2018-01-29 19:05:00

ተስፋ ዝህበናስ ሓሳባትን ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌን ዘይኮንስ እታ ኣብ ማእከል ማይ ኣይሂ ዘላ ኪዳነ ምሕረት ኣደና እያ! ር.ሊ.ጳ


ብባዚላካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ዝፍለጥ ኣብ ሕምብርቲ ሮማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ከተማ ሮማ ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ፣ እቲ መሠረተ ብግልጸት ኣኖና ድንግል ማርያም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘይወቅቱ ከም ምልክት ምርጫኣ ፈኲስ በረድ ወይ ውርጪ ብምውራድ ንፍሉይ ኣኽብሮ ዝተሠርሔት ኮይና እታ ከም ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ተባሂላ እትፍለጥ ኢቆና ንክትሕደስ ኣብ ናይ ከተማ ቫቲካን ሙዘዩም ነዊሕ ድሕሪ ጸኒሓ ትማሊ ብዕሊ ኣብ ቦታ ንክትምለስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስልፕስ ዝመርሕዎ ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ትማሊ ሰንበት ብዙሕ ሕዝቢ ኣብ ዝተሳተፈሉ ዓሪጉ፣

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ንሕና ኲልና ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎ ሕዝበ እግዚብሔር በዘራርባና ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ወይ ጉዕዞ ዝርከብ ሕዝቢ ንምባል እዩ! ኣብ ቤተመቅደስ ኣደና ንክንርከብ ኣብዚ ኣሎና፣ ነቶም ደቃ ዝኾና ናይ ኣደ ህላዌ ኣብዚ ቤተመቅደስ እዚ ናይ ቤተሰብ ገዛ ከምዝኸውን ይገብሮ፣

ኩልና ሮማውያን ብሓንሳብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብዛ ገዛ ወድላዲትና ዝኾነት ገዛ ዕረፍቲ ምጽንናዕ ምክልኻልን ዑቊባን ንረክብ፣ ካብ መጀመርታ ጀሚሮም ሕዝበ ክርስትያን ጸገም እንከጓንፎምን ፈተና እንክብርትዖምን ናብ ኣዲኦም ምጒያይ ስለዝተረድእዎ ከምቲ ጥንታዊ ምልጣን እኖና ድንግል ማርያም ዘመልክቶ ‘ኦ ቅድስት ኣደ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኺ ንምዕቆብ ኣሎና፣ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተና ናይ እርከብ ደቅኺ ደቅኺ ኣይተስተናዕቅዮ ኣንታይ ደኣ ኦ ክብርትን ብርኽትን ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ሓደጋ ሓልውና’ እናበሉ ይጽልዩ ነሮም።

 

ኣቦታትና ኣብ እምነት ዘስተምሃሩና ነገር እንተልዩ ኣብ ግዜ ሓደጋ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ባርኖስ ወላዲተኣምላክ ክንዕቈብ ከምዘሎና ኮይኑ ወትሩ ናብኣ ተመዕቈቡ ዝብል ትምህርቲ እዩ፣  ኣብ ዘመነ ነገሥታትን መሳፍንትን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደትን ጸገምን ዝርከቡ ኣብ ኣንስቲ እዞም ዓበይቲ ሰባት ብምምዕቋብ ባርኖሰን ዘይገሃስ ስለዝነበረ ነቲ ሓታቲ ሓገዝ ወይ ዑቊባ ባርነሰን ዘርጊሐን እንተተቀቢለናኦ እቲ ዑቊባ ቅቡል ነበረ፣ ንእኖና እግዚእትነማርያም ዝምልከት እውን ከምኡ እዩ እታ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኸትን ዝለዓለትን ብፅዕት ድንግል ማርያም ባርኖሳ ዘርጊሓ ወትሩ ምስ ተቀበለትናን ኣዕቆበትናን ኮይኑ ኣካቢትና እያ፣ ነዙ ብጽቡቅ ዝዝክሩ ምሥራቃውያን ክርስትያን ኮይኖም ናይዛ ወላዲተ ኣምላክ ሓለዋ ንምግላጽ ባርኖሳ ዘርጊሓ ንደቃ እትፍውሰሉን ንዓለም ምሉእ እትከላኸለሉን ኢቆና ወይ ስእሊ ብምሓዝ ነቲ ሓለዋ የብዕልዎ፣ ጥንታውያን መነኮሳትውን ፈተና ክብርትዕ እንከሎ ኣብ ትሕቲ ባርኖስ ቅድስት ወላዲተ ኣምልክ ንክዕቈቡን ኦቅድስት ወላዲተ ኣምላክ እናበሉ ክምህለሉን የዘኻኽሩ ነሮም፣ እዚ ኣገባብዚ ናይ ዑቊባን ሓገዝን ምርካብ ውሕስነት ነበረ፣ እዛ ኦ ቅድስት ወላዲተ ኣምላክ ለምንልና ሓግዝና ወዘተ እናበለ ምጽላይ ብዙሕ ግዜ ይደጋግምዎ ነሮም፣

