2018-01-05 18:57:00

መልእኽቲ በዓለ ልደት ብፁዓ አቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ


ተፈጸመ ተስፋ ኣበው፡ በማርያም ድንግል፣

በዓለ ልደት፡ ፳፱ታሕሣሥ፡ ፳፻፲፣ 07 ጥሪ 2018

 

ፍቁራትን ፍቁራንን ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣባላት ስድራ እግዚኣብሔር፡

ኣቐዲመ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፡ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን”(1ቆሮ 1፡3)ብምባል ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይነ ልባዊ ሰላምታ ኣቕርበልኩም ።

“ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በማርያም ድንግል” ተስፋ ናይ ኣቦታት ኣብ ድንግል ማርያም ተፈጺሙ ዝብል ናይ ማኅሌትና መዝሙር ነዚ እነብዕሎ ዘሎና ናይ ምሥጢረ ሥጋዌን ምሥጢረ ልደትን ትርጉም ዝገልጽ እዩ። ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘበናት ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣዴና ማርያም “ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ” ምስ በለት ድማ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ማሕጸና ሥጋ ለቢሱ ካብኣ ተወሊዱ ኣብ ማእከልና ከምዝሓደረ ወንጌል ባዕሉ ይገልጸልና። እቲ ናይ ዘመናት ተስፋ ኣብ ማርያምን ብማርያምን ከምዝተፈጸመ ከኣ ንርኢ። እዚ ኣብ ማርያም ዝተፈጸመ ተስፋ ኣበውከ መኣስ ዝጀመረ እዩ? ብሓቂ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ እዩ ጀሚሩ።

ኣቦና ኣዳምን ኣደና ሔዋንን ብሰይጣን ተታሊሎም ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምስ ኣፍረሱ ካብ ገነት ከምዝተሰጉ ኦሪት ዘፍጥረት ባዕሉ ዝነግረና ሓቂ እዩ። እንተኾነ ካብቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ እግዚኣብሔር “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ። ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ክትነክስ ኢኻ”(ዘፍ. 3፡15)ብምባል ገና ካብ ገነት ክወጹ ከለው ጩራ ተስፋ ከምዝሃቦም እውን ርጉጽ እዩ። እግዚኣብሔር ንቀዳሞት ወለድና፣ ወዲ ጓሎም፣ ርእሲ እቲ ዘስሓቶም ሰይጣን ክጭፍልቕ ምዃኑ ዘመልክት ተስፋ ዝሓዘለ ቃላት እዩ ኣስሚዑዎም። እታ ጓሎም ከኣ እኖና እግዝእትነ ማርያም ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ድሕሪ እዚ ቀዳማይ ተስፋ እውን እግዚኣብሔር ብዝተፈላለዩ ልኡኻቱ መራሕትን ነቢያትን ጌሩ ተስፋ ካብ ምሃብ ኣየቋረጸን። ንኣብነት ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤል “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ካብ ማእከልኩም ካብ ሕዝብኹም ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተንሥኣልኩም እዩ። ንእኡ ስምዕዎ” (ዘዳ 18፡15) በሎም። ባዕሉ እግዚኣብሔርውን ንሙሴ “ከማኻ ዝበለ ነቢይ ካብ ሕዝቦም ከተንሥኣሎም እየ፣ ቃለይ ክህቦ እየ፣ ዝኣዘዝኩዎ ኩሉ ድማ ክነግሮም እዩ። ብስመይ ክዛረብ እዩ። ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ክቐጽዖ እየ”(ዘዳ 18፡18-19) እናበለ ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝነበሮ መድኃኒ ከበሥሮ ንርኢ። ንንጉሥ ዳዊት ከኣ“ብድኅረኻ ንሓደ ካብ ደቅኻ ልዕል ከብሎ እየ፣ ነታ መንግሥቱውን ከጽንዓ እየ፣ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ። ኣነ ከኣ ዙፋን መንግሥቱ ንዘለዓለም ከጽንዓሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክኾኖ ንሱ ድማ ወዲ ኪኾነኒ እዩ”(2 ሳሙ 7፡12-14)ብምባል ዓብይ ተስፋ ክህቦ ተረኽበ። ኣብ መዝሙሩ እውን ንጉሥ ዳዊት “ሓደ ካብ ደቅኻ ኣብ ዙፋንካ ኬቐምጥ እየ። ንሱ ድማ ብድኅሬኻ ኪነግሥ እዩ“ (መዝ 132፡11)ዝብል ተመሳሳሊ ተስፋ ክቕበል ንርኢ።

