2018-01-03 16:16:00

ሓጢኣት ካብ እግዚአብሔርን ካብ ኣሕዋትናን ይፈላልየና! ር.ሊ.ጳ


“ስለዚ ፍቑራተይ! ካብ ኣምልኾ ጣዖት ርሓቑ። ኣነ ንለባማት ሰባት እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፣ ነዚ ዘረባይ ባዕልኹም ፍረድዎ። እታ እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ሓንቲዶ ኣይኮነትን! እቲ እንባርኾ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ሓደዶ ኣይኮነን! ንሕና ኵላትና ካብ ሓንቲ እንጌራ ስለ እንሳተፍ ብዙሓት ክንስና ሓደ ሥጋ ኢና፣ ከመይ እታ እንካፈላ እንጌራ ሓንቲ እያ!” (1ቆሮ 10.15-17)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ካብቲ መባእታዊ ሥርዓታት ተአምኖተ ኃጢኣት ወይ ሓጢኣትና ዘኪርና ምሕረት ብሓባር እንልምነሉ ነጥቢ ክነተኩር ኢና፣ እዚ ተግባር ብዕቱብነት ዘቅርቦ ጻውዒት ነቲ ዝግበር ሥርዓተ ምሥጢር ብግቡእ ንምስታፍ ብቅዓት ምእንቲ ክህልወና ኣብ ቅድሚ እግዚብሔርን ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓጢኣተኛታት ምዃና ተኣሚና ምሕረትን ይቅርታን ንክንሓትት ሓጢኣትና ንእመን፣ እቲ ካህን ዘቅርቦ ጻውዒት ንኩሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝርከቡ እዩ ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና፣ ምናልባት ሓደ ሰብ ፍጽም እየ ኢሉ ብልቡ ዚኣምን እንተኾነ እግዚብሔር እንታይ ክህቦ ይኽእል እንተበልና መልሱ ምንም ኣይህቦን ከመይ ኣምሰሉ ዝኾነ ሰብ ምሕረት ክረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ናይ ኣምሰሉነት ጽድቂ ድሮ ልቡ ተነፊሑ እዩ፣ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቅርቦ ምሳሌ ፈሪሳውን መጸባሓውን እንተተመልከትና ኣብ ወንጌል ሉቃ 18.9-14 እቲ ንርእሱ ከም ጻድቅ ዘቅረበ ፈሪሳዊ ምንም ኣይረኸበን እቲ ቅንዕ ክብል እኳ ኣይክእልን ሓጢኣተኛ እየ መሓረኒ ዝበለ መጸበሓዊ ግን ተማሒሩን ጸዲቁን ተመልሰ ይብለና፣ ምስኪንነቱ ፈሊጡ ብዓይኒ ትሕትና ርእሱ ዘትሕት ናይቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ጠመተ ናባኡ ከምዝቀንዕ ይገብሮ፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ከምእንፈልጦ ዝተጋገየ ጌጋኡ ኣሚኑ ይቅረታ ምስ ሓተተ ጥራይ ምርድዳእን ምሕረትን ካብ ብጾቱ ክረክብ ይኽእል፣

