሳዊ ስልጣን ብቐጻሊ ምስሕሓብ ኣይኰነን ዝሓትት፡ ምስሕሓብ መፍትሒ ኣይኰነን፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ ሓለፍትን መዋቕራትን ዘሎ ዘይምርድዳእ ብቐጻልነት ምንባር ዘይኰነስ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ካቶሊካያን ምእመናን እምነቶም ክነብርዎ ዝኽእሎምን ብናይ ቻይና ዝተፈልየ ሓላት (ኵነታት) ግምት ዝህብ ኣስፍሆተ ወንጌል ብሓባር ንምቕራብ ዝድርኽ ጭቡጥ መፍትሒ ዝዀነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ ዘድሊ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብ ቻይና ንሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸገማት ኣየጋጥም ማለት ኣይኰነን። እቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገም ዋላ’ኳ  ጳጳስ ኣብ ምስያም ዝምልከት መስቀላዊ ሕቶ ብምጥቕላል ኩሉ ብሓንሳብ ሓዋዊስካ ምፍታሕ ዘየክኣል እውን እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ተቐልቂሉ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምዃኑ ብምሕባርን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ጳጳስ ናይ ምስያም ሓላፍነት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነትን እዩ ዝብል ውሳኔ ኣብ ሕቶ ብዘይምእታው እያ እትራኸብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ርክብ ፍልቀታዊ እዩ። እቲ ርክብ ትዕግስትን ግዜን ይሓትት። ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ናይ ምስያም ሓላፍነት ናይ ሮማ ጳጳስ እዩ፡ ነዚ ዘዋግይ ዘተ ኣይተካይድን። እዚ ግና እቶም ኣብ ቻይና ዘለዎ ምእመናን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብውህደት እምነት ኣብ ምንባር ዘሰናኽል ጉዳይ ኣይኰነን ይብሉ።

ናይ ጐይታ ፍቓድ ኰይኑ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቻይና ሕጋዊ ዘይሕጋዊ ጳጳስ፡ ሕይወቱን ሕይወት መእመናን ንሓደጋ ንኸየቃል መታን ጵጵስናኡ ብሕቡእ ዝነብርን ወይ ከኣ ወግዓውን ዘይወግዓውን ጳጳስ ዝብል ጉዳይ ፍጺሙ ክተርፍ ተስፋ ንገብር፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ክሳብ ዝኸውን ከም ኣሕዋት ምርኻብን ምትሕብባርን ሱታፌን ዝብል ቋንቋ ክንመሃር ዝከኣል እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ኣስፍሆተ ወንጌልን ንምንቕቓሕን መጸናንዒ ናይ ጐይታ ቃል ንምብጻሕ እትኽእል ንምምሓርን ይቕረ ንምባልን ቅርብቲ ምስ እትኸውን እዩ፡ ስለዚህ ናይ ምሕረት ኣስፍሆተ ወንጌል ብምሕረት እዩ ዝቐርብ። ካልእ ዓይነት ጸገማት ኣለዉ እዞም ጸገማት እዚኣቶም ግና ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ትጽቢታት ኣይኰኑን።

ዝሓለፉ መስዋዕነትን ስቓይን ንዅላዊት ቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ፥ ናይ ዝሓለፈን እዋናውን ስቓይ ማንም ክድምስሶ ዘይከኣል ሓቂ እዩ ዝበሉ ብፁዕነቶም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ብሓገዝ እግዚኣብሔር ዝተረጋገኤን ሕውነት ዝዓሰሎ መጻኢ ንምህናጽ ሰብኣውን መንፈሳውን ሃብቲ እነዋፍረሉ እዋን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈን እዋናውን ቻይናውያን ካቶሊክ ምእመናን ዝኸፍልዎ ስቓይን ዘሕለፍዎን ዝሕልፍዎን ዘለዉ ከቢድ ተመክሮ ኣይትርስዕን፡ እዚ ኹሉ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃብቲ እዩ ኢሎም።

ዝሓለፈ ታሪኽ ንምጥርጣርን ንምፍርራሕን ግዛእ ርእስኻ ንምዕጻው ምኽኒት ክኸውንን ንሓውን ሓፍትን ንምኹናንን ንሓድሽ ዘይምርድዳእን ፍልልይን ንምፍጣር ድርዀት ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ። በንጻሩ ሰገር ኩሉ ውስንነት ሰብኣዊ ፍጡር ንሕድ ሕዳዊ ምትእማንን ምቅርራብን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ኣመኔታ ንምንባር ዝድርኽ ክኸውን ይግባእ ይብሉ።

ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ስልጣን ፖለቲካ ተንበርኪኻ ዝብል ኣብዚ እዋንን’ዚ ዝንዛሕ ዘሎ ርእይቶ ድዩ ዝወሃብ ዘሎ ኣገላልጻ መሰረተ ኣልቦ ተራ ወረ እዩ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክህልወካ ባህርያውን ቅኑዕን እውን እዩ። ቅድስቲ መንበር እተካይሮ ርክብ ምእንቲ ካቶሊካውን ምእመናን ንናይ ቻይና ጥቕሚ ተኰር እዩ ክንበብ ዘለዎ። ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ንናይ ቻይና ካቶሊካውያን ምእመናን ትጽቢታት ብቑዕን ተተግባርን መልሲ ንምሃብ ናይ ሓቂ ጽማሬ ብምንዳ እያ እትዓዪ። ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢና ነናድይ። ስለዝኾነ ማንም ንሱታፌን ሓድነትን ዝሃስይን ናይ ዝበለጸ መጻኢ ተስፋ ዝምንዝዕ ኣብ ሕሱርን ምኹንን ክርክር ካብ ምውዳቕ ምጥንቃቕ የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.