2018-01-05 10:20:00

ምዝዛም ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኢራን


ኣብ ኢራን ንማዕልታት ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ዝቐነየ ጸረ መንግስቲ ዝኣመተ ሕዝባዊ ናዕቢ ከምዘብቕዔ ናይ ኢራን እስላማዊ ሰውራ ዓቃቢ ሰራዊት ዕለት 3 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ከፍልጥ እንከሎ፡ ሕጂ እውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኢራን ናብ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ከተብል ከም እትኽል ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ምህላዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ካብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ዘብቅዔ እውን እንተመሰለ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ህልው ኵነት ናብ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ክልወጥ ዝኽእል ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሃገርን ህዝብን ንሓደጋ ከቃልዕ ዝክእል ዓመጽ ከይተአታተው ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ላ ቨላ ኣስዒቦም፡ በቲ ክካየድ ዝቐነየ ሕዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት 20 ሰባት ከምእተቐትሉን፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጥረ ሕዝባዊ ናዕቢ መንቀሊኡ ንምልላይን ተሓታት ንሕጊ ንምቕራብ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ኣብ ልዕሊ ነበር ርእሰ ብሔርን ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ መራሒ ኣህማሂነጃድ ምርመራ ከካየድ ምዃኑ ካብ ኢራን ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሶም የመልክቱ።

ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማርኮን እቲ ኣብ ኢራን ተኸሲቱ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ብዘተ ፍታሕ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ቀረባ ኣዋን ኣብ ተሄራን ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎምን ኣውን ሓቢሮም፡ ኣብ ኢራን ቀጻሊ ዘተ ክህሉ ኣገዳስን ግድን ኣውን እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ መንጐ ነበር መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኦባማን ኢራንን ተበጺሑ ዝነበረ ናይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ስምምዕ ብዶናልድ ትራምፕ ዝምራሕ ኣዋናዊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንግስትን እስራኤልን ሱዕዲ ዓረብን ተቐባልነት ዘይብሉ ቢሎም ኵኑን ውሳኔ ቢሎም ክገልጽዎ፡ ኣብ ሊባኖስ ምንቅስቓስ ሔዝቦላሕ ናይ ኢራን ሺዓውያን ደጋፊ ብወገኑ ባዕሎም ናይዚ ምንቅስቓስ መራሒ ናስራላሕ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ነቲ ናይ ኢራን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኣያቶላሕ ካመኒ ኣብ ኢራን ዝተባርዔ ሕዝባው ናዕቢ ኣለምቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤል ርያንድ እያተን እንክብሉ ዝሃብዎ ትንታኔ ከምዘቃልሑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ላ ቨላ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.