ብጽሞና ድምጺ ሕልናኻ ምስማዕ ሓሳባትና ካብ ሓሳባት መለኮታዊ ኣቦና እምብዛ ዝረሓቁ ምዃኖም ክንርዳእ የፍቅደልና፣ ከምኡ እውን ዘረበናን ተግባርናን መብዛሕትኡ ግዜ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ይስዕርዎም ተጻይ ወንጌል ዝኾኑ ምርጫታት ከኣ ይመርሕዎም፣ ስለዝኾነ ከኣ ቅዳሴ እንክጅመር ብሕብረት ሕልናና መርሚርና ሓጢኣትና ተኣሚና ሓባራዊ ኑዛዜ ወይ ንስሓ ብዝሰርዖ እትአመን ሓጢኣትየ ኢልና በብግልና ብቀዳማይ ኣካል ብሓባር ንንሳሕ፣ ነፍስወከፍና ከኣ ብዙሕ ከምዝሓጣእና ብምእማን ብኽፍኣተይ ብኽፍኣተይ ብዓቢ ክፍኣተይ ቢልና ብሓሳብ ብቃል ብግብርን ከምኡ እውን ክንገብሮ ዝነበረና እሞ ዘይገበርናዮን ናብ እግዚብሔርን ናብ ኣሕዋትናን ንንሳሕ፣ እዛ ክንገብሮ ዝግበኣና እሞ ዘይገበርናዮ ትብል ቀላል ትመስል ግንከ ጽቡቅ ነገር ክትገብር ግዜን ዕድልን ኩነታትን ተፈጢሩልና እንከሎ እንተስ ብትህኪትና እንተስ ብሸለልትነት እንተስ ፍቅሪ ብምጉዳል ዘይፈጸምናዮ ሠናይ ነገር ኣይሰኣንን፣ ብዙሕ ግዜ ‘ዝዝከረኒ ዝፈጸምኵዎ ሓጢኣት የብለይን’ ብማለት ከም ንፉዓት ወይ ዝጸደቅና ኰይኑ ክሰምዓና ይኽእል፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ግን እቲ ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ሕማቅ ነገር ኣይትግበር ጥራይ ኣይኮነን ዝብል እንታይ ደኣ ብሓቂ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸተልቲ እንተኾና ሠናይ ነገር ክትገብር ዕድል ምስ ረኸብካ ክትገብሮን ምስክርነት ክትህብን እዩ ዝግባእ፣ ኣብቲ ንገብሮ ንስሓ ሓጢኣተኛታት ምዃና ኣብ ቅድሚ እግዚብሔርን ኣሕዋትናን ኣሓትናንን ንእመን፣ እዚ ዝሕግዞ ዓቢ ነገር ኣለዎ ማለት ሳዕቤን ሓጢኣት ክሳብ ክንደይ ገፊሕ ምዃኑ ካብ እግዚብሔር እንክፈልየና ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከምዝፈልየና ዘረደኣና እዩ፣ ሓጢኣት ይፈላሊ እዩ እኳ ደኣ ይቈራረጽ ነቲ ምስ እግዚብሔር ዝተኣሳስረና ርክብ ይበትኮ ከምኡውን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቤተሰብናን ምስ ኅብረተሰብን ምስታ ንነብረላ ማሕበረኮምን ዘሎና ምትእስሳር ይበትኮ! ሓጢኣት ወትሩ ይቆርጽ ይበትኽ ይከፋፍል ይመቃቅል፣

እቲ ብኣፍና እንብሎ ቃላት ማለት ብኽፍኣተይ ብኽፍኣተይ ብዓቢ ክፍኣተይ እንክንብል ኣፍ ልብና ብኢድና ብምህራም ነሰንዮ እዚ ዝገልጾ ከኣ ዝሓጣእኩስ ብድኻመይ ብጉድለተይ እምበር ብካልኦት ኣይኮነን ንማለት እዩ፣ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ እከለ ኣጋግዩኒ ብማለት ከምቲ ጥንተ ወለድና ሔዋን እባ ተመን እባ እናበልና ሸንኮለል ከይበልና ጉድለትና ፈሊጥና ከም በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ በዲለ ኢልካ ምሕረት ምልማን እዩ፣ ከመይ ብባህርና እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብሕፍረት ኣጻብዕትና ናብ ካልእ ብምምልካት ክነመኽኒ ንፍትን፣ ተጋግየ ምባል ዋጋ የኽፍል እዩ እንተኾነ ብገርሀይና ልቢ እንተተናዘዝናዮ ክንሓዊ ኢና፣ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምንዛዝ ሓደ ሚስዮናዊ ከም ቀንዲ መድሃኒት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኢሉ ዘዘንተወለይ ክነግረኩም፣ ሓንቲ ሽማገለ ሰበይቲ ክትናዘዝ ከይዳስ ሰብኣያ ዝገብሮ በደል ክትነግር ጀሚራ ብድሕሪኡ በደላት ሓማታን ሓጢኣት ጐረባብታን ብምትንታን ቀጺላ፣ ኣብ ሓደ ነጥቢ ምስ በጽሓ እቲ ኑዛዜ እቲ ካህን እምበይተይ ወዲእክንዶ! ይብለን እሞ! ሓራይ እምበአር እዚ ዝተናዘዝክንኦ ሓጢኣት ካልኦት እዩ ነሩ ሕጂ ሓጢኣትክን ተናዘዛ ኢልወን። ኢሎም ዘዘንተውለይ ነፍሲወከፍና ሓጢኣትና ደኣ እምበር ሓጢኣት ካልኦት ክንናዘዝ ከምዝበልና ዘብርህ እዩ፣  

