2017-12-29 14:14:00

ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተወከሰ ሓድሽ መምርሒ ንኣባላት ውፉያን ሕይወትን ገዳማውያንን


ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተወከሰ ሓድሽ መምርሒ ንኣባላት ውፉያትን መናንያንን ማሕበራትን ክዕደል ምዃኑ ምስ ጋዜጠይና ቢያንካ ፍራካልቬሪ ኣባል ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል ንብራዚል ብዛዕባ ዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዘሕስር ናይ ውዲት ዋቄዕ (ኣመክንዮ) ወይ ከኣ እቲ ናብቲ መንሽሮ ዝዀነ ንርእሰ ውከሳ ዝመርሕ ነኣሽቱ ናይ በለካን ለኸዓካን ተግባራት ዝውክል ጉጅላውነት ክሰዓር ኣለዎ ዝብል ብርቱዕ ቃል ዘማእከለ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ልደት ናይቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሓዋርያዊ ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ህይነትን ሊቃነ መናብርትን ዋና ጸሓፍትን ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳትን ዓለማውያን ምመእመናን ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ብፁዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንኵሪያ ሮማና ብዘይ ምውጋይን ብዘይ መለሳ ኣልቦነትን ወንጌል እተበስር ቤተ ክርስቲያን ዘተሓሳስብ እዩ ቢሎም፥ ካብ ዝዀነ ይኹን ሃገርን ቋንቋን ባህልን ይምጻእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ፡ ካልአ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እዮም። እዚ እዩ ኵላውነትና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘብል፡ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ዝሓበሩን ሱታፌ ዘለዎም ወንጌላውያን ኢና፡ እዚ ውሉዳዊ ሕብረትን ሱታፌ እተደኣ ዘይብልና ኣብዚ ምዃንና ትርጉም የብሉ። ቅዱስ ኣቦና ወሲኖም ዘበገስዎ መደብ ሓዳሴ ኵሪያ ሮማና ሓንሳብ ዝኸውን ኣይከነን ከስ እናበለ ዝረጋገጽ እዩ፡ ስለምታይ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ምልዋጥ ዝነቕል ስለ ዝኸውን እዚ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ሓሳብ እውን እዩ።

ወንጌላውነት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ስለዚህ ሕዳሴ ካብ ነፍሲ ወከፍና ምልዋጥ ዝብገስ ኣዩ፡ ስለዚህ  ንቕድሚት ኣብ ዝጥምት ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝኽወን ትዕግስትን ትጽቢትን ምስትውዓልን ጥንቃቔን ይሓትት ምስ በሉ ኩሎም ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ኣባላት በዚ መንፈስ’ዚ 2018 ዓ.ም. እግዚኣብሔር ዝጽግወና ሓድሽ ዓመት ክጽበዩ ተላብዮም ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት ክምዘጠቓለሉ ፍራንካልቬሪ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.