እዚ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ጥበብ’ዚ ኣደ ንእምነት ከምትዕቅብ ርክባት ከይምህምኑ ከምእትሕሉ ካብ ሓደጋ ከምእተድሕን ካብ ፈተና ከምእትሕሉ ንምርዳእ ይሕግዘና፣ ሓደ ቤት ድንግል ማርያም እንተልያቶ ዲያብሎስ ክኣትዎ ፈጺሙ ኣይክእልን፣  እኖና ድንግል ማርያም ቤትና ከም ቤታ እንተኾይኑ ዲያብሎስ ክኣቱ ኣይክእልን፣ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ዘላቶ ፈተናስ ይኹን ፍርሂ ፈጺሙ ኣየሸንፍን፣ እስኪ ሕስብ ኣብልዎ መን እዩ ካባና እዚ ዘየድልዮ! ልብና ክንደይ ግዜ ብማዕበል ከምዝናወጽ ባሕሪ ኮይኑ በቶም ከም ማዕበል ዘናውጹ ጸገማታን ከም ንፋስ ዝሽምበቡ ጭንቀታትን ዘይተሃወኸ! ኣብዚ ጥፋት ማይ ኣይሂኸስ እኖና ድንግል ማርያም ጽንዕቲ ኪዳን ኰይና ውሕስነት ትህበና፣ ምጽንናንዕን ተስፋን ዝህቡናኸስ ርእዮተ ዓለምን ምዕባለ ተክኖሎጅን ዘይኮነስ ቈላሕታ ኣደና ማርያም እዩ፣ እተን ንሕይወትና ዝቅልሳ ፍቁራት ኣእዳዋን እቲ ንዝተበላሸው ዘተኻኽል ባርኖሳ እዮም፣ ዕለት ዕለት ናብ ኣደና ድንግል ማርያም እናኸድና ዑቊባ ምርካብ ንመሃር።

ኣብታ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸሎት ጸሎትና ኣይተስተናዕቅዮ ይብል፣ ንሕና ናብኣ ክንምህለል ከሎና ንሳ ኸኣ ብግዲኣ ምእንታና ትምህለል፣ ብቋንቋ ግሪኽ ግሪጎሩሳ ዝብል ኣርእስቲ ይወሃባ፣ እዚ ከኣ እታ ወትሩ ተማልድ ማለት እዩ፣ ወትሩ ጥራይ ዘይኮነ ብኡ ንብኡ እዩ፣ እዚብኡ ንብኡ ዝብል እቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ድሕሪ ብሥራተ ገብርኤል እኖና ድንግል ማርያም ናብ ቅድስት ኤልሳቤት ዝኸደቶ ዘመልክት እዩ፣ ብቅልጡፍ ብኡ ንብኡ ምእንታና ተማልድ! ኣይትድንጉን እያ፣ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 2.3 እውን ጸገም ናይቶም ሰብ መርዓ ምስ ረኣየት ብዘይ ወዓል ሕደር እያ ወይኒ እምበር የብሎምን ዝበለት፣ ተስፋና እንተተጸንቂቁ ሓጐስና እንተውሒዱ ሓይልና ኩሉ ምስ ተወደኤ ናይ ሕይወትና ኮኸብ ክጽልምት ምስ ጀመረ እንክንምሕጸናንን ኣንክምህለላን ከኣ ወትሩ ከኣ ከምዚ እያ እትገብር። ከይደንጐየት ሽዑ ንሽዑ ትረድእ፣ ፈጺማ ጸሎትና ኣይትኣብዮን እያ፣ ካብ ዝለመናዩ ኩሉ ወላ ሓንቲ ኣብ ምድሪ ኣይተውድቅን፣ ኣደ ስለዝኾነት ከኣ ብኣና ኣይተሓፍርን እያ እኳ ደኣ ንኣና ንደቃ ንክትሕግዘና ጥራይ እያ እትጽበ፣