ሓጢኣትና ምስ ተናዘዝና ዝስዕብ ንብፅዕት ድንግል ማርያምን ንመላእኽትን ንቅዱሳንን ምእንታና ናብ ጐይታ ከማልዱልና ንምሕጸን፣ እዚ እውን ናይ ብሱታፌ ቅዱሳን ንኣምን ኢልና ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ናይ እንገልጾ እምነት ሱታፌን ሕብረትን ቅዱሳን ምሳና ዝገልጽ እዩ፣  ናይዚኦም ኣዕሩኽትናን ኣብነትናን ዝኾኑ ቅድሳን ኣማላድነት ሓጢኣትና ምስ ተደምሰሰ ናብቲ ምስ እግዚብሔር ክንገብሮ ንእንብህጎን ንጐዓዞን ምሉእ ውህደት ንምብጻሕ ይድግፈና፣

ነዚ ናይ ምስንዳው ንስሓ እትኣመን ሓጢኣትየ ብምድጋም ጥራይ ዘይኮነ ብካልእ መልክዕ እውን ክንገብሮ ንኽእል፣ ንኣብነት ሓደ ዝውቱር ዝኾነ ኣገባብ ተጻይካ ሓጢኣት ስለዝገበርና ኦ ጐይታ ራሕርሓልና! ኦ ጐይታ ምሕረትካ ኣርእየና! ኦ ጐይታ ድሕነትካ ሃበና ዝብል ኣብ መዝሙረ ዳዊት 123.3 85.8 ከምኡውን ትንቤት ኤርምያስ 14.20 ዝተመስረተ ጸሎተ ንስሓ እውን ኣሎ፣ ኣብቲ መምርሒ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ቊ.51 ተመልኪቱ ከምዘሎ ብሕልፊ ብዕለተ ሰንበት እዚ ሥርዓት እዚ ማይጸሎት ኣሰናዲኻ ነቲ ንኩሉ ሓጢኣትና ዝድምስስ ጥምቀት ንምዝካር ዚኣክል ብማይ ጸሎት እናነጽግካ ኪፍጸም ይከኣል፣ ካልእ ኣገባብ ከኣ ነታ ብቋንቋ ግሪኽ ናይ እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ ትርጉም ዝሓዘት ክርያ ላይሶን እናዘመርካ ክግበር ይከኣል፣ በዚ ከኣ ምሕረቱን ይቅረታኡን ለሚና ሕድገት ሓጢኣት ንረክብ፣

ቅዱስ መጽሓፍ ዘንጸባርቁ ኣብነታት ናይ ዝንስሑ ሰባት ይህበና፣ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቀ ብኡ ንብኡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ናብ ሕልናኦም ተመሊሶም ዝጠዓሱን ጉልባቦም ቀሊዖም ናብቲ ልብኻ ዘሐድስ ጸጋ ልቦም ንክኸፍቱ ትብዓት ይረኽቡ፣ ንንጉሥ ዳዊትን ነተን ንሱ ዝደረሰን ቃላት ‘ኦ ጐይታ ስለ ፍቅርኻ ይቅረ በለለይ ደንግጸለይ  ስለብዝሒ ምሕረትካ ከኣ ንሓጢኣተይ ደምስሰለይ’ (መዝ 50.51) እሞ ነስተንትን፣ ወይውን ነቲ ኣብ ምሳሌ ወንጌል ሉቃስ ተጠቂሱ ዘሎ ጥፉእ ወዲ ንሕሰብ! ወይ ከኣ እቲ ‘ኦ እግዚብሔር ንኣይ ንሓጢኣተኛ ራሕርሓለይ’ (ሉቃ 18.13) ክብል ብድሕሪት ኰይኑ ጸልዩ ዝብሉ ምሳሌ መጸበሓዊ ከምኡ እውን ብዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ዘኬዎስ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ክንዝክር ንኽእል፣  በየናይ ጭቃ ተሰሪሕና ከምዘሎና ፈሊጥና ዓቅምናን ድኻምናን ተረዲእና ምንቅስቃስከስ የሐይለና እሞ ኣብቲ ድኻምነትና ተመሊስና ጸብጻብ ክንገብርን ነቲ ዝልውጠናን ሓደስቲ ፍጥረት ዝገብረናን መለኮታዊ ምሕረት ንክንምህለል ንልብና ይኸፍቶ፣ ኣብ ምጅማር መሥዋዕተ ቅዳሴ እንገብሮ ጸሎተ ንስሓ ኸስ እዚ እዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.