2018-01-06 17:05:00

ከም ሰብአ ሰገል ንኮኸብ ክርስቶስ ደኣ ተኸተሉ እምበር ናይ ፈንጠዝያ በራሪ ኮኸብ ኣይተከተሉ! ር.ሊ.ጳ


 ር.ሊ.ጳ 'ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ገለ ክፋል ናይ ምሥራቅ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብዚ ዕለታትዚ እዚ የብዕሉ ኣለው፣ ንኩሎም ካብ ልበይ ዝነቀለ ሠናይ ምንዮተይ እንክገልጽ እዚ ናይ ታሕጓስ በዓልዚ ንሓዲስ መንፈሳዊ ሓይልን ኣብ መንጎ እቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታን መድሓንን ዚኣመኑ ኩሎም ክርስትያን ናይ ሓድነት ምንጭን ይኹን፣' እንክብሉ ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሎሚ በዓለ ኣስትርእዮ ዝተዘከረ እንክኸውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብነት ሰብአ ሰገል ብምስዓብ ከምቲ ንሶም ዝገበርዎ ማለት ነቲ ኮኸብ ክርእዩ ዝኸኣሉ ጉዕዞኦም ዝጀመሩን ገጸበረኸት ዘቅርቡን ንኹን` እንክብሉ ዓሚቊ ስብከት ኣቅሪቦም፣

ብዙሕ ግዜ ይብሉ ቅዱስነቶም ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና ደኒና መሬት መሬት እናረኣና ንኸይድ በዚ ከኣ ዕጉባት ንመስል ኣብ ሰማይ እንታይ ከምዘሎ ንምርኣይ ርእስና ኣይንቃዕርርን፣ ሰብኣ ሰገል ግን ምድሪ እናረኣዩ ክህውትቱን ግዜ ከሕልፉን ኣይደለዩን እንታይ ደኣ ብሓቂ ንክትነብር ልዕል ዝበለ ዕላማ ከምዘድሊ ተረዲኦም፣ ንሰማይ እናጠመቱ ምልክት ሃሰስ እንተበሉ ነቲ ኮኸብ ክርእይዎ ክኢሎም ተጓዒዞም ንንጉሥ ነገሥታት ምስ ረኸብዎ ከኣ ገጸበረኸት ኣቅረቡሉ፣ ድሕሪ ቢሎም ወትሩ ከምዝገብርዎ ነዘን ሰለስተ ቃላት ነቲ ኮኸብ ርኢኻ ምኽኣል ሓፍ ቢልካ ጉዕዞኻ ምጅማር ገጸበረኸት ምቅራብ ነስተንትነን ብማለት በብሓደ ዘርዘርወን።

ኮኸብ ኢየሱስ ዓይንኻ ኣይደጉሕን እዩ! ኣብዚ ዘመን’ዚ ደቂ ሰባት ብቀሊሉ ነባሪ ኣብ ዘይኮኑ ነገራት ደው ክብሉን ኣብኡ ክ ወሓጡን ይረኣዩ፣ ገለ ካብዚ ዕውት ምዃን ሃብቲ ደለብካ ሃብታም ምዃን ብሓደ ሥራሕ ህቡብ ንክትከውን ህቡብነት ክተጥሪ ምቅላስ ክብርን ሥልጣንን ምድላይ ደስታን ፈንጠዝያን ሃሰስ ምባል እንክኸውን እዚ ግን ንግዜኡ ዘብለጭልጭ ከም በራሪ ኮኸብ ንሽዑ ብልጭ ኢሎም ዝጠፍኡ እዮም፣ ከምቲ በራሪ ኮኸብ ብልጭ ኢሉ ዝወድቅ ክንዲ ዝመርሓካ ዓይንኻ ደጒሑ ኣይሽንኳይ ክመርሓካ ነታ ዝነበረትካ ንእሽቶ ኣንፈት ህልም ኣቢሉ የጥፈኣልካ፣ ናይ ጐይታ ኮኸብ ግን ንክትርእዮ ባህ ዘብል ዘይደጉሕ ብርሃን ዓዲሉ ወትሩ ምሳኻ ብምዃን ብኢድካ ሒዙ ይመርሓካ፣ በዚ ከኣ ሕይወትካ ብሩህ ይኸውን፣