ነዚ ከረድኣና ዝኽእል ሓደ ፍጻሜ ከዕልለኩም! ኣብ ሓደ ሆስፒታ ሓደጋ ንዘጋጠሞ እሞ ኸኣ ኣብ ብርቱዕ ቃንዛ ንዝርከብ ወዲ ክትኣሊ ኢላ ኣብ ጥቃ ዓራቱ ኮይና ትሕሉ ናይ ዝነበረት ኣደ ታሪኽ እዩ፣ እታ ኣደ ለይትን መዓልትን ኣባኡ ነበረት፣ ሓደ ግዜ ምስቲ ክበጽሖም ዝመጸ ካህን ኮይና ነባጅጎ ክትሓሚ ወይ ክተማርር ጀመረት ከምዚ ከኣ ትብል ነበረት፣ ጐይታሲ ንኣና ነደታት ሓንቲ ነገር ኣየፍቀደልናን! ምስ በለት እቲ ካህን ብምግራም እንታይ በለ፣ እታ ኣደ ድማ መሊሳ ‘ሥቃይ ውሉድና ንሕና ክንጾሮ’ እንክትብል ክንዲ ውሉድ ክሳብ ክንደይ ንክህባ ስንድዋት ምዃና ብዝገልጽ ቃና፣ ልቢ ወላዲ ልቢ ኣደኸስ እዚ እዩ! ብናይ ደቀን ቁስልን ቃንዛን ድኽመትን ኣይሓፍራን እኳ ደኣ ክለብሶኦ ይደልያ፣ ኣደ ኣምላኽን ኣደናን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም እውን ከምዛ ኣብ ላዕሊ ዝተቀሰት ኣደ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና እናሓለወትና ተጸናንዓናን ትፍውሰናን ጸገማትና እውን ትጾሮ፣

እታ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ጸሎት ካብ ኩሉ ሓደጋ ኣድሕንና እናበለ ይምሕጸን፣ ጐይታ ባዕሉ ኣብ ግዜ ጸገምን ሓደጋን ጸግዕን ዑቊባን ሓለዋን ከምዘድሊ ተረዲኡ ኣብቲ ዝጸንከረ ግዜ ኣብ ልዕሊ መስቀል ኮይኑ ነቲ ዘፍቅሮ ረድኡ ከምኡ እውን ንነፍሲወከፍ ረድኡ ‘እነሃ ኣደኻ’ (ዮሓ 19.27) ይብልና፣ ኣደ ብምርጫ እትርከብ እንተደለኻ ትቅበላ እንተደለኻ ትነጽጋ ኣይኮነትን ኪዳን ክርስቶስ እቲ ኣብ መስቀል ቀቅድሚ ሞቱ ዝተላበዋ ውህበት ጸጋ እያ፣ ንሕናውን እንተደኣ ነስተውዕል ኰናስ ከም ሓደ ዕረፍቲ ዘድልዩ ገያሻይ ወይውን ምሕቋፍ ዘድልዩ ሓደ ሕጻን ኣደ ተድልየና እያ፣ ንጉዕዞ እምነት ብዘይ ኣደ ክትገብሮ ምፍታን ዝዓበየ ሓደጋ እዩ ከመይ ብዘይ ምንም መከላኸሊ ከምቲ ብንፋስ ዝውንጨፍ ቈጽሊ ኢኻ ትኸውን፣ ጐይታ ነዚ ኣጸቢቁ ይፈልጦ ስለዝኾነ ኣደ ሂቡና፣ ንመንፈሳው ቊንጅና ወይውን ኣድላይነት መንፈሳዊ ሕይወት ኣልይዎ ዘይኮነስ ኣደ ከም ሓላዊት ጠበቃ ናይ ግድን እዩ፣ እኳ ደኣ ኣብዚ ብፈተና መሊኡ ዘሎ ዓለምና፣ ምፍቃራኸስ ስነጥበብን ስነግጥምን ስነዜማን ኣይኮነን እንታይ ምንባር ወይ ኣድላይነት ሕይወት ምርዳእ እዩ፣ ምኽንያቱ ብዘይ ኣደ ደቂ ክንከውን ወይ ክንውለድ ኣይንኽእልን፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሕና ክርስትያን ደቃ ሰለዝኾና እግዝብሔር ከኣ ኣቦና ስለዝኾነ እትፈቀርና ኢና፣

