2017-12-15 16:05:00

ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታዊ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሊቢያ ንዘሎ ናይ ስደተይናታት ኩነት ኤውሮጳ እውን ተሓታቲ ኢዩ ይብል


ኣብ ሊቢያ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ብፍላይ አቲ ናይ ሊቢያ ዶባት ማያት ባሕሪ ደጥታን ድሕነት ዓቃቢ ሓይሊ ንዝፍጽሞ ግብረ ምዝመዛን ዓመጽን ዘሎ ዝተሓላለኸ ውዲታዊ ጽሉም ኩነትን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ስደተይናታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንኸይኣትዉ ዝኽልክል ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ ምኽንያት ተሓታቲ ዘብላ እዩ እንክብል ብዛዕባ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሊቢያ ዝድህስስ ኣምነስት ኢንተርናሽናል እተሰምየ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተማጓቲ ዘይመንግስታዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ከምዘመልከተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ብፍላይ ካብ 2016 ዓ.ም. ንነጀው ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኢጣሊያ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ብሊቢያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንኸይኣትዉ ዝገብር ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ እቶም ስደተይናታት ኣብ ሊቢያ ማእከላዊ መንግስቲ ኣብ ዘይበጽሓሉን ኣልቦ ስርዓትተ መንግስትን ኣብ ዝኾነሉ ከባቢ ምትራፎም ከስዕበሎም ንዝኽእል ኢሰብኣዊ ተግባር ክቃልዑ ከምዝገበረ ናይ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ሰነድ ብትረት ይሕብር ዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ኤውሮጳን ማእከላዊ እስያን ፍሉዩ ክፍሊ መጽናዕቲ ኣባል ኤሊዛ ደ ፒየሪ፥ ሕብረት ኤውሮጳ እቶም ኣብ ሊቢያ ኣብ ዝርከቡ ብወግኢ መዕቆቢ ስደተይናታት ዝበሃሉ ብተግባር ግና መዳጎኒ ኣብ ዝዀነ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ስደተይናታት ናጻ ክወጹ መታን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት ሊቢያ ዝተፈላለየ ጸቕጢ ክገብር ጻውዒት ከምዘቕረባ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.