2017-12-30 19:13:00

ሰንበት ዘኖላዊ ታሕሣሥ 22 2010ዓ.ም. (12/31/2017)


ንባባት፡ ዕብ. 13:16-ፍ፥ 1ጴጥ 2፡21-ፍ፥ ግ.ሓ. 15፡13-21፥ ዮሓ 10:1-21። ምስባክ፡ ኖላዊሆም ለእስራኤል አጽምእ፥ ዘይሬእዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፥ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።  ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና አታ ንህዝብኻ ንደቂ ዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሓና፥ አታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለጽ።

ካብ ታሕሣሥ 1-26 ዘሎ ዘመነ ስብከት ይብሃል ምኽንያቱ ነብያት ናይ ጎይታ ብሥጋ ምምጻእ አግፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ብምስትምሃሮም ምስባኾም፥ ቤተ ክርስትያን በዚ እዋን ንዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ንአምላኽ አብ ልቡ ከሰናዱ ኢላ እተቀራርበሉ እዋን ስለ ዝኾነ። ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ዘኖላዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ምዃኑ ተረዲእና አብ መጓሰኡ ክንርከብ ክንሓስብ ሕይወትና መንፈስ አምላኽ ለቢሱ ደቂ አምላኽ መጓሰ አምላኽ ዘብል መገዲ ክንሕዝ እሞ ደቂ ገዛ ኮና ደምበና ክነለሊ። እዚ ጓሳ ዝብል ካብ ጥንቲ ብነብያት ዝተነገረ እዩ። ኩሎም ነብያት ክርስቶስ ጓሳና ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ ኢየሱስ ከአ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” እናበለ አስተምሂሩና (ዮሓ 10፡14)። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሓዋርያቱ እንከሎ ሓደ መጓሰ ክንከውን ጸልዩልና። ናይ አምላኽ መጓሰ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና አብ ካልእ መጓሰ ክንሕወስ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ሎሚ መጓሰና አለሊና ደንበና ክንአቱ አምላኽ ይጽውዓና አሎ።

መዝሙር፦ “ቅድም እቲ ሙሴ አብ ኦሪት ዝተዛረቦ ነገሮም ዳዊት ድማ ኃይልኻ አርኢ ንዓ አድኅነኒ እቲ ጓሳና ካብ ሰማያት ወሪዱ እዩ እቲ ጓሳና ብጃ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን እዩ ተአዚዙ ንእስራኤል ጓስኦም ኮይኑ ከድኅን ወሪዱ መጸ፥ ንስኻ ብአፍ ነብያት ዝመጸ ረዳኢ አምላኽ ኢኻ ናብ ሕዝብኻ ሰላም ስደድ ሕያዋይ ጓሳ ምስጉን ከማኻ ዝበለ መን አሎ ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ክትከውን ብትእዛዝ አቦኻ ካብ ሰማይ ወሪድካ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ” እናበለ ጎ.ኢ.ክ. ጓሳ ሕዝቢ ኮይኑ ከም ዝመጸ ይገልጸልና።

ሰንበት ዘኖላዊ ብዛዕባ ጉስነት አምላኽን መጓሰ አምላኽ ዝኾና ደቂ አዳምን ምዃና ዘኪርና አበይ ከም ዘሎና ክንሓስብ ይሕግዘና። አብ ዘመን ምጽአት ተጓሲኻ ምኽአል እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ጉዳይ እዩ። አብ ወንጌል ናይ ዮሓንስ አብ ዝተነበ ኢየሱስ ብዛዕባ ጓሳ፥ መጓሰ፥ አፍደገ፥ ሕያዋይ ጓሳ፥ ዕሱብ ጓሳ፥ ሰራቒ፥ ክብትን ዝመጽእ ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

እዚ ወንጌል እዚ መሰረቱ አብቲ ሕዝቅኤል ነብይ አብ ምዕ 34 ብዛዕባ ጓሶት እስራኤል መሰረት ገሩ ይገልጾ፥ ካብኡ ዝፈልዮ ናይ ዮሓስን ጓሳ በጃ አባግዑ ከምዝሓልፍ ይዛረብ እዚ ኸአ ነቲ ክርስቶስ አብ መስቀል መይቱ ዘርአዮ ፍቕሪ የመልክት። ጉስነት ሓደ ካብቲ ጥቡቕ ርክብ ዝፈጥር ክፍሊ ሕይወት እዩ፥ ጓሳን መጓሰን ሓደ አካል እዮም ንሱ የፍቅረን ንሰን የፍቅርኦ ንሱ ጓስየን ንሰን ከአ ይጓሰያ። እዚ ነቲ ክርስቶስ ምስ አመንቱ ዘለዎ ርክብ እዩ ዝገልጽ። ንሱ መራሒና ጎይታና ሕይወትና እዩ አብኡ ክንቀርብ ክንአምን እንከሎና አባና ሕይወት አሎና።

