2018-01-25 16:56:00

መደናገርን ናይ ሓሶት ዜናታት ንምቅዋም ዘኽእል ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ዝቖመ ስምምዕ ኣብ መንጐ ዜጋታትን ተቕዋማትን ክህሉ


ዓለም ሓቆፍ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት ናይ 2018 ዓ.ም. እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኵም እያ (ዮሓ. 8,32) ጋዜጠይናነትን መደናገሪ ዜናታትንብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 24 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ኣብ ናይ ዕለት 24 ጥሪ ፈነወና ሓቢርና ከምዝነበርና ዝዝከር ኰይኑ፡ ብዛዕባ እታ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ 2017 ዓ.ም. መልኽቲ፥ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ” (ኢሳ. 43,5)  ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ኣርእስቲ ዝገበረ ምንባሩ ዘኪሮም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ዝህብዎ ኣርእስትን ትሕዝቶን ናይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን። ነቲ ህልዉ ኩነታት ዓለም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይን ኩነታቱን፡ ብሓጺሩ ኣብ ክውን ኩነታት ማሕብራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ነዚ ክውንነት ብቓል ቅዱስ መጽሓፍ ዘዕሙቕን እዩ ቢሎም፡ እቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ፥ ካብ ኦርት ዘፍጥረት ምዕ. 4 ካብ 1-16, ምዕ. 11፡ ካብ 1-9  ዛዕባ ቃኤልን ኣቤልን ግንቢ ባቢሎንን ዝዛረብ ቃል መንቀሊ ገይሮም፡ ሰብ ኤጐነት ክስዕብ እንከሎ ናይ መራኸቢ ብዙሃን እወታዊ ዑቕር ሓይሉን ክእለት የዘናብል፡ እብራውያን ምዕ 1.1-2፥

ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበበና

መላእ ታሪኽ ድሕነት ማለት እቲ እሙን ብዝዀነ እግዚኣብሔር ወትሩ ዝሕደስን ምስቲ ኣብ እምነቱ ዘይጸንዕ ሰብን ዝጸንዔ ቃል ኪዳን ጸዋዕታን መዘኻኸርን ለቡ ዝብልን ቡራኬን ዝተመልኤ እዩ። ክሳብ እቲ ወዱ ማለት ኢየሱስ ከምቲ እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሕብሮ ሓቂ ዝዀነ ስግው ቃል እቢሉ ተዛረበና። ነዚ ምስ እዋናዊ ኵነት ብምርኻብ ምዃን መራኸቢ ብዙሓን ከመይን እንታይን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ይምዕዱ። ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ዘቕርብዎ ጻውዒት፥

ናይ ሰላም ጋዜጠይናነት ምንቕቓሕ

ዝብል ምዃኑ የኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ሓቢሮም።

ኣነ ሓቂ እየ (ዮሓ. 14,6) እዚ ቃል ሓቂ ዘይጭበጥ ረቒቕ ሓሳብ ወይ ብኣምራውነት ኣይኰነን ዝትንትን። ናይ ክርስቶስ ክልተ ባህርይ እዩ ዝሕብር፡ እቲ ሰብኣውን መለኰታውን፡ ዝደባለቕ ባህርይ ዘይኰነስ ኣብ ሓደ ኣካል ብሓባር ዝነብሩ እያቶም፡ ግልጸት እግዚኣብሔር ኣብ ክርስቶስ ካልኣውነት ኣብ ርክብ ንጹር ዝዀነ ሓቂ ዝዕቅብ እዩ፡ እዚ ሓቂ’ዚ ጥራሕ እዩ ንሰብ ናጻ ዘውጽእ፥ እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኵም እያ (ዮሓ. 8,32) ። ኣንነት ንካልኣውነት ክፉት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ መቓን ዝገበረ ህልዎት ዓይነተይና ርክብ ቅዱስ ኣቦና የተሓሳስቡ፥ በቲ ተራኻብነት ትጽቢት መራኸቢ ብዙሓን ክሓንጽን ወይ ከኣ ክቐትል ከምዝኽእል የነጽሩ። ልክዕ ከም ቃኤልን ኣቤልን ከምኡ እውን ግንቢ ባቢሎንን ዝትንትኖ ታሪኽ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዶስቶቭስኪ ዝበሎ ዝተወከስዎ ቃል፥

ንገዛእ ርእሱ ዝሕስውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሶት ዝሰምዕ፥ ሓቅን ኣብ ውሽጡ ዘሎን ኣብ ከባቢኡ ዘሎን ሓቂ ፈልዩ ከለልይ ዘይኽእል ይኸውን፡ በዚ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርን ናይ ካልኦት ክብርን ዘይብሉ ይኸውን። ንሓደ ክብሪ ዘይብሉ ስለ ዝኸውን ድማ ምፍቃር የቋርጽ፡ ስለዚህ ኣብዚ ናይ ፍቕሪ ምጉዳል ኩነት ገዛእ ርእሱ ትሑዝ ክገብርን ከስግልን ገዛእ ርእሱ ንጽዩፍ ስምዒትን ፍትወትን ኣሕሉፉ ይህብ።  ብምኽንያት ገበናቱ ጸይቂ ወልፍታቱ ድማ ናብ እስንስሳነት ይቕየር። እዚ ከኣ ካብቲ ብቐጻልነት ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን  ካብ ምሕሳውን (ኣብ ሓሶት ምንባርን) ዝምንጨው እዩ።  (I fratelli Karamazov, II, 2)

