2017-12-26 16:26:00

ቃለ መሕትት ምስ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገግሎት ዛዕባ ስደት ክርስቲያን ኣብ እስያ


ብላቲን ስርዓት ዕለት 25 ታሕሳስ ዝበዓል በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ስዒቡ ዕለት 26 ታሕሳስ ብዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እሲጢፋኖስ ምኽንያት ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ዘመሓድሮ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ በርናርዶ ቸርቨለራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ እስያ ብፍላይ ኣብ ቻይና ህንድን ኢንዶነዢያን የመንን ፓኪስታንን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ግብረ ኣሳዶ ኣዚዩ ከቢድን በዓለ ልደት  ከየብልዕሉ እውን ብዙሓት ከምእተገደዱን፡ ኣብ ኢንዶነዢያ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ግብረ ኣሳዶ ዝፍጸም እውን እንተዀነ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ንማሕበረ ክርስቲያን ዝጣበቑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እውን ከምዘለዉ ገሊጾም፥

2017 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ግብረ ኣሳዶ ነቲ ዓቢይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ከም በዓል ዘይኰነስ ንዘብዕልዎ ንሓደጋ ዘቃልዕ ከይኑ ኣሎ፡ ስለምንታይ በዓለ ልደት ናይ ወዲ ሰብ ክብሪ እግዚኣብሔር እምበር ሰብኣዊ ስልጣንን ሓይልን ከምዘይኰነ ዘበስር ብምዃኑ እዚ ዓቢይ ሰብኣዊ ክብሪ ብምብዓሎም ምኽንያት ብዙሓት ንስደትን መከራን ክቃልዑ ኰይኖም ናብ ደም ሰማዕትነት ዘብጽሕ ኩነት ካብ ጥንቲ ሎም ብዝያዳ ክይኑ ኣሎ እንክብሉ ሓቢሮም።

እዞም ኢጣሊያዊ ተወላዲ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ኣባል ማሕበር ር.ሊ.ጳ. ልኡካነ ወንጌልን በዚ ማሕበር ናይ ዝመሓደር ናይ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ በርናርዶ ቸርቨለራ፥ ኣብቲ በዓለ ልደትን ንጽገትን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ናይ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጽሑፎም፥ በዓለ ልደት፡ ንጽገትን ጥሕሰት ሰብኣዊ ክብሪ ዝተራእየሉ ምዃን እንከመልኩቱ፥ ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ቤተ ልሔም ዘሕለፍዎን፡ ኣብ ቤተ ልሔም መብልዒ ማል ምውላድ ኢየሱስን፡ ናይዛ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ካብ ግብረ ኣሳዶን ቅትለትን ንምድሓን ናብ ምስሪ ምስዳዶምን ተወኪሶም ብምትንታን፡ ብዙሓት ከም ኢየሱስ ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ሞሱልን ስደትን ዝወርዶም መክራን ኣሕዋት ጠቒሶም፡ በዓለ ልደት እንገዳ ስኢኖም ተነጺጐም ብዝነብርዎ ሕይወት ዘብዕሉን ናይቲ ዝውለድ ሕጻነ ኢየሱስ ተምክሮ ብቐጥታ ናቶም ገይሮም በዓለ ልደት ዘብዕሉን ብዙሓት ኣብ እስያ ንዝተፈላለየ ግብረ ዓመጽን ግብረ ኣሳዶን ዝተቓልዑ ማሕበረ ክርስቲያን ከምዘለዉ የመልክቱ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብክርስትና እምነቶም ንስደትን መከራን ዝቃልዑ ማሕበረ ክርስቲያን ብዝሒ ካብ ጥንቲ ንላዕሊ ኣብዚ እንነረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ ልዑል  እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ኣብ ጭቡጥ ኩነት ዝቖመ ሓቂ እዩ። ንኣብነት  ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ እስያ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን መጠነ ሰፊሕ ጸረ ማሕበረ ክርስቲያን ተግባር ዝተራእየሉ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሶሪያን ፓኪታንን ህንድን ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዘሎ እዋናዊ ኩነት የረጋግጾ።

ንጽገት ክርስቲያንን ንጽገት እምነት ክርስትናን ብሰፊሕ ዝተራእየሉ፡ ኣብ ዒራቅን ሶሪያን ንኣብነት ኮሎም ዜጋታት ንሓደጋ ዝተቓልዕሉ ኩነት እውን እንተዀነ። ውሁዳን ማሕበረ ክርስቲያን ብቐጥታ ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዑ እዩ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሃይማኖት መጋበሪያ ሰላም እዩ ስለ ዝብሉ እውን ሕይወቶም ንሓደጋ ይቃላዕ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ዕለት 26 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ቀዳሜ ሰማዕት እስጢፋኖስ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እስያ በዓለ ልደት ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዕ ኰይኑ ኣሎ፡ እቲ ኢየሱስ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ዝነበረ ታሪኽ ሰማዕታት ሎሚ እውን ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዘሎን ብዝገደደ ደረጃ እውን ዝፍጸም ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ኢንዶነዢያ ብዙሓት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣሕዋቶም ክርስቲያን ኢንዶነዣውያን ንሓደጋ ከይቃልዑ ዝጣበቑን ዝከላኸሉን በዚ ሰናይ ምግባሮም’ዚ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት እውን ንሓደጋ ዘቃልዑ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ከምዘለዉ ዝገለጹ ኣባ ቸርቨለራ፥ ማሕበረ ክርስቲያ ንስደትን መስዋዕትነትን ዝዳርጐም ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ስለ ዝምስክሩን ስለ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ሰላምን ዝቖሙ ብምዃኖም ኢዩ፡ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስልጣን ነገልግሎት እምበር ንምግልጋልን ብትመላኽነት ከምዘይኰነ ስለ ዝምስክሩ እያቶም፡ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስልጣን ንገዛ ርእሱ ፍጹምን ከሃሌ ኵሉ ገይሩ ንምርግጋጽ እግዚኣብሔር ካብ ናይ ሕዝብን ሃገርን ባህልን ልምድን ብምሕካኽ ኢእግዚኣብሔራዊ ሕብረተሰብ ከቕውም እዩ ዝደልይ፡ በንጻሩ ማሕበረ ክርስቲያን ነዚ ስልጣን ኣገልግሎት ምዃኑ ይምስክር፡ መጋበርያ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ሓድነትን ምዃኑ ይቃልሕ፡ ከሃሌኵሉ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ቢሉ ደው ይብል፡ እዚ ኩሉ ንስደትን መከራን ሰማዕትነን የቃሎዖ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንኣብነት ኣብ ምስሪ ሰማዕትነት ክርስቲያን  ዕልታዊ ተመክሮ ከይኑ ኣሎ፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ሰብ ዘማእከለ ዘይኰነስ ሰብ ሰርሖ እግዚኣብሔር ዘማከሉ ልምድታት ክሰፍሕ ትርእይ፡ እዚኹሉ’ዚ ማሕበረ ክርስቲያን ንስደትን ሰማዕትነትን ዘቃልዕ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.