2018-01-31 18:51:00

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ኣብ ክንዲ ቅዱስ መጽሓፍ ጋዜጣ ምንባብ ነውሪ! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ግዜ ትምህርተ ክርስቶስ


“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡  ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡” (ዕብ 1.1-2)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ እውን ነቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንመሃሮ ክንቅጽል ኢና፣ መባእታዊ ሥርዓታት ናይ መሥዋዕተ ቅድሴ ድሕሪ ምርኣይከስ ነቲ እግዚብሔር ዝገበረልናን ገና ብድሕሪ ሕጂውን ክገብረልና ንዘለዎ ነገራት ክንሰምዕ ስለእንጋባእ በቲ ዋና ክፍሊ ኮይኑ ንሥርዓተ ቅዳሴ ዘቊውም ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ ንምልከት ኢና፣ በላ በለው ዘይኮነ ካብቲ ቀንዲ ምንጪ ብቀጥታ ዝመጸና ቃል እዩ፣ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ መምርሒ ዝብል ቊ 29 ከምኡ እውን ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝዝቲ ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቊ. 7ን 33ን ብዛዕባዚ ‘ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ መጽሓፍ ክንበብ እንከሎ እግዚአብሔር እዩ ንሕዝቡ ዝዛረብ ከምኡውን እቲ ኣብ ቃል ዘሎ ክርስቶስ ባዕሉ ነቲ ሠናይ ዜና ዝኾነ ወንጌል የበሥር’ ይብል። እቲ ዘሕዝን ግን ቃል ኣምላኽ ክንበብ ከሎ ብዙሕ ግዜ ክንዲ ልብኻ ኣባኡ ገርካ ጽን ምባል ‘ረኣየሞ እቲ ፨ ረኣያሞ እቲኣ፣ እንታይ ዓንት ቆቢዕ እዩ ገሩ ዘሎ በጃኻ እንታይ መስሓቀን ዝኾነ ነገር እዩ’ እናበልካ ምሕሹዅሻዅ፣ ዘድልን ዘየድልን ርእይቶ ምሃብ! ሓቀዶ ኣይኮነን እዩ! ቃል እግዚኣብሔር ክንበብ ከሎ ከምዚ ምግባርዶ ይግባእ እዩ! ኣይፋል! ኣይፋልን እወ ከመይ ቃል ኣምላኽ እናተነበ ክተሕሸዅሹዅ እንተጀሚርካ ክተሰምዖ ኣይትኽእል፣ ቀዳማይ ንባብ ካልኣይ ንባብ ምስማክ ወንጌል እናበለ ቃል ኣምላኽ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንበብ ከሎ ጽን ቢልና ክንሰምዕ ልብና ክንከፍት የድሊ! ከመይ እግዚብሔር ባዕሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ፣ ካልእ ነገራት ክንሓስብ ወይውን ብዛዕባ ካልእ ነገራት ክንዛረብ የብልናን! ተረዲኡናዶ! ኣብ ግዜ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ቃል እንታይ ከምዝፍጸም ክገልጸልኩም እየ፣

ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ በዚ ሥርዓት እዚ ወረቀት ምዃኖም የቊሙ እሞ ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ዝወጸ ሕያው ቃል ይኸውን፣ ብማእከልነት ኣንባቢ ዝዛረበናኸስ እግዚእብሔር እዩ ብእምነት ጽን ቢልና ክንሰምዖ ከኣ ይጽበየና፣ ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንደግሞ እቲ ብነቢያት ገሩ ዝተዛረበ መንፈስ ቅዱስ ንጸሓፍቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣስተንፊስሎም እዩ፣ በዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ቃል ብእዝኒ ተሰሚዑ ኣብ ልቢ ከምዝሰርሕ ይገብሮ፣ ኮይኑ ግን ንቃል ኣምላኽ ንክትሰምዕ ክፉት ልቢ ክህሉ የድሊ ከመይ ነቲ ቃል ኣብ ልቢ ኢና እንቅበሎ፣ እግዚአብሔር ይዛረብ ንሕና ጽን ቢልና ንሰምዕ ነቲ ዝሰማዕናዮ ከኣ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ ትጽቢት ይንበረልና፣ ጽን ኢልካ ምስማዕ ብዘይ መጠን ኣድላዪ እዩ፣ ሓንሳእ ሓንሳእ ክብድ ዝበሉ ንባባት ክኾኑ ከለው ክንርድኦም የጸግመና እዩ፣ ኮይኑ እግዚብሔር ብመንገዱ ከምዝዛረበና ዘይምዝንጋዕ፣ ሰጥ ኢልና ብጸጥታ ክንሰምዕ ኣሎና፣ ነዚ ኣይትረስዑ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንባባት እንክጅምሩ ቃል እግዚብሔር ኢና እንሰምዕ፣

