2018-01-31 16:49:00

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኣገዳስነት ልልያ ንናይ መራዑት ሕልና የተሓሳስቡ


ዕለት 30 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ናይ 2018 ዓ.ም. ምጅማር ዕዮ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ኣባይቲ ፍርዲ ደያኑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

ቅዱነቶም፥ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ደያኑ ኣፈ ጉባኤ የኔታ ፒዮ ቪቶ ፒንቶ ንደያኑ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ኣቦና ፊት ኣቕሪቦም  ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል ምስጋና ኣስዒቦም፥ እዚ ሮማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰብ ቃል ኪዳን እቲ ዝተቐበልዎ ምስጢረ ተክሊል ብጥልቂ ከስተንትኑን ኣብ ተክሊላዊ ቃል ኪዳን ጉዕዞኦም ንጸጋ ዕጽዋት ከይኮኑ ዝድግፍን ዝሃንጽን ክኸውን ዝብል ቃል ኣማእኪሎም፥ ዝተኣስረ ተክሊካዊ ቃል ኪዳን ፍትሑ ወይ  ዘይብቕዕ ዝብል ፍርዲ እትህቡ፥ ናይ ምእመናን ክርስቲያን ሕልና ብጥልቂ እተፈልጡ ኰይንኩም ኢኹም እትቐርቡ፡ ስለዚህ ምስ ናይ ከባቢ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ካህናትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ዘገልግሉ ዓለማውያን ምእመናን ብምትሕባር እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰብ ቃል ኪዳና  ንጸጋ እግዚኣብሔር ዕጽውት ከይኮኑ እትሓንጹ ኢኻትኩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቦሶሎ ኣስዒቦም፥

ቅዱስነቶም ኣብቲ ማእከላውነት ሕሊና ኣተኵይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ተልእኾኹም ንናይ ሕልና ሰላም እዩ። ስለዚህ ኣገልግሎትኩም ምልኣተ ሕልና ይሓትት። ዝተኣስረ ምስጢረ ተክሊል ፍቱሕ ወይ ከኣ ዘይብቑዕ ቢልኩም ቅድሚ ፍርዲ ምሃብኩም ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ፍሉጥ ዝዀነ ኣብ ርግጽነት ግብረ ገብን ሕልናኹምን ተራኽቦነት ክህሉ መለኰታዊ ሓገዝ ተማሕጸኑ። በዚ መገዲ’ዚ ጥራሕ ኢኹም ናብቲ ዝተቐደሰ ሕልና ምእመናን ክትኣትዉ እትኽእሉ፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ፥

ተኸታሊቀዱስ ጴጥሮስን ኣበው ሲኖዶስን ንብዙሕ ዓመታት ብኹራት ኰይኖም ንዝጸንሑ ሕልናኦም ዓቢሶም ንዝጸንሑ ምእመናን ሕቶን ትጽቢታትን ጽን ምባልን ምስማዕን ዘለዎ ኣገዳስነት ፈልዮም ነዚ ኵሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጓሶት ከስተውዕልዎን፡ ደሓር እውን እቶም ምእመናን ንቤተ ክርስቲያን ኣቤት ብምባሎም ምኽንያት ብእግዚኣብሔር ተሓጊዞምን ሕይወቶም ዳግም ብርሃን ብምርካብ ናይ ሕልና ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ክድግፍዎም ከምዝግባእ የተሓሳስቡ።

ናይ ምስጢረ ተክሊልን ኣባይቲ ስድራን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘካይዱ ካህናትን ተሓባብርቶምን፡ ሕጹያት እቲ ክርስቲያናዊ ሕልና ዝዀነ ቤተ መቕደሳዊ ውሳጣውነቶም ክሓንጹን ክዕቅቡን መታን ከምኡ እውን ከም መደብ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ክሃንጹ ዝድግፉ ክዀኑ ይግባእ። ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ንሕጹያት ብዘይ ፍርሒ ብዛዕባ እቲ ልልያን ናብቲ መጻኢ ቃል ኪዳናዊ ሕይወቶም ንምእታው መታን ዝኽእሎም ድጋፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክቐርበሎም ይግባእ። ስለምንታይ ቀጻሊ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ተመክሮ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ። መንእሰያት ብዘይ ፍርሒ ዘቑምዎ ቃል ኪዳናዊ ሕይወቶም ንእግዚኣብሔርን ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ዓቢይ ታሕጓስ ንዝዀኑ ውላድ ክፉታት ክዀኑ ምስ ሕልናኦምን ብርግጸይናነትን ርግኣትን ክውስኑ ስለ ዘለዎም እዩ ከምዝበሉ ዲ ቦሶሎ ኣፍሊጦም።