ናብ ዘመነ ነቢያት እንተ ተሳገርና ድማ፡ እዚ ናይ ድኅነት ተስፋ እዚ ዝያዳ ጐሊሑ ይርከብ። ኢሳይያስ ነቢይ እቲ ደጋጊሙ ብግልጺ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ቅቡእ ኣምላኽ፡፣ ማለት ምምጻእ ክርስቶስ ወይ መሲሕ፣ ዝተነበየ እዩ ክንብል ንኽእል። ንጉሥ እስራኤልን እቶም መሳርሕቱን ተደናጊሮምን ተስፋ ኣብ ምቚራጽ በጺሖምን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኪህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ ኣያ፣ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ”(ኢሳ 7፡14) ይብሎም።  ቀጺሉ ከኣ እቲ ክውለድ ዝነበሮ ሕጻን ከመይ ዝበለ ከምዝኸውን ይገልጽ። “ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፣ ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ዘለዓለማዊ ኣቦ፣ መስፍን ሰላም፣ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ። ግዝኣት መንግሥቱ እናዓበየ ኪኸይድ እዩ፣ ብዘመን መንግሥቱ ድማ ኲሉ ጊዜ ሰላም ኪኸውን ኣዩ። ኣብ ዙፋን ንጉሥ ዳዊት ኮይኑ ኪገዝእ እዩ፣ ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብሓቅን ብፍትሕን ኪገዝእ እዩ። እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነዚ ኪገብሮ መዲቡ ኣሎ ኢሳ 9፡6-7)ይብል። ኣቦታትና ኣብዚ ትንቢት እዚ ተመርኲሶም፡ ኣብ ዋዜማ ናይ በዓል ሆሳዕና፡ “ወበልዋ ለወለተ ጽዮን፣ ነዋ ንጉሥኪ ጻድቅ ወየዋህ፡ ዕሴቱ ምስሌሁ ወምግባሩ ቅድመ ገጹ ወይከውን ሰላመ በመዋዕሊሁ”፣ ንጓል ጽዮን፡ እቲ ህያቡ ምስኡ፣ ስራሑ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ዝሓዘ፣ ጻድቕን የዋህን ንጉሥኪ እንሆ ኣብ ዘመኑ ከኣ ሰላም ኪኸውን እዩ በልዋ (ሰላም ዋዜማ ዘሆሳዕና) እናበሉ ዘቕርብዎ ሰላምታ፣ መድኃኔ ዓለም ክመጽእ ከሎ ጥራይ ኢዱ ከምዘይመጽእ፣ አረ እኳ ደኣ ህያባቱ ብብዝኂ ሒዙ ከምዝመጽእ ነቶም ዝቕበልዎ ከኣ ለጋስ ከምዝኾነ ዘረድኣና እዩ። እዚ ከኣ ብዘይ ዝኾነ ሌላን ጒሌላን ንኲሉ ዓለም ዝኸውን ብሥራት እዩ። ዳንኤል ነቢይ እውን “ለይቲ ብራእይ ክጥምት ከሎኹ እንሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ። ናብቲ ካብ ዘለዓለም ዚነብር ዝነበረ ድማ በጽሐ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኲላቶም ኣሕዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዚዛረቡን ኬገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግሥትን ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይኃልፍ ዘለዓለማዊ ግዝኣት እዩ። መንግሥቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ” (ዳንኤል 7፡ 13-14.27) ይብለና። ሚልክያስ ነቢይ ከኣ ብዛዕባ ምምጻእ “ጸያሔ ፍኖት” ወይ ጸራግ መገዲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕን፣ እቲ ንዓለም ናይ ድኅነት ብሥራት ከበሥር ዝመጽእ ወዲ ኣምላኽ፣ “እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ‘እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣሎኹ፣ ንሱ ቀቅድመይ መንገዲ ኪጸርግ እዩ። ብኡብኡ ከኣ እቲ እትደልዩዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኪመጽእ እዩ። እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ኪዳነይ ከበሥር እንሆ ይመጽእ ኣሎ’ ይብል ኣሎ” (ሚል 3፡1) እናበለ ነቲ ወትሩ ንኣና ከድኅነናን፡ ክምሕረናን፡ ከተዓርቕናን፡ ዝመጽእ ጐይታ ብእምነት ብፍቕሪ ክንቅበሎ ድልዋት ክንከውን ከምዘሎና የረድኣና።

 

