2017-12-16 17:03:00

ምርኢት ውሁድ ሙዚቃዊ ቅንይት ኣብ ቫቲካን፥ ር.ሊ.ጳ.፥ ሓልዮትን እንገዳን እንዘርኣሉ ኣጋጣሚ ይኹነልና


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝቐርብ ናይ ውሁድ ጥዑም ቅንይት ሙዚቃ ምርኢት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ለምዘበን መበል 25 ምርእቲ ንዘቕርቡ ሙዚቀይናታት ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዚጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ናይዚ መበል 25ኛ ምርኢት ብድጋፍን ብሓላፍነን ናይ ካቶሊካዊ ስነ ትምህርቲ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ዝተሰናደው ክኸውን እንከሎ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ልደት ዘእግዚእነ ልባትና ዘጐሃህርን ዘይምግዳስ ዘርሕቕ በዓል እዩ

ኣቐዲሞም ንዅሎም ነቶም ናይቲ ምርኢት ኣሰናዳእትን ንዅሎም ሙዚቀይናታትን ተሳተፍቲ ማህሌታውያንን ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጾም ብምምስጋን፡ ናይቲ ምርኢት እቶት ነቶም ኣብ ረፓሊካዊት ደሞክራሲያዊት ጐንጐን ኣርጀቲናን ዝርከቡ ድኻታትሕጻናት ንምድጋፍን ነቲ ናታቶም መሰረታውን ሕቶ ደገፍ ዝውዕል ምዃኑ ጠቒሶም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ በዓለ ልደት ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ዝግለጽ እዩ።

ከምእንፈልጦ በዓለ ልደት ፍሉዩ ቆላሕታ ዝግበርሉን ኣሳታፍን ንብጻይካ ናይ ዘይምግዳስ ዶባት ዘወግድን ቍሩር ልቢ ዘማሙቕን ነቲ ብቑዓት ስለ ዝኾንና ዘይኰነስ ብፍቓዱ ንዝጽገወና ጸጋ ክፉት ዝገብር እዩ። ምእንቲ’ዚ ሎሚ እውን ነቲ ናይ ልደት ህያብ ዝዀነ ሰላምን ሕውነትን ምስፋሕ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡

ስነ ጥበብ ልብን ኣእምሮን ናብቲ እውነተይና ናይ በዓለ ልደት ትርጉም የርህው

ንበዓለ ልደት በቲ ክውክልዎ ዝኽእሉ እውነተይና ርእይቶን ስምዒትን ሕይወታዊ ምግባር የድሊ። ስለዚህ ድማ፥

ስነ ጥበብ ልብን ኣእምሮን ናብቲ እውነተይና ናይ በዓለ ልደት ትርጉም ዝኸፍት መዳርግቲ ዘይብሉ መጋበርያ እዩ። ናይ ስነ ጥበበይናታት ምህዞን ብልሓትን ብስነ ጥበባዊ ሙያኦም ኣቢሎም፡ ብሙዚቃን መዝሙርን እውን ኣቢሎም ናብቲ ናይ ሕልና ውሳጠ ናይ ምብጻሕ ብቕዓት ኣለዎም። ስነ ጥበብ ናብቲ ናይ ሕልና ውሳጠ ይኣትው።

ቢሎም ነቶም 180 ስብ ሙያ ሙዚቀይናታትን ማህሌታውያንን ዝለገስዎ ቃል፥

እቲ ናይ ስነ ጥበብ ምርኢት ሕያውነት ንምዝራአ ምቹእ ኣጋጣሚ ይዅነልና። ሓልዮትን ሕያውነትን ኣብዚ ዓመጽን ውግእን ዝረአየሉ እዋናዊ ዓለም ኣዚዩ ዝተረስዐ ቃልን ተግባርን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ካብ በዓቲ ቤተልሄም ዝምንጭው ሕያውነትን ሰላምን እንገዳን እንዘርአሉ ኣጋጣሚ ይኹነልና

ቢሎም ኣጠቓሊሎም ርሑስ በዓለ ልደት ድማ ንዅሎም ኣቕድም ኣቢሎም ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ቸራዞ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.