2018-02-02 10:15:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ጳጳሳት ንሕዝቢ ቀረባ ኩኑ እክብሉ የተሓሳስቡ


ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድነቶምን ተኣዛዝነቶምን ዘረጋግጽሉን ብዛዕባ ናይ ሰበኻታቶምን ሃገሮምን ህልው ኩነታት መኺሮም መርሕ ቃል ዝቕበልሉ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ኣብ ፈደራላዊት ሩሲያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኤጲስ ቆጶሳት ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣቀባብላ ከምእተገብረሎም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ፥ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን መደብ፥ ቅዱስነቶም ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያ ንሕዝቢ ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ኰይኖምን ትሑታን ኣሰነይቲ ዝብል ቃል ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ኣፍሊጠን።

ነቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝጽበይ ሕዝቢ ቀረባ ምዃን ዝብል እቲ ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉስና  ናብ እትብል ከምቲ እግዚኣብሔር ፍጥረት ሰብ ንኸድሕን ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ናብ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣንቀኢሉ ኣብ ኩነት ሰብኣዊ ፍጡር ስግው ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ዘዋረደ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ ትዀን ዝብል ቃልን ተግባርን ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ፈደራላዊት ሩሲያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክነብሩን፡ ብፍላይ ናብቲ እዚዩ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝነብር ብድኽነት ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ክዀኑ እንከብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ማሶቲ ገሊጸን።

ጉባኤ ኤጲስ ቆጶሳት ፈደራላዊት ሩሲያ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባብርቲ ዝተፈላለያ ጳጳሳዊያን ኣባይቲ ምኽርን ጳጳሳውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ቅዱሳት ማሕበራትን ከምእተራኸቡን ብፍላይ ምስ ንኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህይንተ ዘካየድዎ ርክብ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ፥ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ፈደራላዊት ሩሲያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ፐዚ፥ ብዛዕባ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ተመስሎኡ ከመይ ነሩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብሓቂ ነዊሕ እዩ ኔሩ ናይ ክልተ ሰዓት ዘተ ከምእተኻየደን። ቅዱስነቶም ኣንሕና ይብሉ ከም ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለታዊ ናብራናን ኣገልግሎትናን ንኽፈልጡ ሓደ ብሓደ ብምሕታት ናይ ኩላትና ቃል ምስ ሰምዑ፡ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ተልእኾ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ነቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ቀረባ ክንከውን ምዒዶም፡ ነመጓሰይ ቀረባ ዝዀነን ምስ መጓሰይ ዝነብር ጓሳ ዝብል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ምዕዳን ደጊሞ ሓደራ ዝብል ምዕዳን እዮም ዘቕረቡ። ሕዝቢ ወትሩ ልደት ዘእግዚኣነ ዝጽበይ ዓይነት ሕይወት እዩ ዝነብር፡ ጐይታ ኢየሱስ ዝጽበይ ኩነት፡ ኢየሱስ ክበጽሓኒ ዝብል ተስፈይና ኩነት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ድኽነትን መከራን ዝርከቡ፡ እቲ ናብኦም ዝብል ጓሳ ነቲ ኣብቶም ድኻታት ዘሎ ኢየሱስ ንኽራኸብ ናብኦም የብል፡ ስለዚ እቲ ንሳቶም ዝጽበይዎ ኢየሱስ ንምርኻብ ናብኦም ከተብል እንከለኻ ንሳቶም ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀዳሞት ተዋሰእቲ ምዃኖም ተስተውዕል፡ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ምንባር ከምዘድሊ ነዚ ናይ እምነት ቃለ ኑዛዜ ብሓደራ ነታ ኣብ ፈደራላዊት ሩሲያ ንእትክረብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣመሓላሊፎም ይብሉ።

ቀጺሎም እውን ብፁዕ ኣቡነ ፐዚ፥ ብዛዕባ እታ ኣብ ሩሲያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሩሲያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ እንታይ ይመስል ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ኩባ ርእሰ ከተማ ሃቫና ምስ ናይ ሞስኰን ናይ መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ድሕሪ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ሩሲያ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝነበረ ምትሕብባር ኣዚዩ ክብርትዕ ክምዝገበርን ብዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝተጠቕዑ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ናይ ሕይወት ባህሊ ኣብ ምስፋሕን ኣገልግሎትን ተልእዀ ምትሕብባር ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.