2018-01-19 16:48:00

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ወሲብ ዓመጽ ምስ ዝተጠቕዑ ዜጋታት ዘካየድዎ ርክብ


ዕለት 16 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕዝባዊ ስፍራ ኦሂግኒስ ዲ ሳንቲያጎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ርብዕን ምስ ኣብቅዑ ብናይ ቺለ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድማ ፍርቂ መዓልቲን ርብዕን ክኸውን እንከሎ፡ ንምሳሕ ናብቲ ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝዓረፍሉ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ከይዶም ድሕሪ ምሳሕ ምስቶ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ምስ ዝዀኑ ዜጋታት ከምእተራኸቡን ኣብቲ ርክብ ብጀካ ቅዱስነቶምን እቶም ዜጋታት ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽን ካልእ ማንም ከምዘይተሳተፈ ንቕዱስነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዘሰንዩ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም ታሪኽ ናይቶም ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዀኑ ዜጋታት ሓደ ብሓደ ቃሎም ምስ ሰምዑ፡ ዝስምዓኒ ስቓይን ሓፍረት ወጻኢ እንታይ’ሞ ክብልየ ቢሎም ይቕረታ እሓትት ከምዝበሉ ዝሓበሩ ቡርከ ኣስዒቦም ዕለት 16 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንመንግስትን በርገሳው ማሕበራት ሓለፍትን ኣብ ቺለ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣካላት ልኡካነ መንስግታትን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥  እቲ ምድናቕን ንጽሕናን ዝገልጹ ኣዕይንቶም ቋሕ ኣቢሎምን ካባና ንብሩህን ክቡርን መጻኢ ጭቡጥ ምክንኻንን ኣኽብሮትን ዝሓቱ ናብ ዓለም  ዝኣትዉ ሕጻናት ጽን ምባል፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዘ እቲ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ጊዜ ኣብ ልዕሊ እዞም ዕሸላት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘሕደረለይ ዓቢይ ስቃይ ከይዘከርኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ግቡእ ስለ ዝዀነ ድማ ምስቶም ብማዕርገ ጵጵስና ኣሕዋተይ ምስ ዝዀኑ ሓቢረ ይቕረታን ምሕረትን እሓትትን ብምሉእ ሓይሊ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናት ክንድግፍን ቃል እንክኣትው፡ ከምዚ ዓይነት ጸያፍ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዳግም ከይክሰት ቀድሚምካ ኣብ ምጥንቃቕ ክዕየይ እተሓሳስብ  እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.