እምበኣርከስ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ ንመርምር። ሰብኣዊ ርክብ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ሱትፌ ንምንባር ኣገዳሲ ቀጥዓዊ ኣገባብ እዩስለዚ ርክባትና ምሩዝ እንተድኣ ኰይኑ ጠሪሽና እንታይ ዓይነት ሱታፌ ኢና ክንነብር ንኽእል? ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ጸገምም’ዚ ናይ ሓሶት ዜና ወይ መደናገሪ ዜናታት ክውሰዀ እንከሎ እቲ ርክብ ብዝለዓለ መጠን ምሩዝ ይኸውን። ናይ ሓሶት ዜናታት ተምሳል ሓቂ ዝተላበሱ ክዀኑ እንከለዉ ብመሰረቱ መሰረት ኣልቦ እያቶም። ኣብ ናይ ሓሶት ዜና ወይ ዘደናግር ዜና ዘሎ ጸገም ሓቅነት ዘይብሎም ኣብ ምዃን ዘይኰነስ ተምሳል ሓቂ ኣብ ምዃኖም እዩ። ቅዱስ ኣቦና ከምዚ ምዃኑ ድማ ናይ ሓጢኣት ሓደገይና ሳዕቤኑን ቅተለት ሓውን እቲ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ 3. 1-15ን ቀጺሎም እውን ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 4 ዝብሎ ቃል ተወኪሶም እንከረድኡ፥ ሓሶት ሓቂ ክኸውን ዘይኽእል ክነሱ ተምሳል ሓቅን ብቐሊሉ ዝብጻሕ ኰይኑ ይቐርብ። ተጻይ እግዚኣብሔርን ተጻይ ሓውን ሕብረተሰን ተጻይ ፍጥረት ኵሉ ይገብር። ነቲ ሓሶት ከዋዊልካን ኣጸባቢቕካን ከም ሓቂ ገርካ ብምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ድዩ ኣብ ማሕበራውን ካብኡ ብዝገደደ ጽልእን ውጥረትን የተኣታትው። ምእንቲ’ዚ ናይ ሓሶት ዜና (ኣደናጋሪ ወረ) ሰላሕታውን ተመናውን እዩ። እዚ ምስ መርበባውያን ሓበሬታ ኣዛሚድካ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ገለ ገለ ብመረብት ሓበሬታ ዝመሓላለፉ ዜናታት ንምቁጽጻርን ጸቕጢ ንምግባርን እዩ፡ እዚ ኸኣ ጽልእን ዘይምቅብባልን ዘይምክእኣልን የስዕብ።

ናይ ሓሶት ዜናታት ካብ ቅድመ ፍርድን ካብ ጉድለት ናይ ምስማዕ ብቕዓትን እዩ ዝነቅል። ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ ድማ ናይ ሓሶት ዜና ዝፍውስ ጸረ መርዚ ብሓቂ ንምጻሕ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃድ እዩ። ስለዚህ ናይ ሓሶት መደናገሪ ዜናታት ንምብዳህ ገና ካብ መበቆሎም ንምቅዋም ሓቂ ምስማዕን ዘተን ሰብኣዊ ብስለትን ክብ ምባል የድሊ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1972 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ መራኸቢ ብዙሓን ነገልግሎት ሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ፥ ሰብ ካብዚ ንላዕሊ ክርስቲያን እውን፥ ሓቂ ናይ ምድላይ ጻዕሪ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልስፍናዊ ወይ ኣብ ናይ ካልእ ዓይነት ብቕዓት ስነ መጽናዕቲ ንዛእ ርእሱ እንተሓደገ ገዛእ ርእሱን ሰብኣዊ ክብርን ከምዝሃስይ ይሕብሩ።

ናይ ጋዜጠይናታት ዓለም እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ለበዋ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎ ሓላፍነት ክፍለጥን ኣብቲ ዘለዎ ሓላፍነት ኣርጊጹ ነዚ ጉዳይ’ዚ ክዝትየሉን ክመያየጠሉን ይግባእ። መራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ ክብርን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን ዝብል ኩሉ፡ መራኸቢ ብዙሃን ጽን ዝበሃለሉን ናይ ዘተን ርክብን መድረኽ እዩ ኽኸውን ዘለዎ። መራኸቢ ብዙሓን ናይ ገዛእ ርእሱ ሙያዊ መምርሒ ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ክውን ነገር ክገልጽን ህልው ኩነታት ከመሓላልፍን ብተምሳል ሓቂ ወይ ከኣ ፍርቂ ሓቂ ገይሩ ዘይኰነስ ብትኽክል እዩ ከቕርብ ዘለዎ፡ ስለዚህ መደናገርን ናይ ሓሶት ዜናታት ንምቅዋም ዘኽእል ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ዝቖመ ስምምዕ ኣብ መንጐ ዜጋታትን ተቕዋማትን ክህሉ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.