2017-12-29 14:18:00

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ንኽርስቶስ ቦታ ኣብ ዘይህብ ዓለም ኢና ዘሎና


ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ ናይታ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ብቕዱስ ኣቦና ካብ ዝሕረዩ ቀዳማይ ናይ በዓለ ልደት ቅዳሴ ከምዝመርሑን ኣብ ሰዝምዕዎ ስብከት፥ ንኣይነትን ኢጎነትን ብምግጣም ንኽንልወጥን መጻእን ምትሕብባርን ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካና ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ልኡኽ ጋዜጠይና ራቪያርት በዓለ ልደት ኣብ ሰበኻታት ኢጣሊያ ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከምዝሕብርዎ፥ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ፐሩጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ኣብ ካቴድራል ርእሰ ሰበኻ ክፍለ ሃገር ኡምብሪያ ንበዓለ ልደት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

ንስድራ ቤት ኢየሱስ መእንገዲ ስፍራ ዘይነበሮ ዓለም። ሎሚ እውን ከምኡ፡ ኣብ እንነብረሉ ሕብረተሰብን ዓለም ኣባይትናን ነታ ስድራ ቤት ዝኸውን ቦታ ዘየለ እዩ ዝመስል፡ ኣብቲ ርቡጽን ታህዋኽ ዝወሓጦ ስራሕን መነባብሮን ኣብ ፖለቲካን ኩሉ ነታ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ቦታ የልቦን። እዚ ድማ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክዕጸፍ ዝገብር እዩ። ኣክንዲ ንናይ ኩሉ ሰናይን ኵለንተናዊ ምዕባለን ዝትኰር ኣብቲ ናይ ዓለም መጻኢ ዝጣላዕ ኣብ መኽሰብ ዝተዓጽፈ ከይዲ ኤኮኖሚ ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ ዓለም ንኽርስቶስ ቦታ የለን፡ ንድኻታትን ትሑታትን ዕሩቓትን ግዳም ሓደርን ቦታ ዘይብሉ ዓለም፡ ንኢየሱስ ቦታ ዘይብሉ እውን እዩ።

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም ናይ ሚላኖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ ብወገኖም ኣብ ናይ ሚላኖ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ሚላኖ ንጸልማትን ደልሃመትን ከይተንበርከኸትን ከይተማረኸትን ብርሃን ከተብዕል ኣይትፍራሕ፡ እንነብረሉ ዓለም ካብ ብርሃን ጸልማት ዝሓርይ እዩ ዝመስል፡ ብፍርሒ ስለ ዝተዓብለለ ኣብ ጸልማት ከይተርአየ ምንባር ይመርጽ፡ ደቂ ብርሃን ንዅን ምስ ኵሉ ሓጢኣትና ዝተፈቐርና ኢና፡ ንጸልማትን ነቲ ድጋዊ ምዕባለ ጥራሕ ዘድህብ ከይዲ ምሩኻት ኣይንዅን፡ ነቲ ዝመጽእ ብርሃን ኣባና ንኽኣቱ ቦታ የብላን ኣይነብሎ፡ ሓንጎፋይ ቢላን ምስ እንቕበሎ ኣብ ምቕባሉ ሓገስና ኣሎ

ከምዝበሉን፥ ናይ ጀኖቫ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ እውን ብወገኖም ዘስምዕዎ ስብከት ኣብታ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓሊዓ እትርከብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም፥

እቲ ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ክበትኽን ከፍኩስን ዝደልይ ሓድሽ ባህሊ ነቲ ናይ ሕብረተሰብ ማእከል ንሓደጋ ዘቃልዕን ኩሉ ኣልቦ መሰረት ክኸውን ዝገብር ንክርስቶስ ቦታ ካብ ዘይምሃብ ዝነቕል እዩ፡ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብቲ ክንዕቅቦ እምበር ክንዕብሎን ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለና ናይ ሕይወት ምስጢር ከነስተንትን ይድርኸና። ኢጐነት ዝዓብለሎ ዓለም ናይ ሕይወት ጐይታ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ ነቲ ዘይነጻነት ማለት ንጸረ ሕይወት ባህሊ ከም ነጻነት ክቕበሎ ይፍትን፡ ነጻነትና ኣብ ምፍቃርን ንኢየሱስ ቦታ ኣብ ምሃብን እዩ ዝርከብ

ከምዝበሉን ኣፍሊጦም።

ናይ ቦሎኛ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዙፒ እውን ብወገኖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ኵላትና እውነተይና በዓለ ልደት ዘልድዮም ኢና፡ ስለምታይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ትጽቢታዊ እዩ። ደላይ መጻኢ እዩ። መንእሰይ መጻኢ ሕይወቱ የናድይ። ናይ ባህልን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰሉ የማዕድው። ብዕድመ ዝደፍአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ነቲ ናይ መንእሰይ ትጽቢት ኣናማዕደወ ተዘክሮ የነቓቕሕ

እንክብሉ ናይ ቶሪኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ እውን፥

ኣብ ቤትን ከተማናን ሕይወትናን ንእግዚኣብሔር ቦታ ንሃብ። ንእግዚኣብሔር ቦታ ምሃብ ማለት ንሰብኣዊ ፍጡር ቦታ ምሃብ ማለት እዩ፡ ብፍላይ ንድኻታትን ህሙማንን ብዘይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንዝነብሩ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምልዋጥ ይበሃል

እንክብሉ” ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞራሊያ እውን ብወገኖም፡

ንእግዚኣብሔር ቦታ ምሃብ ማለት ምልዋጥ ማለት እዩ ነቲ ንኸድሕነና ዝመጽእ ምቕባል። ኣብ መብልዒ ማል ቤተ ልሔም ዝተዓደሙ ሓያላንን ንጉሳንን እቶም ናይ ሃይማኖታዊ ባህሊ ዓቀብያን መምሃራንን ኣይኰኑ፡ ዝተናዕቁን ድኻታትን እያቶም ኔሮም።

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ናይ ፊረንዘ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ

            ኢየሱስ ማርያም  ዮሴፍ ክማሙቑዎን ጓሶትን ድኻታትን ሰብ ጥበብን ክሰግድሉ ዝተራእየ ሕጻን፡ ንዓና ብርሃን ኵይኑ ኣማሞቐና

ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.