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ቊ።8 እኖና ድንግል ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ሕዝበ እግዚአብሔር ማርያም ርግጸኛ ተስፋን ምጽንናዕን ቢሉ ይገልጻ፣ እታ ቅዱስ ዳዊት ወወሃኮሙ ትእምርተ ዝበላ ንዓና ትእምርቲ ክትከውን ዝተዋበትና እያ፣ ንዓኣ እንተዘይተኸቲንላ ካብ መንገዲ ንወጽእ፣ ከመይ ንሳ ምልክት መንፈሳዊ ሕይወትና ኮይና ክንስዕባ ዘሎና እያ፣ እዛ ኣብ ምሉእ ዓወት በጺሓ ዘላ ኣደና ነቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ሓደጋን ፈተናን ዝመልኦ ጉዕዞ ንምፍጻም ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ንእንርከብ ደቃ ትእምርቲ ኰይና እትመርሓናን መንገዲ እተመልክተልናን ንሳ እያ! ኣብዚ ጉዕዞ እዝስ ካብኣ ብዝበለጸ መን እዩ ክመርሓን ዝኽእል! እንታይከ ንጽበ! ዋላ ሓንቲ ከምቲ ኣብቲ ስቊል ኢየሱስ ዝነበረ ዮሓንስ እነሃ ኣደኻ ምስ ሰምዔ ብኡ ንብኡ ሒዝዋ ንገዛኡ ኣእተዋ ዝብሎ ንሕናውን ካብዛ ገዛ እኖና ድንግል ማርያም ናብ ገዛና ንዓድማ ኣብ ልባትና ንዓድምና ኣብ ሕይወትና ንዓድማ!  ኣብ ቅድሚ ኩነት ኣደ ተወላዋላይ ወይ ውን ኣደ ዘይብሉ ሕይወት ክንመርጽ ካብኣ ክንፍለ ኣይከኣልን እንዘየሎ መንነት ውሉድ ነጥፍእ ብኡ ኣቢሉ ከኣ መንነት ሕዝበ እግዚብሔር ነጥፍእ በዚ ከኣ ትሕዝቶ ዘይብሉ ብሓሳባትን መደባትን ዝምራሕ ክርስትና ሒዝና ፍቅርን ርሕራሔን ዝጐደሎ ልቢ ዘይብሉ ክርስትና ንነብር፣ ብዘይ ልቢ ፍቅረ የለን እምነት ጥዕምቲ ጽውጽዋይ ትኸውን፣ ኣደ ግን ንደቃ ትሕሉ ተሰናድዎም፣ ተፍቅሮም ትሕልዎም ደቃ ኸኣ ብግዲኦም ነዚ ዓለምና የፍቅርዎን ይሕልውዎን፣ ሃየ እምበኣርከስ ዕለት ዕለት ንዘጓንፈና ጋሻ ኣደ ንኹኖ፣ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኣብ ገዛ እንተደኣ ኣልያ ውሑስ ዑቊባ ኣሎና፣ ንኩሉ ዕለታት ሕይወትና ናብኣ ነማዕቊቦ፣ ፈተና እንከጓንፈና ንማሕጸናን ንማህለላን፣ ኮይኑ ግን ዘድልየና ጸጋ ብኣማልድነታ ምስ ረኸብና ተመሊስና ምምስጋና ኣይንረስዕ፣   

 








All the contents on this site are copyrighted ©.