2018-01-22 09:42:00

ቅዱስ ኣቦና ንሰበ ስልጣናት፥ ዕንወትን ምግባረ ብልሽውናን ኣይፋል ብምባል ተስፋ ንከላኸል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ፐሩ ሰዓት ኣቆጻጽራሰዓት  02.30 (ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድማ ሰዓት 08.30 ናይ ምሸት) ካብ ፑወርቶ ማልዶናዶ ተሰናቢቶም ብነፋርቲ ድሕሪ ናይ ሓደ ስዓትን 35 ድቓይቕ ጉዕዞ ሊማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብናይ ፐሩ ሓይሊ ምክልኻን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ሓላፊ ጳጳስን ብናይ ሓይሊ ኣየርን ባሕሪ ሓይልን ኣጋር ሓይልን ሓይሊ ጸጥታ ኣዘዝትን በቲ ናይ ሓይሊ ኣየር መዕርፎ ነፈርቲ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መንፈሳዊ ምብጻሕ ምስ ኣካየዱ ብቐጥታ ምስ ናይ ፐሩ ናይ መግንስትን ፖለቲካን ሰበ ስልጣናትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ምሁራት ኣካላትን ኣብ ፐሩ ናይ ወጽኢ ሃገራት መግንስታት ልኡካን ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ንኽረኸቡ ናብ ሕንጻ ቤተ መንግስቲ ከምዝኸዱን ኣብ ኣፈት ቤተ መግንስቲ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ፐሩ ርእሰ ብሔር ፐድሮ ፓብሎ ኩችዝይንስኪን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባብላ አገይርሎም ንኽብሮም ክቡር ዘበዐይና ቤተ መንግስቲ ክቡር ሰላምታ ምስ ኣቕረበ ናብቲ ቤተ መግንስቲ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ በጺሖም ናይ ክብሪ ቦታኦም ምስ ሓዙ፡ ኣቐዲሞም ናይ ፐሩ ርእሰ ብሔር ኩችዝይንስኪ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ናይ ኣኽብሮም መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥

ክቡር ርእሰ ብሔር

ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ፐሩ ናይ ወጻኢ ልኡካነ መንግስታትን

ሓለፍቲ በርገሳውያን ማሕብራትን

ክቡራትን ክቡራንን

እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘበገሱ ቅዱስ ኣቦና ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ ኣማዞን ከባቢ ምስ ደቀባት ዘካየድዎ ርክብ ብሓሴት ልቦም ተመሊኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዘካየድዎ ርክብ ናይ ዕለቱ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ሓዋርባዊ ምብጻሕ አምደቦም ከምዝዛዘሙን፡ ኣብዚ ምስ ላዕለዎት ኣካላት ተራኺቦ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

ናብ ፐሩ ብተስፋ ሕቡራት ብዝብል መርሆ ተሰንየ፡ ንመሬት ሃገረ ፐሩ ምጥማት ንገዛእ ርእሱ ናይ ተስፋ ምኽንያት እዩ። ኣብ ተስፋ ሕቡራት። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ሕዝቢ ፐሩ ሕመረት ዝዀነ ኣብቲ ናይ ኣበው ዕሴታት ከም ምእንጋድን ንኻልእ ምኽባርን ነታ መሬት ኣደ ዘሎ ኣኽብሮትን ንሓድሽ ምዕባለ ዘተኰረ ብቕዓት ምህዞነትን ምስቲ ምትሕብባር ዝብል ብዙሕ ግዜ ተኸሲቱ ኣብ ዝነበረ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ እዋን ዝተገልጸን ዝተነብረን ዕሴት ዝተኣሳሰረ ኵለንተናዊ ማሕበረሰብኣዊ ምዕባለ መሰረት ካብ ዝዀነ  ባህላው ብዙህነት ዝተበገሰ እዩ።

ሕዝቢ ፐሩ ኣብ ሓድነት ይጽናዕ፥ ቅዱስ ኣቦና እቲ ካልእ ናይ ተስፋ ምኽንያት ድማ ኣብቶም ሕልምታትን ውዕዉዕ ስምዒትን ሒዙ ኣብ ዝጓዓዝ መንእሰይ ወለዶን ኣብቶም ፐሩቪያን ናይ እምነት ቅዱሳት ንመላእ ላቲን እመሪካ ኣብነት  ምዃኑ እንከመልክቱ፡

ብሓቂ ናይ ተስፋ ምኽንያት እንብሎም ብዙሕ ምዝርዛር ዝከኣል እዩ። ፐሩ ናይ ተስፋን ናይቲ ሕዝቢ ብዘይኣፋላላይ ክዕቅቦ ዝግብኦ ነቲ ኩሉ ናይ ተስፋ ምኽንያት ክዕቅብን ክከላኸልን ንዝተጸውዔ  ሕዝቢ ሓድነት በዳሂት መሬት እያ። ስለዚህ ምግባረ ብልሽውናን ዕንወትን ከይክሰት ንምግባር ዝከኣል እዩ፡ ከይክሰት ዝበር ጻዕሪ ድማ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ።

ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምዕባለ ንጸረ ግብረ ምዝመዛ መሬት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ኣብ ፐሩ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም ዝብል ኣብ ልዕሊ ምሬት ፐሩ ዝወርድ ሓደጋ፥ ምብራስ እቲ ንሕወታዊ ተራኽቦነት ዝሃስይ ዝተፈላለዩ ሕይወታውያን ሃብቲታት ዘጽንትን ብጠቕላላ ነቲ ውዱዕ ስነ ምህዳራዊ ቅውምታ ዘዛብዕ ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ናይ ምብራስ ተግባር ዝብሉ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ስግኣት ዘርዚሮም እምበር ከስ ይብሉ ነቲ ድሮ ዝተሰግሮ ከይዲ ምዕባለ ዝትክእ ኣብ ፍጥረትን ተፈጥሮም ጉድኣት ዘየብጽሕ ኵለንተናዊ ምሉእ ምህዳራዊ ምዓበለ ምንቕቓሕ የድሊ። እዚ ማለት ድማ ናይ ከባቢ ሕዝብታት ምኽባርን ጽን ምባልን ኣፍልጦ ምሃብን ይሓትት ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ደቀባትን ናይ ከባቢ ሕዝብታትን ምስ መሬት ቀጥተይና ርክብ ዘለዎም እያቶም ስለዚህ ናይ ከባቢኦም ጊዜን ዘለዎ ስግኣትን ኩሉ ዝፈልጡ ክነሶም ንኣኣቶም ዘይምስማዕ ሓደጋ እዩ ዘስዕብ። ዕንወት ምህዳር ብቐጥታ ምስ ናይ ሕብረተሰብ ግብረ ገባዊ ውድቀት ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚህ ስነ ምህራድን ግብረ ገብን ዝተኣሳሰሩ እያቶም። ቢሎም ንኣብነት ስርዓት ኣልቦ ምዝመዛ ጸጋታት ሃገር ናይ ብዙሓታ ዜጋታት ሕይወት ንሞት ይዳርግ ኣግራብ የባድም ወሓይዚ ናብ ስእነት ማይ የስግር፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽ ጉልበት ሰብ ዝምዝም ሓድሽ ጊልያነት የስፍሕ ናይ ሕዝብን ሃገርን ክብሪ ንሓደጋ የቃልዕ

ናይ ግልጽነት ባህሊ ጸረ ህዋስ ምግባረ ብልሽውና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም

እቲ ካልእ ምህዳራዊ ዕንወት ቀስ ብቐስ ማሕበራዊ ሕይወት ዝብክል ንብዙሓት ዝለክፍ ዓይነት ህዋስ ኰይኑ ምግባረ ብልሽውና ዝበሃል ህዋስ ይራብሕ። እዚ ዓይነት ማሕብራዊ ፌራ ንዅላትና ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ ተስፋ ንምክልኻል ምሕባር፡ እዚ ማለት ድማ ግልጽነት ዝብል ባህሊ ኣብ ኩለን ናይ መንግስትን ናይ ግልን ትካላት ኣብ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ኵለን ማሕብራት ኣቢያተ ክርስትያን እውን ምስፋሕ የድሊ። ካብዚ ከይዲ’ዚ ወጻኢ እየ ክብል ዝኽእል ማንም የሎን። ምግባረ ብልሽውና ምእላይ ዝብል ጻዕሪ ናይ ኵሉ ምትሕብባርን ሱታፌ ይሓትት።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ ምስ ሃገር እያ ስለምታይ ፐሩ ንዅሉ ቦታ ክህልዋ መታን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ፡ ሃገራዊ ሓድነት ምትብባዕ እዩ። ናይ ተስፋን ኵሉ ዕድል ዝረኽበሉ ንገለ ገለ ዜጋ ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ወዲ ሃገር ዝረብሓላ ሃገር ክትከውን ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎታ ተቕርብ።

እቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ተቕዋም ኣብ መርሕነት ዘለዉን ሓላፍነት ዝተቐበሉን ፐሩ መሬት ተስፋን ዕድልን እዩ ካብ ዝብል እምንቶ ዝምንጨው ውሕስነት ንሕዝብኹምን መሬትኩምን ከተቕርቡ አተባብዕ፡ ንኹሉ ፐሩቪያን፡ ኩሉ ዜጋ ሃገረ እያ ዘብሎን ወጻእተይና ኰይኑ ዘይስምዓላ ሕውነታውን ማዕርነትን ዝዓሰሎ ርክብ ምስ ብጻዩ ዘረጋግጸላ ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝድግፍ ዜጋ ዝዀነላ መጻኢ ሕይወትካ እትኽውነላ ሃገር። በዚ መገዲ’ዚ ኩሉ ቦታ ዝረኽበላ ቃል ዝተኣትወ ናይ ፐሩ ሕይወት ዝኽወነሉ ቦታ ክህልዎ ዘብቅዖ ሕንጸት ሃገር ምርግጋጽ

የቐንየለይ እንክብሉ ዘረባኦም ዛዚሞም ብናይ ፐሩ ርእሰ ብሔር ተሰንዮን ንሓጺር ከሌኣዊ ክርብ ናብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ከምዝኸዱ ኣብቲ ርክብ ድማ ናይ ገጸ በረከት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ቅዱስነቶም ንሰራሕተይናታት ቤተ መግንስቲ ባሪኾም ብኽብሩ ካብ ቤተ መንግስቲ ከምእተሰናበቱ ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.