2018-01-05 09:28:00

ትራምፕ መንግስቶም ንፍልስጥኤም ዝህቦ ሓገዝ ክንክይ ምዃኑ ይገልጹ፡


ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ምምሕዳር ምስ እስራኤል ዝግበር ናይ ሰላም ዘተ ዝነጽግ እንተድኣ ኰይኑ መንስግቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንፍልስጥኤም እትህቦ ዓመታዊ  ሓገዝ ክንክይን ካብዚ ሓሊፉ እውን ክሳብ ምቁራጽ ክተበጽሕ ምዃኑ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ንዝሃብዎ መግለጺ፡ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ንዝዀነ ይዅን ምፍርራሕ ኢዱ ከምዘይህብ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ካብ ዘመሓላለፍኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ በቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ረድኤት ኣቢላ እትህቦ ናይ 391 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝን ከምኡ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ፍልስጥኤም ንዘካይዶ መደብ ሓገዝ መሳለጢ እትህቦ ናይ 300 ሚሊዮን ዶላር ርእሰ ብሔር ዶላንድ ትራምፕ ንዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ተቐባልነት ክረክብ ዘገድድ መጋበርያ ክጥቀምሉ ምዃኖም ካብ መንግስቲ ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ዝተውሃበ መግለጺ ኣደጊፈን Vento di Terra-ንፋሰ መሬት ናይ እተሰምየ ኣብ ፍልስጥኤም ምትሕብባርን ምዕባለን ዘሳልጥ ናይ ረድኤት ውድብ ኣደ መንበር ኢጣሊያዊት ባርባራ ኣርከቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ እቲ ንፍልስጥኤም ዝወሃብ ሓገዝ መሰረታዊ ኣድላዪ ኢዩ። ናይታ ሃገር ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ትካላትን ኣባይቲ ጽሕፈት ሚንስትራትን ኣባይቲ ትምህርትን ማሕበራዊ ትካትላትን ንዘቕርብዎ ኣገልግሎት ዋሕስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነዚ ተገንዚቦም ነቲ ንሶም ኣብ ናይቲ ከባቢ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኣክንዲ ብርትዓዊ ኣተሓሳስባ ቅብሉ ንምግባር ዝጽዕሩ፡ እቲ ካብ ሃገሮም ንፍልስጥኤም ዝወሃብ ሓገዝ ከም ቅድመ ኵነት ክጥቀምሉን ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ እስራኤል ኣብ ከባቢ ፍልስጥኤም ንእተስፍሖ ወተሃደራዊ ጐበጣ ውጥን ክቕበልዎ ምስጋዳድ ጌጋ እዩ። ዘይርትዓዊ እውን እዩ። እቲ ሓገዝ ከምዝብልዎ ክንክይን ክሳብ ምቁራጽ እውን ዘብጽሕዎ እንተድኣ ኰይኖም ናይ ሕዝቢ ፍልስጥኤም ስቓይ ዘግድድን ናይቲ ከባቢ ህልው ስንኩፍ ኩነት ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ስእነት ሰላም ዘብጽሕ እዩ ዝኸውን ስለዚህ ፍልስጥኤም ምእንቲ ረድኤት ናይ ዶናልድ ትራፕም ውሳኔ ክትቕበል እያ ቢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.