2018-01-05 16:34:00

ድሕሪ ክልተ ዓመት ሃገራት ደቡብን ሰሜንን ኮሪያ፡ ዕለት 9 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ክሌኣዊ ዘተ


ኣብ መንጐ ደቡብን ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ውጥረት ዘርግብ ሃዋሁ ይረአይ ከምዘሎ ይንገር። ሰውልን ፕዮንግያንግን ዕለት 9 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኣብ ፕዮንግ ቻንግ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 25, 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሓጋይ ስፖርታዊ ኦሎምፒክ ውድድር  ክትሳተፍ ዘቕረበቶ ሕቶ ዛዕባ ዝገበረ ክሌኣዊ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ካብ ክልቲኣተን ሃገራት ዝተውሃበ መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲኣካን ማርኮ ጉወራ ኣፍሊጦም።

ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክኸውን እከሎ እዚ ብናይ ክልቴኣተን ሃገራት ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ኣካላት ተሰንዩ ንኽካየድ ዝተወሰነ ክሌኣዊ ዘተ ብጀካ እቲ ብዛዕባ ምስታፍ ሰሜን ኮርያ ኣብ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒካዊ ስፖርት ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ ናይ ክልተኣተን ሃገራት ርክብ ንኽመሓየሽ ዝብል ሓሳብ እውን ዘሳዂዔ ምዃኑ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጉወራ ኣስዒቦም፥ ናይ ደቡብ ኮርያ ናይ ክሌኣተን ሃገራት ናይ ሓድነት ጉዳይ ሚኒስትራዊ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ተወኪሶም እቲ ሰሉስ ዕለት 9 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዝካየድ ርክብ ኣብ ክልተኣተን ሃገራት ኣብ ዘዳቡው ፓንሙንጆም ኣብ እተሰምየ ቑሸት ከምዝካየድን ኣብ መንጐ ክልተኣተን ሃገራት ምልውዋጥ ሰነዳት እውን ክካየድ ምዃኑ የመልክቱ።

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ንኽካየድ ዝጠልብ ሓሳብ ዝቐረበ ኣብ ሰውል ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብፕዮንግያንግ ከም ስግኣት እትርእዮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻልን ናይ ደቡብ ኮርያ ሓይሊ ምክልኻን ብሓባር  ዓመታዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ንኽካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ርእሰ ብሔር ሙን ዠ ኢን  ድሕሪ ዝተፈጽመ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ተኸቲሉ ዝቐረበ ሓሳብ ምዃኑ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጉወራ ካብ ዝቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.