ናይ ሕይወት ሕቶ ስለዝኾነ ቃል ኣምላኽ ክንሰምዖ ኣሎና! ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር እንታይ ደኣ ካብ ኣፍ እግዚብሔር ብዝወጽእ ቃል’ (ማቴ 4.4) ዝብሎ እዩ፣ እዚ ሕይወት እዚ ቃል እግዚአብሔር ዝህበና ሕይወት እዩ፣ በዚ ኣገባብ እዚኸስ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ እንክንዛረብ ብዛዕባ እቲ እግዚብሔር ንመንፈሳዊ ሕይወትና ክምግብ ዝቅርቦ መኣዲ ኢና እንዛረብ፣ እዚ መኣዲ እዚ ብጣዕሚ ሰፊሕ ንኩሉ ዝኸውን ኮይኑ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነጽፍ መዝገብ ወወሲዱ ይቅልበና፣ እዚ ከኣ ብሉይ ኪዳንስ ይኹን ሓዲስ ኪዳን እዮም ከመይ ኣብ ክልቲኡ ብቤተክርስትያን ዝብሰር ሓደን ፍሉይን ዝኾነ ምሥጢረ ክርስቶስ እዩ፣ ኣብዚ ቤተክርስትያና ሰሪዓቶ ዘላ ኣምሳል ተመሳሰልቲ ወንጌላት ማለት ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ንሰለስተ ዓመት ዝዘውር መስርዕ ቃለ እግዚብሔር ሰሪዓ ንምሉእ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ይቅልበና፣ እዚ ከኣ ዓቢ ሃብቲ እዩ፣ ኣብዚ ክዝክሮ ዝደሊ እቲ ድሕሪ ቀዳማይ ንባብ ነቅርቡ ጸሎተ መዝሙረ ዳዊትን ኣድላይነቱን እዩ፣ ናይዚ ክፍሊ ስራሕ ነቲ ቀቅድሚኡ ዝተነበ ንምስትንታን ክሕግዝ ተባሂሉ ዝተቀረበ ብቃል ኣምላኽ ዝቀርብ ምስጋናን ልመናን እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ቅዳሴ ዝእዝዞ ነቲ መዝሙረ ዳዊት ከም መዝሙር ንምቅራብ እንተወሓደ ነቲ ኣዝማጭ ምድግጋም ኣድላዩ እዩ፣ ነዙይ ንባባት እዚ ምእዋጅን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝተዋጽኡ መዛሙር ምዕጃብን ነቲ ናይ ቤተክርስትያን ውህደት ይገልጽ ንጉዕዞ ናይ ነፍስወከፍናን ናይ ኩሎምን ከኣ የደልድል። በዚ ከኣ ገሊኦም ዝፍትንዎ ንንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ብካልእ ክትክኡ ንዝፍትኑ ንውግዝ ንኽልክል፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ጋዜጣ ሒዞም መጺኦም ገለ ሓዲስ ዜና እንተሎ የንብቡ ዝብሉ ሰሚዔ፣ እዚ እሞ ፈጺሙ ክኸውን ዘይብሉ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ቃል ኣምላኽ እዩ መተካእታ የብሉ መወዳድርቲ የብሉ፣ እንተደለኹም እቲ ጋዜጣ ደሓን ተንብብዎም እምበር ኣብ ቤተክርስትያንሲ ቃል ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዝንበብ፣ ዝዛረብ እግዚእብሔር እዩ፣ ነዚ ቃል ኣምላኽ ብካልእ ክትክእ ምፍታንከስ ነቲ ሕይወት ዘሪኡ ፉሕ ፉሕ ዝብል ኣብ መንጎ እግዚብሔርን ሕዝቡን ክኸውን ዘለዎ ርክብ ጸሎት ይዕንቅጾ፣ በንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ቃል ኣምላኽ ዝንበበሉ ቦታስ እቲ መጽሓፍ ወይ ግጽው ብሥርዓት ዝተሓዝ ክብረት ዘለዎ ኮይኑ ንፉዓት ኣንበብትን ዘየምቲ መዝሙረ ዳዊትን ክህልው ከኣ ናይ ግድን ይኸውን፣ ጽቡቕ ዘንብቡ ክድለዩ ኣለዎም እንተዘየሎ እቶም ከም ምንባብ ዘንብቡ ግን ምንም ዘይስምዑ ነቲ ቃላት ዝውሕጡ ኣየድልዩን እዮም፣ ከመይ ምንም ኣይስምዑን ገለ እኳ ክትርዳእ ኣይትኽእልን፣ ንፉዓት ኣንበብቲ ምስ ተረኽቡ እውን እንተኽዕነ ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሩ ክሓልፍዎን ክፍትንዎን ኣለዎም በዚ ከኣ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ጽቡቅ ገሮም ከንብቡ ይኽእሉ፣ እዚ ከኣ ጽን ኢልካ ናይ ምጽማዕ ሃዋሁ ይፈጥር፣

