2017-12-19 15:14:00

ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት ናይቶም ንርእሶም ምንም ዘይወስዱ ሰባት! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ታሕሳስ ዕለት 18 2017ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ‘ቅዱስ ዮሴፍ ካብኡ ናይ ዘይኮነ ውላድ ሓላፍነት ኣቦ ለቢሱ ነቲ ካብ እግዚብሔር ዝመጾ ሕጻን ኢየሱስ ኣዕብዩ ናብ ዓቅሚ ኣዳም ኣብጺሕዎ’ እንክብሉ ነቲ መልኣኽ ዝበሎ ነግ ፈረግ ከይበለ ኣሚኑ ተቀቢሉ ብቅንዕና ጥቅሚ ርእሱ ከይደለየን ንኣይ ይጠዓመኒ ከይበለን ተጸሚሙ ኩሉ ከምዝፈጸመ ገሊጾም፣

ቅዱስ ዮሴፍ ንዓናውን ዓቢ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ምናዳ ኸኣ ጸገማት እንከጓንፉና እንክጨንቀናን ኩሉ እንክጽልምተናን ከመይ ገርካ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ብእምነትን ተኣዝዞን ክተጐዓዝ ከምዝከኣልን ድምጺ እግዚኣብሔር ከመይ ቢልካ ከምትሰምዕን ንኩሉ ኣብ ልብኻ ሒዝካ ሱቊ ቢልካ ክተጐዓዝ ከምዝከኣልን ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ንመሃር፣ እንክብሉ እምነትን ተኣዝዞን ቅዱስ ዮሴፍ ኣብሪሆም፣

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንትማሊ ዘቅረቦ ወንጌል ናይ ማቴዎስ ኮይኑ 1.18 ነቲ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ጽንሲ ማርያም ምስ ኣስተውዓለሉ ካብ ንውርደትን ሕሱም መቅጻዕትን ኣሕሊፈ ዝህባስ ብምሥጢር ደኣ ክገድፋ ቢሉ እናሓሰበ ከሎ መልኣኽ እግዚብሔር ንማርያም ሕጽይትኻ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ እቲ ጸኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ መድሕን ዓለም ኢየሱስ እዩ ምስ በሎ ብኡ ንብኡ ምሳኡ ከምዝወሰዳ ይገልጽ፣

ቅዱስነቶም ነዚ እንክትንትኑ ‘እኖና ድንግል ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ዘመዳ ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ተቀሚጣ ምስ ተመልሰት ናይ ኣደነት ምልክት ክገሃድ ጀመረ ወዮ ወረ ናይ ኩሉ ዘይብሉ በዓልቤታ ክኸውን ዝጽበ ዘሎ ዮሴፍ ይጠራጠር ይሳቀ ይጭነቅ ጐረባብቱን ፈለጥቱን ከኣ መስተይ ቡኖም ገሮሞ ዓዲ ብምልእታ በዚ ጉዳዚ ትህወጽ፣ መሽኪናይ ዮሴፍ ኣብ መንቀራቅሮ ናይ ጭንቀት ይኣቱ በቲ ሓደ ወገን እኖና ድንግል ማርያም ናይ እግዚብሔር ሰብ ምዃናን ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ክኸውን ከምዘይክእልን ይሓስብ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ምሕረት ዘይብሉ ሕገ ኦሪትን ፈሪሳውያንን መሰልቶምን ዝሓምይዎን ዘቅርቡሉ ክስን ወቀሳን ይቅጀሎ፣ ስለዚ ናብ ቃልዕ ከይወጽኣ ብዘይምንም ዘረባ ሰላሕ ኢሉ ክሓድጋ ይውስን፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ወንጌል እግዚኣብሔር መልኣኹ ሰዲሱ ኩሉ ምስ ገለጸሉ ከኣ መጀመርያ ብምሉእ ልቡ ይኣምን ኣስዒቡ ከኣ ምሉእ ብምሉኡ ይእዘዝ፣ መሽኪናይ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ብልቡ ከውርድን ከደይብን ድምጺ ኣምላኽ ተንሥእ ይብሎ፣ እዚ ተንሥእ ዝብል ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ንሓደ ተልእኮ ክልእኽ ምስ ደለየ ዝጥቀመሉ ትእዛዝ እዩ፣ ተንሥእ ንማርያም ሒዝካያ ናብ ገዛኻ ምሳኻ ውሰዳ ንኩሉ ኣብ ዝባንካ ጹሮ ሓለፍነትካ ልበስ ንቅድሚት ከኣ ገስግስ ይብሎ፣ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብዚ ናይ ወጥሪ ግዜ ካብ ኣዕሩኽቱ ምኽሪ ክሓትት ወይ ምጽንናዕ ክረክብ ኣይከደን ወይውን ከምዚ ናይ ዘመናን ናብ ሳይክያትሪስት ዝበሃል ከይዱ ብዛዕባ ሕልሙን ኩነታት ሓንጐሉን ክመራመር ኣይደለየን! ኣሚኑ ንቅድሚት ገጹ ከኣ መሪሹ፣ ነቱ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ ተሸኪምዎ፣ ሓላፍነቱ ተቀቢሉ፣ ኣየናይ ሓላፍነት ወይውን እንታይ ክገብር ነርዎ ቢልና እንተሓተትና ክልተ ነገር እየን እታ ሓንቲ ኣቦነት እታ ካልኣይቲ ከኣ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ዓቂብካ ምኽኣል ክንብለን ንኽእል፣

ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ወለዶ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም ኢሉ ያዕቆብ ድማ ንሕጹይ ማርያም ዮሴፍ ወለደ ካብኣ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ ዝብሎ ከምኡውን ‘ወዲ ዮሴፍ ይመስሎም ነበረ’ እንክብል ዝገልጾ ናይ ኣቦነት ምሉእ ሓላፍነት ክለብስ ነርዎ፣ ገርዎ ከኣ! ዘገርም እምነትን ተኣዝዞን! ንዘይናትካ ከም ናትካ ወሲድካ ሓልፍነት ኣቦ ምሽኻም! ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ምስ ፈለጠ እዚ ሓላፍነት እዚ ንማርያምን ነቲ ሕጻንን ምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነ ክንዮኡ ሓሊፉ እቲ ሕጻን ንክዓብን ንኩሉ ነገራት ንክፈልጥ ብግቡእ ምዂስኳስን ናብ ብስለት ዓቅሚ ኣዳምን ምብጻሕን ነበረ። ብካልእ ኣዘራርባ ናትካ ናይ ዘይኮነ ግን ናይ እግዚኣብሔር ውሉድ ምሉእ ሓላፍነት ኣቦ ምልባስ ማለት እዩ፣ ነዚ ኩሉ ክትገብር ከኣ ምንም ቃል ከየምለቊካ ብሱቅታ ክትገብሮ ከቢድ እዩ ግንከኣ ገርዎ፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ኣፍ ቅዱስ ዮሴፍ ዝወጸት ቃል ሓንቲ ኣይንረክብን፣ ናይ ሱቅታ ሰብ ነበረ፣ ብስቅታ ዝእዘዝ ሰብ ነበረ፣

እታ ካልአይቲ ዝበልናያ ከኣ ነቲ ምሥጢረ ድሕነት ኣብ ኢዱ ተቀቢሉ ንሕዝበ እግዚብሔር ናብ ድሕነት ገጹ ምምራሑ እዩ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ናይ ሎሚ ‘እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ፡ ኪቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡ እስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኺነብር እዩ። ዚስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ኪኸውን እዩ። ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤን ዝመርሔን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ኪነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።’ እንክብል ኤርምያስ ነቢይ 23.5-8 ዝገልጾ እዩ እቲ ምሥጢር፣ ምሥጢር ዳግም ምፍጣር ክብሎ ንኽእል፣ ሥርዓተ ኣምልኾ ነዚ ምሥጢር እዚ ‘ኣዝዩ ዘደንቅ ፍጥረት’ ይብሎ፣ ቅዱስ ዮሴፍከስ ነዚ ናይ ምድሓን ሕዝበ እግዚኣብሔር ምሥጢር ሓላፍነት እዩ ዝስከም ብጽሞና ከኣ ሱቅ ኢሉ እጃሙ የበርክት ክሳብ እግዚብሔር ንሰማይ ዝጽውዖ ከኣ ይሰርሕ፣ በዚ ከኣ ናይ ኣቦነትን ናይዚ ዓቢ ምሥጢርን ሓላፍነት ለቢሱ፣ ከም ኣባሃህላ ጽላል ኣቦ እዩ ነሩ ንዝብል ብሂል እወ ጽላል ሰማያዊ ኣቦ ክንብሎ ንኽእል፣ ኢየሱስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣባ ኣቡየ ኣቦየ ቢሉ ክጽውዕ ዝኸኣለሉ ከኣ ካብዚ ምድራዊ ኣቦኡ ስለዝተማህሮ እዩ፣ እቲ ዘገርም ከስ ምስክርነት ቅዱስ ዮሴፍ ንኢየሱስ ዓቢ ትምህርቲ ምዃን ጥራይ ዘይኮነ እሙን ሓላዊ ንፉዕ ኣዕባዪ ኮይኑ ንኩሉ ሒዙ ማለት ንኣቦነትን ነቲ ዓቢ ምሥጢርን ተሸኪሙ ንቅድሚት እንክጐዓዝ ንርእሱ ሓንቲ ነገር ዘይምውሳዱ እዩ፣ ዕብየት ቅዱስ ዮሴፍ ከኣ እዚ እዩ ማለት እግዚብሔር ነቲ ንሕዝቡ ናብ ሓዲስ ፍጥረት ገጹ ሒዝዎ ናይ ዝጐዓዝ ምስ ኣንቀሳቃሲ ገርዎ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.