2018-01-11 16:23:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ናብ ቺለን ፐሩን ከም ናይ ወንጌላዊ ሓሴት ነጋዲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 15 ጥሪ ክሳብ ዕለት 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቺለን ፐሩን ዘካይድዎ መበል 22 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ዕለት 9 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ናብ ክልቴኣተን ሃገራት ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡

ቅዱስነቶም፥ ፐሩቪያንን ቺላውያንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥

ኣብ ሃገራትኩም ዘካይዶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ኣቐዲመ ሰላምታይን ዘሎኒ ፍቕርን ከገልጸልኩም እፈቱ፡ ናይ ጐይታ ሰላም ምሳዅም ክቋደስን ኣብ ናይ ጐይታ ሰላም ዘሎና ተስፋ ከጽንዓኵም ሰላምን ተስፋን ንምክፋል ከም ነጋዲ ናይ ወንጌል ሓሴት ናባኹም አብል። ።

ምሳኹም ንምራኻብ ባህጊ ኣሎኒ፡ ቀሪቢ ገጽ ንገጽ ክራኸበኩምን ዓይኒ ንዓይኒ ክንረኣኣይን ወጅሂ ሕዝብን ስልጣናትን ክርእይን በዚ ምርኻብ’ዚ ድማ ኵልና ብሓባር ነቲ ኣብ ሕቑፉኡ ዘንብረናን ዘጸናንዓናን ቅርበትን ሓልዮትን ምሕረትን እግዚኣብሔር ክንምከርን ባህገይ እዩ። ነቲ ህርኩት ጻዕርታትኩም መስዋዕትነት ዝተመልአ ናይ ሃገራትኩም ታሪኽ ብቕረበ ዝፈልጦ እዩ። ስለ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኩም እምነትን ንእግዚኣብሔርን ብጻይን ድኻታትን ብፍላይ ነቶም ብሕብረተሰብ ዝተናዕቁን ከም ውዳቕ ዝርኣዩን ዝተነጸሉን ዝተረስዑን ኣሕዋት ዘለኵም ፍቕሪ  ምሳዅም ሓቢረ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ከቕርብ ድላይ ኣሎኒ፡

እቲ ከም ውዳቕ ዝሓስብን ዝንጽልን ባህሊ ንከካቢና እዚዩ ይገዝእን ይወርርን ኣሎ። ሓጐስኩምን ሓዘንኩምን ጸገማትኩምን ተስፋታትኵምን ምሳኹም ሓቢረ ተመክሮይ ክገብሮ ድላይ ኣሎኒ። እዚ ድማ ንበይንዅም ከምዘይኰንኩም ር.ሊ.ጳጳሳኣትን መላእ ቤተ ክርስቲያን ምሳዅምን ኣብ ጐድንዅም ከምዝዀኑን መላእ ቤተ ክርስቲያን ከምእተእንግደኩምን የዕንታ ኣባኹም ከምእተንብርን ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

እቲ እዚዩ ዘድልይ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሰላም ምሳኹም ሓቢረ ከስተማቕር ባህጊ ኣሎኒ። ንሱ ጥራሕ እዩ ሰላም ክህበና ዝኽእል። ክርስቶስ ዝህበና፡ ንኵላትና ዝጽግወና ንዕለታዊ ናብራና መሰረት ዝዀነን ኣብ ፍትሕን ኣመት ሱታፌን ውህደትን ክንረክብ ዘብቅዓና ሰላም ክርስቶስ ዝህበና ጸጋ እዩ። ብዘይ ምስልካይ ወትሩ ሰላሙ ንለምኖ ንሱ ድማ ክጽግወና እዩ።

ምስ ክርስቶስ ምራኻብና ኣብ ተስፋ የጽንዓና። ኣብ ናይ ዓለም ነገራት ኣይነመልሕ፡ ጠመተና ክንየው የብል። የዕንትና ኣብቲ ሓሳር ኵነትና ዝፍውስ ምሕረቱ ነንብር። ንይ ወንጌል ሓሴት ልኡካን ክንከውን ዘተባብዓንና ኣባና ናይ እምነት ጸጋ ኣንቢሩ ናብ ምርኻብን ናይታ ኣሓቲ እትበዓልን ዝተጸገወትናን እንካፈላ እምነት ሱታፌ ክህልውና ዘብቅዓና ሰላም ካብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ እዩ። ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ምርኻብ ኣብ ተስፋ የጽንዓና፡ ንሱ ጥራሕ እዩ ተንሲእና ንቕድሚት ክንብል ዘብቅዓና። ነቲ ናይ ጽኑዕ ምሕዝነትን ሕውነትን ዘነቓቕሕ ስጉምቲ ከነበግስን ስለ ነቶም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ህያው ሓለይቲ ብምዃን ዝተሓላለይ ማሕብረሰብ ንምቛም ክንበቅዕ ቅርበት እግዚኣብሔር ንተንክፍ፡ ኣሕዋት ኢና፡ ንሕድሕዳዊ ምርኻብን ምቅርራብን በራቶም ከፊቶም ኣብ እምነትን ተስፋን ንምጽናዕ ዝወጹ ኣሕዋት ኢና።

እዚ ሓዋርያዊ መገሻይን ኣብ ልብና ሕዝናዮ እንጓዓዝ ሓሳባትን ኩሉ ኣብ ኢድ ኣደ ኣመሪካ ቅድስቲ ድንግል እኖ ማርያም አንብር፡ ስለምንታይ ናብ ወዳ ኣቕኒዕና ክንጓዓዝ እትምህረና ሕያወይትን ሓላይትን ኣደ ስለ ዝዀነት።

የራኽበና! ሓደራዅም ስለይ ምጽላይ ኣይትዘንግዑ፡ የራኽበና እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.