አብ ሃገረ እስራኤል አብ ጊዜ ኢየሱስ ጉስነት አባግዕ ዝውቱር እዩ ነሩ ብዙሓት መጓሰ አብ ሓደ ከባቢ ይርከባ ብሓንሳብ ይወፍራን ይአትዋን አብ ሓደ ደምበ ኸአ ይአትዋ። እቲ ደንበ ሓንቲ መእተዊት አፍደገ ነራቶ እቲ ጓሳ አባግዕ አብ አፍደገ እዩ ዝኸውን ዝኾነ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ መጀመርያ ንእኡ እዩ ዝረክብ። እቲ ጓሳ አብ አፍደገ ኮይኑ ካብ አራዊት ካብ ሰራቒ ይከላኸለለን፥ ከምኡ በቲ አፍደገ ክምገባ ክወፍራን ክአትዋን የውፍረን፥ብርግጽ አፍደገን ጓሳን ዝብል ሓሳብ ብሓንሳብ ዝኸይድ አይኮነን እንተ ኾነ አብዚ ምዕራፍ እዩ ብሓንሳብ ተገሊጹ እንረኽቦ።

አብ መንጎ ጓሳን አባግዕን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለወን አብ ልሙዕ ቦታ ይወስደን ይከናኸነን ብደሃየን ይፈልጠን ንሰን እውን ይፈልጣኦ። ኩሉ ጊዜ ምስአን አሎ ቀቅድምኤን እናኸደ ይመርሐን ዝኾነ አራዊት ወይ ሰራቒ ክትንክፈን አይክእልን እዩ።

እዚ ምሳሌ እዚ ኢየሱስ ባዕሉ ንሱ መን ምዃኑ ክገልጽ ኢሉ ዝበሎ እዩ። አብ መንጎ አመንቱን አብ መንግኡ ዘሎ ርክብ ከምዚ ናይ ጓሳን መጓሰን ክኸውን ከምዘለዎ ይነግረና።

ጓሳና ኢየሱስ እዩ።

አብዚ አብ ልደት ክርስቶስ አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ነገር ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ክንርኢ። አብ ሓደ ልብን መንፈስን ክንአቱ አሎና። አፍና ግብርና ሕብርና ንኢየሱስ እንተ ዘይመሰልና ምስኡ ሓደ ክንከውን አይንኽእልን ኢና። ከምቲ ጓሳ ምስ መጓሰኡ ሓደ ዝኾነ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና ዝለዓለ ቦታ ክንህቦ ይግባእ።

ሰብ ብአርአያ አምላኽ ዝተፈጠርና ስለ ዝኾና ከም እንስሳ ዘይኮነ ርክብና ተረዲኡና አብ ትሕቲ አምላኽ ክንአቱ ይግብአና ስለዚ ንመገዲ ጎይታ ክንፈልጥ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። አብ መጓሰ ክርስቶስ ክንአቱ ነዚ ዝስዕብ ክንገብር አሎና።

