2018-01-30 09:34:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኢየሱስ ብቓልን ተግባርን ብርቱዕ መምህር


ሰንበት ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓዋርያዊ መስኰቶም ኰይኖም ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ምስ ዝቝጸሩ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 1, 21-28 ዝተወስደ ኢየስሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ እትርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ወይ ሲናጐግ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ብጽሔ ንሓደ ርዅስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ከምዝፈወሰ ዘዘንትው ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥

ኣብቲ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ብቓልን ተግባርን ኢየሱስ ከም ተራ ናይ ሕጊ መምህር ዘይኰነስ ከም በዓል ስልጣን ይምህር ነበረ፡ እቲ ናቱ ዓንቀጸ ትምህርቲ ድማ ዓቢይ ስልጣን ዝተመልኤ ነበረ። ብውሑዳት ቃላቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስልጣኑን ሓይሉን ዝኣመነ ሰይጣን ይዕወት። እቲ ዲያብሎስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝበሎ ሓቂ እዩ ኔሩ፡ ስለምንታይ ኢየሱስ ሓይሊ ሰይጣን ከዕንውን ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ክፍኣት መንፈስ ክዕወት እዩ ዝመጸ።

ኢየሱስ ትርጉም ሕይወት የበስርን ናብ መንፈስ ክፍኣት ናጻ የውጽእና

ሓይሉ ነቲ ናይ ትምህርቱ ስልጣን የረጋግጽ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥

ኢየሱስ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን ይፍጽም። ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብስብከታቱን ማእለያ ብዘይብሉ ሓላይ ቆላሕታኡን ንሕሙማንን ንድኻታትን ንሕጻናት ንሓጥኣን ብዘርእዮ ሓልዮት ይገልጾ።

ምምህርና ኢየሱስ ብቓሉን ተግባሩን ብርቱዕ እዩ። መገድታትናን ኣብ ገለ ገለ ጽሉም እዋን ህላዌና ዝኹልዕ ብርሃኑ የራኽበና፡ ዘጓንፈና ጸገምን መከራን ፈተናን ኩሉ ንኽንሰግር ዘድሊ ሓይሊ ይጽገወና። ነቲ ዓቢይ ጸጋ ዝዀነ ነዚ ሓያልን ሰናይን እግዚኣብሔርን እዚ ምፍላጥና ነስተውዕል። መገዲ ዝመርሓና ብፍላይ ኣብ ጽንኩር ኩነት ምስ እንርከብ ዝሓልየልናን ዝከናኸነና መምህርን ብጻይን እዩ።

ምስ በሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ እንከጠቓልሉ፥ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፥ ኣብቲ ጫውጫውታን ዓውታን ኣብ ዝተምልኤ ዓለም ነቲ ሓያል ቃል ወዳ ናይ ህላዌና ትርጉም ዘበስርን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጊልያነትን ካብቲ መንፈስ ክፍኣት እውን ንኽንሰምዕን ጽን ንኽንብል ሓገዛ ንለምን እንክብሉ ምልዶ ማርያም ከምእተማሕጸኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.