ሰብኣ ሰገል ቁሩብ ይዛረቡ ብዙሕ ግን ይጐዓዙ! ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት እዝን ከምዝን ክትገብር ኣሎካ ዝብል ነዊሕ ትምህርትን ዝርዝር ነገራትን ኣየድልየካን እንታይ ደኣ ሓፍ ኢልካ ምክታል ጥራይ እያ፣ ከምቲ ናይ ኣቦና ኣብርሃም ካብቲ ዘሎኻዮ ምውጻእ እዩ ዘድሊ፣ ሓፍ ኢልካ ምስዓቡ ጉዕዞኻ ምጅማር ጥራይ እዩ ዘድሊ፣ እዚ ግን ጥጡሕ መንገዲ ኣይኮነን ሓደጋ ናይ በይንኻ ምትራፍ ኣሎ ጸርፊ ኣሎ ውርደት ኣሎ ብሓጺሩ ነቲ ክጓነፈካ ንዝኽእል ኩሉ ሓደጋታት ስንድው ምዃን የድሊ፣ ንኢየሱስ ምስዓብ ዋጋ የኽፍል እዩ! ክኽተሎ ንዝደሊ ንኩሉ ክገድፍ ማለት ነቲ ምቾት ዝመልኦ ናብራን ውሕስነት ዝህብ ዝመስለና ንብረትናን ክንሓድግ ይሓትት፣

ከይተጸባጸብካ ጽቡቅ ግበር! ንመኽሰብ ኢልካ ጽቡቅ ነገር ኣይትስራሕ ወይ ገጸ በረኸት ኣይትሃብ! ብዘይውሕስነት ምንባር ንመሃር! ሰብአ ሰገል ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ዝለዓለ ገጸበረኸት የቅርቡ! ወርቅን ዕጣንን ከርበን የወፍዩ! እዚ ገጸ በረኸት እዚ ነቲ ንድሕነት ዓለም ሕይወቱ ንዝህብ ኢየሱስ ከም መምለስ እግሪ ክንብሎ ንኽእል፣ እዚ ልግሲ እዚ ኣብ ልቢ ኩሎም ተኸተልቲ ወልደእግዚብሔር  ክህሉ ይግባእ፣ ንእትገብሮ ጽቡቅ ብዘይ ጸብጻብ ክትገብሮ ነዚ ከኣ ወላ ሓደ ኣይሕተትካ ግቡእካ ኰይኑ እንተተሰሚዑካ ከይተሓተትካን ከይጸብጸብካን ክትገብሮ የድሊ፣ ወላውን ደስ እንከበለካ ንእትገብሮ ጽቡቅ ነገር ኩሉ ብዘይምንም ናይ መኽሰብ ጸብጻብ ግበሮ፣

ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ቅዱስነቶም ዝዘከርዎ ነቲ በጃና ብምዃን ድሕነት ንመላእ ዓለም ዝሃበ ኢየሱስ እነቅርቦ ናይ ምስጋና ገጸበረኸት ከም ሰብአ ሰገል ወርቅን ዕጣንን ከርበን ዘይኮነ ከምቲ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ከም መለክዒ ሚዛን ፍርዲ ዘቅርበልና ግብረሠናይ ኮይኑ ንሓደ ሕሙም ምብጻሕን ምሕጋዝን ኣብ ጸገም ንዘሎ ሰብ ግዜኻ ወፊኻ ምሕጋዝ ንዝበደለና ይቅረ ምባል ወዘተ ንኢየሱስ ክነቅርቦ እንኽእል ብቚዕ ገጸበረኸት ስለዝኽዕነ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ክርስትናና ከሰንያና ኣለወን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 

 

 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.