ኣብ ናዝሬት፡ ገብርኤል መልኣኽ፡ ንእግዝእትነ ማርያም “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ንስኺ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ በላ”(ሉቃ 1፡28)። በቲ ሰላምታኡ ተገሪማ ምስ ረኣየ ከኣ ቀጺሉ ”ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፣ እንሆ ክትጠንሲ ወዲውን ክተወልዲ ፣ ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ” (ሉቃ 1፡30-31) ብምባሉ እቲ ብነብያት ዝተነግረሉ ንሕዝቡ ከድኅን ብእግዚኣብሔር ተላኢኹ ክመጽእ ዝነበሮ መድኃኔ ዓለም ካብ ድንግል ማርያም ከምዝውለድ፣ እቲ ካብ ዘመናት ዝተዋህበ ተስፋ ከኣ ኣብ ማርያም ከምዝፍጸም ኣረጋገጸ ማለት እዩ።  እቲ ካብኣ ዝውለድ ከኣ“ዓብይ ኪኸውን፣ ወዲ እቲ ልዑልውን ኪበሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ኪነግሥ እዩ። መንግሥቱ ከኣ መወዳእታ የብሉን፣ በላ” (ሉቃ 1፡32-33) ይብላ። ድሕሪ ክንደይ ዘመናት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምስ ተወልደ ድማ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ “እዚ ኲሉ ነቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ ‘እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፣ ትርጉሙ ከኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት እዩ’ እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኪፍጸም ኮነ” ማቴ1፡ 22-23) ብምባል ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጻሜ ተስፋ ነቢያትን ኣበውን ከምዝኾነ የረጋግጽ።

        ቅዱስ ኢረነዮስ በዓል ልዮን፣ ነደና ሔዋንን ነደና ማርያምን እናነጻጸረ፣ እምቢ ናይ ሔዋንን ሕራይ ናይ ማርያምን ዘኸተሎ ዕንወትን ድኅነትን ክገልጽ ከምዚ ይብል፣ “ሔዋን ብሰይጣን ተታሊላ ንትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰት ካብ ኣምላኽ ረሓቐት። ማርያም ግን ብብሥራት መልኣኽ ተመሪሓ ንትእዛዝ ኣምላኽ ኣኽበረት እሞ፣ ኣብ ከርሣ ወልደ ኣምላኽ ንክትሽከም በቐዐት። በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ብሰይጣን ሰዲዓ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዘትን፣ ካብዚ ዝተላዕለ ድንግል ማርያም ጠበቓ እታ ድንግል ዝኾነት ሔዋን ኮነት። ክርስቶስ ንዂሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጠቕለሎ፣ ካብዚ ዝተላዕለ ርእሲ ኲሉ ኮነ። ከርስቶስ ንጸላኢና ውግእ ኣወጀሉ። ነቲ ብተኃባባርነት ኣዳም ምርኮይናታት ገይሩና ዝነበረ ሥዒሩ ኣጥፍኦ” (ካብ ኣንጻር መንፍቕነት ብቅዱስ ኢረነዮስ በዓል ልዮን)። ብተመሳሳሊ ኣዘራርባ ቅዱስ ኤፍረምውን ኣብ ወዳሴ ማርያም፣ ሓደ ካብ ቅድስቲ ሥላሴ ንውርደትና ርእዩ፣ ካብ ሰማየ ሰማያት ወረደ፣ ንባህሪኡ ኣትሕት ኣበለ፣ ናባና መጺኡ ድማ ኣብ ከርሲ ድንግል ሓደረ፣ ብዘይካ ኃጢኣት ብኻልእ ኲሉ ከማና ሰብ ኮነ። ነቢያት ከምዝሰበኽዎ፣ ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ ኣድኃነና፣ በጃና ኮነ ሕዝቡ ከኣ ገበረና “ኣሓዱ ዘእም ቅድስት ሥላሴ ርእዮ ትሕትናነ፣ ኣጽነነ ሰማየ ሰማያት መጽኣ ወኃደረ ውስተ ከርሠ ደንግል፡ ወኮነ ሰብኣ ከማነ ዘእንበለ ኃጢኣት ባሕቲታ፣ ወተወልደ በቤተልሔም በከመ ሰበኩ ነቢያት፣ ኣድኃነነ ወቤዘወነ ውረሰየነ ሕዝበ ዚኣሁ”፣ (ውዳሴ ማርያም ዘዕለተ ሓሙስ 7)።

       ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ ማእከልና ምስ ሰፈረ (ቃል ንቃሉ ኣብ ማእከልና ድንኳኑ ምስ ተኸለ) እዩ ተስፋ ኣበው ዝተፈጸመ። ንሱ ምስ መጸአ ድኅነት ረኸብና፣ ብሓቂ ከኣ ጸሓይና በረቐልና። ነቢይ ኢሳይያስ ከምዝብሎ፡ ብልደት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓብይ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም”(ኢሳ 9፡2) ማለት እዩ። እቲ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ፡ ክምስታ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ፣ ምሕረት ኣምላኽ ከነስተማቕር ክኢልና፣ ብርሃን ጐይታ ተወሊዑልና ኣሎ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ “ንስኻትኩም ቀደም ሕዝቢ ኣይነበርኩምን፣ ሕጂ ግና ሕዝቢ ኣምላኽ ኢኹም። ቀደም ምሕረት ኣይረኸብኩምን ነበርኩም፣ ሕጂ ግና ተማሒርኩም ኢኹም” (1ጴጥ 2፡10) እናበለ ብምጽኣት ኢየሱስ፡ ኅሩይ ወለዶ፡ ዝተማሕረ ሕዝቢ፡ ከምዝኾንና ይገልጽ። ለይቲ ልደት ከኣ “ዮም በርህ ሠረቀ ለነ፣ ሰማይ ወምድር ዘኢያገምሮ ማኅፀን ድንግል ጾሮ፣ እንዘ ኣምላክ ውእቱ ኅደረ ወተገምረ ውስተ ማኅፀነ ድንግል፡ ኮነ ሕፃነ ንኡሰ፣ ዘኣልቦ መምሰል ተወልደ ፀሓየ ጽድቅ ሠረቀ”፣ ብርሃን በረቐልና፣ ሰማይን ምድርን ዘይኣኽሎ ማኅፀን ድንግል ተሰኪምዎ። ኣምላኽ ክንሱ ንእሽቶ ሕፃን ኮይኑ፣ ኣብ ማኅጸን ድንግል ሓደረ፣ ዝመስሎ ዘይብሉ ተወልደ ናይ ጽድቂ ፀሓይ ከኣ በረቐ (ኣቡን፡ ማኅሌት ዘልደት) እናበልና ብዜማ ንቕበሎ ኣሎና።

       በዓለ ልደት እምበኣር፡ ተስፋ ኣበው ኣብ ድንግል ማርያም ብሓቂ ከምዝተፈጸመ ዘረጋግጸና እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ሎሚ፣ ኣባናውን ክፍጸም እዩ ዝግብኦ። መድኃኔ ዓለም ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ክውለድ ይደሊ ኣሎ። ከም ኣዴና ማርያም “ሕራይ” ኢልና ክንቅበሎ እንተተረኺብና ንሱ ሎሚውን ኲሉ ዘድልየና ጸጋታትን ቡራኬታትን ከምጽኣልና ድልው እዩ። ኣብ ራእይ ዮሓንስ ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ከምዝብለና፣ “እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ ክኣቱ ምሳኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ ኣየ። ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ”(ራእ.ዮሓ 3፡20)። ሎምዘመንውን ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ይዂሕኲሕ ኣሎ። ካባናኸ ሰሚዑስ ዝኸፍቶዶ ይርከብ ይኸውን? ወይስ ከምቲ ኣብ ቤተልሔም ማርያምን ዮሴፍን መሕድሪ ደልዮም ብዙኅ ኳሕኲሖም ዘርሕዎም ዝሰኣኑ እሞ ኣብ መብልዕ ከብቲ ክዕቆቡ ዝተገደዱ ክኸውን እዩ? ኣብ ቤተልሔም ንኣኣቶም ሰሚዑ ዝኸፍተሎም ኣይረኸቡን። በዚ ምኽንያት መድኃኔ ዓለም ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ኣብቲ ቀዳማይ ልደት ብሓቂ ልቦም ዝኸፈቱሉ እንተነቢሮም፣ ማርያምን ዮሴፍን፡ ከምኡውን መላእኽትን እቶም ቤት ኣልቦ ጓሶትን ጥራይ እዮም ዝነበሩ። እቶም ካልኦት ንካልኦት ኣጋይሽ ኸቕበሉ ኣብ ካልእ ወራዮም ጥሒሎም ንምጽኣት ምደኃኔ ዓለም ዝኸውን ጊዜን ቦታን ኣይነበሮምን። ንሕናኸ ሎሚ ምስ ኣየኖት ኢና ንቚጸር? ምስቶም ብእምነትን ብትሕትናን ዝተቐበልዎዶ ወይስ፣ ምስቶም ሓዳሮም ገፊሑዎም ማዕጾ ልቦም ምኽፋት ዝኣበዩ ኢና? ቀጺሉ ራእዩ ዮሓንስ “እዝኒ ዘለዎ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስትያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ይብለና። ከም ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ከም ማኅበር ኣመንቲ፡ ከም ቊምስና፣ ከም ገዳም፣ ከም ቤተክርስትያን ኣውን ንኢየሱስ ሕጻን ክንሰምዕ ክንቅበል ድልዋት ዲና? እቲ ሕያዋይ ጋሻና ግን እንሆ መጺኡ ይዂሕኲሕ ኣሎ፣ ሃየ ልብና ከፊትና ንቀበሎ። “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ኲሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ ሥልጣን ሃቦም----እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምሳና ነበረ” (ዮሓ 1፡12.14)።

ብሩኽ በዓለ ልደተ ጥምቀት ይግበረልና።

 

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.