መንእሰይ ወለዶ ጽኑዕ ዕማም ክሕዝ መታን ክድገፉ ኣለዎ፡ እዚ እዩ እቲ ዛዕባ መርዓን ስድራ ቤት ኣማኺሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ከይድን ዕላማን።

መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ኣእምሮን ሕልናን ንውልቃውን ማሕበራውን ረብሓ ከይጽመዱ ዝድርኽ ካብቲ ጽኑዕ ዕማም ንኸይሕዙ ዘጽምም ጫውጫን ዓውዓውታን ናብቲ ናይ ነጻነት ድምጹን ናብቲ ውሳጣውነቱ ናብ ዝኾነ ቤተ እግዚኣብሔር ክኣቱ እንተድኣ ፈቒዱ ነቲ ዘብርህን ንሕይወት ክፉታት ዝገብረሉን ሕልናኡ ጽን ንኸይብል ካብ ዝድርኰ ኩነት ምድሓን የድሊ

ስለዚህ ብወንጌላውያን ዕሴታት ዝተዀለዔ ክርስቲያናዊ ሕልና ንምሕዋይን ንምክንኻንን ሕጹጽ ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተግባር ክኸውን ኣለዎ። ካብ ቀደም ዝነበረን ብሲኖዶስን ብናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን እውን ዳግም ዝተመልከተ ነቲ ልክዕ ከም ቅዱስ ቁርባን ከምኡ እውን ምስጢረ ተኽሊል ንዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እሙን ምዃን ግድን እዩ። ቤተ ክርስቲያን በዚ መገዲ’ዚ ናይቶም ኵሎም ንምስጢረ ተክሊልን ስድራ ቤትን ናይ ዝተጸውዑ ስነ ኣእምሮኣውን ሃይማኖታውን ከይዲ ከተተኵረሉ ሕጹጽ ኣገዳሲ እዩ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ንመንእሰያትን ንሰብ ሓዳርን ብዛዕባ ጸጋታት ምስጢረ ተክሊል ብውልቅን ጽምድን ኣብ ሕልናኦም ክዕቀቡ ዝድግፍ ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተሓሳሲቦም፥ እዚ ናይ ሕልና ክንክንን ሕንጸትን ናይ መጋበርያን ወይ ድማ ጓሶት ፍልዩ ዕማም ዘይኰነስ ናይ ኩሎም ካህናን ጸጋ ጥምቀት ናይ ዝተቐበሉን ሓላፍነት እውን እዩ። ስለምንታይ ምስጢረ ተክሊልን ስድራ ቤትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ መጽኢ ስለ ዝኾኑ፡ ምእንቲ’ዚ ድማ ናይቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ኵሎም ሕልና ንናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ክፉታት መታን ክዀኑ ቀዋሚ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዘተኰረ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሕንጸት ምቕራብ የድሊ ከንዝበሉ ዲ ቦሶሎ ኣፍሊጦም።

            መርዓዊ ውህዶ ሓቂ ዘብሎ ናይቶም መራዑት ሓሳብ ናብ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ድላይ ምስሩቕ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ፡

ናይ ሮማዊት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዳዊ ኣሰራርሐ ቤት ጽሕፈታዊ ምሕደራ ምክንዋን ማለት ኣይኰነ። ስለዚህ እዩ ድማ ኣብ ሕንጸት ሕልና ዝተዋፈረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝፍጸመሉ ስፍራ እዩ ዝበልኩ፡ ዝወሃብ ፍርዲ ኵሉ ቤት ጽሕፈታዊ ዕማም ጥራሕ ክኸውን የብሉን። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ማለት ቤት ጽሕፈታዊ ዕማም ጥራሕ ዝፍጸመሎም ኣብ ምዃን ፈተና እንተድኣ ወዲቖም፡ ንክርስቲያናዊ ሕልና እዮም ዝጻረሩ። ስለዚህ ብዛዕባ ዝተኣስረ ምስጢረ ተክሊል ፍርዲ ንምሃብ ዝግበር ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ቤት ፍርዳዊ ኣሰራርሓ ነዊሕ ጊዜ ዝሓትት ድንጉይ ክኸውን የብሉን ዝብል ውሳኔ ዝሃብኩ።

ናይቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ምእመናን ሕልና እቲ ዝኣሰርዎ ምስጢረ ተክሊል ንጸጋ ዕጽው ከይከውን ምሕጋዝ። እዚ ዕላማ’ዚ ዝብጻሕ ቤቶም ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ተግባርን ብመሰነዪን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብሕልናዊ ልልያን እዩ። እዚ ዓይነት ተግባር’ዚ ብጥበብን ብድልያ ሓቅን ክፍጸም እዩ ዘለዎ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ፍቱሕ ይኹን ዝብል ፍርዲ ዝወሃቦ ምስጢረ ተክሊል ናይ ሕልና ነጻነት ዝህብ

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.