2017-12-21 16:57:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዋላ’ኳ ንቕጽና ይምስል ህልውና ክርስቲያን ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ሰብኣዊ ክብሪ ዝከላኸል እዩ


ፖሊቲካ ማሕበራዊ ጥቕሚ ዝደልይን ብፍላይ ስለ ነዳያን ዝሓልይ እዩ  ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 20 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ንናይ ኢጣሊያ ናይ ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባላት ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ላእለ ሚነቭራ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዀነ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ሓቀይናን እሙንን ስልጣን ኣገልግሎት እዩ

ናይዚ እዋን’ዚ ኣህላቕነትን ቀጥዒ ዓልቦ ምሽብሻብን ብዘየገድስ እውነተይና ትርጉም በዓለ ልደት፥ “ኢየሱስ ኣብ መብልዒ ማል ቤተ ልሔም እቲ ዓቢይን ልዑልን ስልጣን ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ ብግብሪ ዝነገርን እቲ ሓቀይና ውዳሰን ዝናን ልዕሊ ውልቃውያን ሸቶታትን ኣድህቦታትን ኩሉ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘማእከለ ተግባር ኵሉ ሳዕ ዝብል እዩ። ስለዚህ ፖለቲካ ንኹሉን ስለ ኹሉን ብፍላይ ንድኻታትን ነዳያንን ሓልዮትን ዝፍጸመሉ ናይ ኣገልግሎት ሓለፋዊ ስፍራ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥

ፖሊቲካ ካብ ናይ ሕዝቢ ጸገም ዝረሓቐ ክኸውን የብሉን

ዝተዓደለኩምዎ ጥበብን ብልሓትን መጋበርያን ስልጣንን ኩሉ ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ንኸተውዕልዎ እዩ። ኣብ ገለ ገለ እዋን ግና ናይ ፖሊቲካ ተግባራዊ ከይዲ ህጹጽ መፍትሒ ዘድልዮም ናይ ሕዝቢ ጸገማትን ማእከል ገርካ መፍትሒ ኣክንዲ ምቕራብ ኣብ ርእሰ ውከሳ ቆይሙ ካብ ፍርያማ ምትሕብባር ወጻኢ ኰይኑ ይርአይ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ውልቃዊ ረብሓን ህንጥይናን ገማማዒ ሓይልን ኣይፋል ምባል

ኣብ ቀረባ እዋን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ቸዘና ምብጻሕ ኣካይዶም፥ “ግዙእን ገዛእን ዘይኰነ በንጻሩ ብጻይን ተሓባባርን ዘይረዓድን ዘይርበጽን ሓላፍነት ዝስምዖ ተባዕን መስተውዓልን ናይ ሕዝቢ ተሳትፎ ዘዕብይ ሕዝቢ ዝሓቁፍ ሰናይ ፖለቲካ የድሊ” ዝበልዎ ቃል ዝጠቐሱ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ እዚ ዓይነት ፖለቲካ ካብ ርእሰ ውከሳን ንዓይነትን የድሕን ቢሎም፥

እምነት ንፖሊቲካ የማእዝን  (ይምስርቕ)

እምነት ፖሊቲካ ደው ዝብለሉ መትከልን ትግባሬን የማእዝን፡ ናይ ወንጌል ጥዑም ቃል ብስራት፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሕጻን ኢየሱስ እቲ ናይ ስነ ሰብእ ማእከላዊ ትርጉም ክለልይን ክስተውዓልን እውነተይና ናይ ሰብኣዊ ክብሪ እንታይነቱ ዘነጽር ሰብኣዊ ባህርይ ለበሰ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ክብሪ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዳግም ክጽግው እግዚኣብሔር ኣብ ኢየሱስን ብኢየሱስን ሓደ ከማናን ካባናን ኰነ ዝብል ምዃኑ የረጋግጸልና

ሰብኣዊ ክብሪ ምክልኻል ክበሃል እንከሎ ኣብ ዕሴታት ንቑጽ ተላግቦ ምግባር ማለት ኣይኰነ

ክርስቲያን እቲ ብወልደ እግዚኣብሔርን ብናይ ክርስቶስ ክብሪ ዝተዓደሎ ሰብኣዊ ክብሪ ዝፈልጥ እዩ። ስለዚህ ነዚ ሰብኣዊ ክብሩ ድማ ኣብ ኩሉ ስፍራን ህሞት ህልውናን ዋላ’ኳ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምክልኻል ዘርእዮ ጻዕሪ ኣብ ዕሴታት ንቑጽ ምልጋብ ተመሲሉ ብኻልኦት ክሕሰብ ዝክእል እውን እንተዀነ፡ ክከላኸሎ ይግባእ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.