ጓሳን አላሊና ክንክእል አሎና። ጓሶትና ዘይኮኑ ጓሶትና መሲሎምና አሰሮም ክእይንስዕብ ጓሳና ንዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክነለሊ አሎና። ካልኦት ጓሶት አለዉ ንሶም ግን በቲ አፍደገ ዝአትዉ አይኮኑን ንጥፍአት እዮም ዝወስዱ። ናይ ዘመና ጉሓሉ ወይ ናይ ሓሶት ጓሶት ክንብሎም እንኽእል ብዙሓት አለዉ። ጓሳኻ አለሊኻ ምኽአል የድሊ።
ድምጺ ጓሳና ክንሰምዕ የድልየና። ካልእ ድምጺ ከይንሰምዕ እሞ አብ ዘይናትና ከይንጽንበር ምስትውዓል ይሓተና። ጥዑም ድምጺ ዝመስል ግን ንልብና ሰሊቡ አብዘይ ደምበና ዝመርሕ ከይሰርጸና ንድምጺ ኢየሱስ ብኻልእ ከይንጋገዮ ምጥንቃቕ የድልየና።
አብ ሓደ መጓሰ ምዃና ክንፈልጥ አሎና። ኢየሱስ ማእከልና ገርና ክንጉዓዝ እሞ ካልእ ዋና ከይንገብር ልዕሊ ዅሉ አነ ርእሰይ ዝኸአልኩ ባዕለይ ዝብል መንፈስ ከይነሕድር እሞ ንሓድነት አሕዋት ከይንቕይር ምስትውዓል ልቦና ይሓተና። ሰብ ንአምላኽ ብርእሱ ወይ ብኻልእ ነገራት ምስ ተክአ አብ ዝኸፍአ ጸልማትን ጥፍአትን እዩ ዝአቱ ስለዚ ንአምላኽ ልዕሊ ኩሉ ክንሰርዕ ይግባእ ሽዑ ሓድነትና ክረግእ ይኽእል።
ተዃሉ አለሊኻ ምኽአል የድሊ። ጸጉሪ በግዕ ዝተኸድኑ ግን ተዃሉ ካብ ክርስቶስ ፈልዮም ክቐትሉና ዝደልዩ ብዙሓት አለዉ ስለዚ ምስትውዓል ልቦና የድሊ። ናይ ዘመና ተኳሉ አብ ወገን ዓለት ፍልልይ ጽልኢ ከም እንነብር ዝገብሩ እሞ ብነፍስና ምዉታት ዝገብሩና ካብ ክርስቶስን ካብ ማሕበር ክርስቶስ ዝፈልዩና አለዉ ክነለልዮም ይግባእ።
ንጓሳና አሰሩ ክንስዕብ አሎና። ንሱ ቀቅድመና ይጉዓዝ አሎ ስዓቡኒ እውን ይብለና አሎ አሰሩ እናሰዓብና ጓል መገዲ አይንውሰድ አንፈትና አብኡ ገርና እስዕበካ አሎኹ ሓግዘኒ ንበሎ። ሽዑ ንሱ አጆኻ እናበለ ክመጽአና ከተንስኣና ክሕብረና እዩ።

ንሕያዋይ ጓሳና ክንሰምዕ እዋኑ እዩ።

ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ ፍቕሪ ክገብር ዝደሊ አብ ክርስቶስ ሓድነት ክህልዎ የድሊ። ምስ ክርስቶስ ርክብ ክንገብር እንተ ጸዓርና ሽዑ አብ ቤቱን አብ መጓሰኡን ክንጽንበር አይኸብደናን ስለዚ አብቲ አፍደግ ኩሉ ሕይወትናን ርክባትናን ዝኾነ ክርስቶስ ቀሪብና ኃጢአትና ተአሚና አብ መጓሰኻ ክጽንበር አእትወኒ ንበሎ። ዝኾነ ርክብና መምዘኒኡ ክርስቶስ ክንገብር እንከሎና ጥራሕ ኢና መጓሰ ክርስቶስ ክንብሃል እንኽእል። ናይ ክርስቶስ ዝኾና መጓሰ ሓደ ልቢ ሓደ መንፈስ እዩ መለልይና። መጓሰ አምላኽ ብሓደ መገዲ ይጉዓዛ ብሓደ ይምገባ፥ አብ ሓደ ቤት ይአትዋ ብሓንሳብ ከአ ይነብራ። መጓሰ ክርስቶስ ምፍልላይ ምቅይያም ምብራር አይናቶምን እዩ ምናልባት እዚ መንፈስ አብ መንግኦም እንተሎ ጌና ናይ መን ምዃኖም አይተሰቕሮምን አሎ ማለት እዩ። ሓደ ካብቲ ርክብ ጓሳን መጓሰን ድምጺ አለሊኻ ምኽአል እዩ። ድምጺ ዘለልየት እንስሳ ንጓስአ ትስዕቦ እንተ ዘየለለየቶ ግን ካብኡ ትሃድም ወይ አይተድህበሉን። ድምጺ ጓስአ ምስአ ይወሃሃድ ፍሉይ ድምጺ እናሃበት ፍቕራ ትገልጸሉ። ናይ ኢየሱስን ናታትናን ርክብ አብዚ ከምዚ እዩ ክምስረት ዘልኦ ክንሰምዖ ክነፍቅሮ እሞ በቲ ንሱ ዝደልዮ ክንጉዓዝ። ሎሚ ዝዛረብ አፍ እምበር ዝሰምዕ እዝኒ ዳርጋ ተሳኢኑ እዩ ዘሎ። ኩሉ ዝዛረብ ዝሕብር ጥራሕ ኮይኑ፥ ኩሉ ድምጹ ከስምዕ ዝደሊ ኮይኑ ስምዑኒ አድህቡለይ ዝብል በዚሒ ጸጊሙ ዘሎ ዝሰምዕ ተሳኢኑ። አብዚ ልደት ክንሰምዕ ክንእዘዝ ልብና ሕልናና ንኽፈት። ሰማዕትን ተግበርትን ክንከውን ፍቓደኛታት ንኹን።