ቃል ኣምላኽ ንከይንጠፍእ ኣድላዪ ሓገዝ ዘወፍየልና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ከምቲ ዘማራይ ነዚ ተረዲኡ ናብ ኣምላኽ ቊሊሕ ኢሉ ‘ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።’ (መዝ 119.105 ዝብሎ እዩ ነገሩ፣ ነዚ ብድኻምን ፈተናን መሊኡ ዘሎ ናይዚ ምድራዊ ሕይወት መንፈሳዊ ንግደትና ብቲ ብሥርዓተ ኣምልኾ ኣቢሉ ዝወሃበና ቃሉ ብቀጻሊ ከይተመግብናን ከይበራህናን  ብከመይ ክንዋጽኦ ንኽእል!

ርግጽ እዩ ብእዝኒ ምስማዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን! ፍረ ንከፍሪ ንክነፍቅደሉ ነቲ ዘርኢ መለኮታዊ ቃል ኣብ ልብና ክንቅበሎ የድሊ፣ ነቲ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን ብምዝካር ከኣ ኣየናይ መሬት ኮን እኸውን ኢልና ምስትንታን የድሊ (ማር 4,14) እቲ ንክትቅበልን ንክተፍርን ዝሕግዝ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንክትሰርሓሎምን ንከትፍርየሎምን ክፉታትን ስንድዋትን ዝኾኑ ልብታት ይደሊ፣ በዚ ከኣ  እቲ ኣብ ቅዳሴ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ዝብሎ ‘ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።’ (ያዕ 1.22) ገበርቲ ቃሉ ክንከውን፣ ቃል እግዚብሔር ኣብ ውሽጥና ምስ ኣተወ ሓደ ጉዕዞ ይገብር፣ ብእዝንና ምስ ሰማዕናዮ ናብ ልብና ይሓልፍ! ኣብ እዝኒ ክተርፍ የብሉን ናብ ልቢ ግድን ክሓልፍ ኣለዎ፣ ካብ ልቢ ከኣ ናብ ኣእዳውና ይሓልፍ እሞ ሠናይ ተግባር ይኸውን፣ ቃል እግዚብሔር ዝገብሮ ጉዕዞኸስ እዚ እዩ፣ ካብ እዝኒ ናብ ልቢ ካብኡ ናብ ኣእዳውና፣ ነዚ ነገራትዚ ንመሃሮ፣ እግዚብሔር ይሃበለይ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.