ሓደ መጓሰ ምዃን እዋኑ እዩ።

ልደት፥ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ኩልና ከም ዝመጽአ እዩ ዘዘኻኽረና። ሓደ ምዃን ሓደ ካብቲ መለልዪ መጓሰ አምላኽ እዩ። ሓድነትና ኸአ አብቲ ምእንቲ ኩልና ኢሉ ዝተበጀዎ እሞ ደቂ ሰማይ ዝገብረና ፍጻሜ እዩ ዝምስረት። ሓደ ካብ ሓደ ዝበልጸሉ ዝኾነ ነገር የብልናን። መሰረትና ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ሓደ መንፈስ ሓደ ልቢ ክህልወና ድላይ መድኃኒና እዩ። “ሓደ ልብን ሓደ መጓሰን ክንከውን ጸልዩ” እዩ። ክንባረር ክንበታተን ድልዩ አይኮነን። ዝኾነ ተኸታል ክርስቶስ ንማሕበር ክርስቶስ ክሃንጽ እምበር ክብትን ከካፍእ አይናቱን እዩ። ቤት አምላኽ ማሕበር አምላኽ ዝብትን መውዳእትኡ ዝገደደ እዩ ስለዚ ኩሉ ጊዜ ነቲ ሓደ አምላኽ ዘኪርና ሓደ ዝገብረና ሕይወት ክንፈጥር ናይ ነፍሲ ወከፍና ጻዕሪ ይሓትት።

ዓለምና ሎሚ ዝፈላሊ በዚሑ፥ አብ መንጎ ሰብ ኪዳን ከምኡ አብ መንጎ ስድራታት አብ መንጎ ደቂ ዓዲ አብ መንጎ ሃገራት እንርእዮ ምፍልልይ ምጽላእ ንሰብ ቅሳነት ከሊእዎ አደዳ ስደት ሞት ጥፍአት ገርዎ ንርኢ አሎና። ዝብትን እምበር ዝእክብ የለን። አብዚ ብሩኽ ልደት ምእንቲ ድሕነት ነፍስወከፍና ዝመጸ ልብና ከፊትና ንኹሉ ክፍአትና ተአሚና ሓደ መንፈስ ልቢስና ንቀበሎ ሓደ መጓሰ ኮና ሓወይ ሓፍተይ ኢልና ተኻፈልቲ ጸጋ ክርስቶስ ክንገብር እንልአኽ ንሕና ኢና። ሰባት ክሰምሩ ፍቕሪ ክዓቢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንጹሕ ሕልናን ድለትን የድሊ፥ ሓደ ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን ኩልና ሰሚርና አብ ሓደ ምአዲ ክንጽመድ ብሓደ መንፈስ ክንጉዓዝ ድላይ ክርስቶስ መምህርና እዩ።

አብ ሓደ መአዲ ክንምገብ አብ ሓደ ቤተ አምላኽ ክንጓሰ እዩ ድላይ አምላኽ፥ አብ ስደት እንርከብ ካብ ክንሓብር ክንፈላለ ካብ ክንፋቐር ክንጻላእ ቀሊሉና ዘሎ ይመስል፥ አምላኽና ሓደ እዩ ጓሳና ሓደ እዩ፥ ደንበና ሓደ እዩ እንታይ ድአ እዩ ነዚ ዅሉ ዘምጽእ ዘሎ፥ እንታይ እዩ ዝፈላልየና ዘሎ፥ ስለምንታይ እዩ ሰይጣን ተዓዊቱልና ዘሎ፥ ስለምንታይ እዩ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ሰብ ምፍልላይ ምጽላእ ክርኢ ዝደሊ ሰብ ዝያዳ ዝዕወት ዝስማዕ፥ እስከ ሕልናና አብ ቅድሚ አምላኽ አንቢርና ነንብብ ንርአ ሽዑ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ለሚና ከብርሃልና ንለምኖ እምበር ሰብ አይጠዓሞን ዝዘርግ በዚሑ ንሓቂ ዝዛረብ ውሒዱ አብ ርአዩለይ ዝተመስረተ መንፈስ ነጊሱ ሰብ ይሕመስ ንርኢ አሎና ስለዚ ክንልወጥ እንተ ኾና ሎሚ እዋን እዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ኮይኑ ካብ ድንግል ተወሊዱ ከድሕነና ይመጸና አሎ አፍደገ ገዛና ልብና አንጺሕና ንቀበሎ። ንእኡ ዝበቅዕ ልቢ ከየጥረና ዝገበርና እንተ ገበርና ተሳፍተቲ ብርሃን ልደቱ አይንኸውንን ኢና እሞ ምሉእ እምነት ገርና ነፍሲ ወከፍና ንነሳሕ ሕድገት ኃጢአትና ለሚና ንብዓልና ንቀራረብ።

ብሩኽ ምቅርራብ ልደት ክርስቶስ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.