2017-12-15 15:30:00

ብጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢና መሰኻክሩ ክንከውን እንኽእል! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ኣደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርዎ ኣስተንትኖ ብምቅጻል `ንምዃኑኸ ንምንታይ ኢና ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ንሳተፍ!` ብዝብል ሕቶ ጀሚሮም ብዛዕባ ክብሪ ዕለተ ሰንበትን ዕብየት ቅዱስ ቊርባንን ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም፣

ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ዝመርጽዎ ቃል ኣምላኽ ካብ ወንጌል ዮሓንስ 20.1.19-23 ዘሎ ኮይኑ ሰንበት ምድሪ ማርያም መግደላዊት ናብ መቃብር ኢየሱስ ምንጋሃን ድሮ ካብ ሙታን ተንሢኡ ከምዝጸንሓን ጐይታ ከኣ ድሕሪ ሶሙን ሓዋርያት ኣብ ገዛ ብፍርሒ ኣይሁድ ተዓጽዮም ከለው ሰላም ንኣኻትኩም እናበለ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ዝኽሪ ንዝነበሩ ሓዋርያት ሰላም ኢሉ ኣሰር ሽንካራቱ ብምርኣይ ንሱ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ኣብ ግንባሮም ኡፍ ኢሉ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም ንዝሓዝኩምሎም ክትሓዘሎም እዩ እንክብል ሥልጣን ከምዝሃቦም ዝገልጽ ነበረ፣ እዚ ኩሉ በታ ክብርቲ ዕለተ ሰንበት ምፍጻሙን ብዓቢኡ ከኣ እታ ቤተክርስትያን ዝተወልደትላን በዓለ ጴንጠቈስጠ ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያትን እኖና እግዚእትነ ማርያምን ዝወረደሉ ዕለት ዕለተ ሰንበት ምንባሩውን ዘኪሮም፣

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም! ስለዚ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ዙርያ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ምትእኽኻብን መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግን ካብ መጀመርያ ኣርድእቲ ኢየሱስ ከምዝጀመረ እዚ ከኣ ነዙይ ብምግባር ነቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ንምርኻብ ብዝበለጸ ከኣ ንሱ ንክረኽበና ቃሉ ክንሰምዕን ብስጋኡን ደሙን ክንቅለብን በዚ ከኣ ኣካሉ ኰና ቤተክርስትያን ነቊውም፣ በዚኸስ ሰንበት ንዓና ንክርስትያን ቅድስት ዕለት እያ ብምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ናይቲ ምእንታናን ኣብ ማእከልናን ዝርከብ ክርስቶስ ህላዌ ነስተማቅር፣ ንሰንበተ ክርስትያን ፍልይቲ ዝገብራኸስ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዩ፣ ከመይ ሰንበት ክርስትያን ኣብ ዙርያ ቅዱስ ቁርባን እዩ ዘዂድድ። ድሕሪ ቢሎም ንኣድላይነትን ማእከልነትን ቅዳሴን ቅዱስ ቊርባንን ንምግላጽ ከኣ ቅዳሴ ዘይብላ ሰንበት ምስ ጐይታ ዘይትራኸበላ ሰንበትስ እንታይ ሰንበት ክትከውን ትኽእል ቢሎም ይሓቱ፣

ትዕድልቲ ንኩሉ ሓደ ስለዘይኮነ ገሊኤን ማሕበረክርስትያን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናይ ሰንበት ቅዳሴ ክረኽባ ኣይክእላን እንተኾነ ቅዳሴ የለን ኢልካ ሱቊ ካብ ምባል ተኣኪቦም ቃለ እግዚኣብሔር ብምስትንታንን ከብዕልዋ ድሕሪ ምዝኽኻር ነቶም ሰልጢና ዝብሉ ብዓለማውነት ዝተዓብለሉ ናይ ዘመንና ክርስትያን ሰንበት ካብ ካልእ ዕለታት ፈልዮም ዘይርእይዋ ክርስትያን ብዝጣዕሚ ከዘሕዝንዎም እዚ ዓቢ ሓጢኣት ምዃኑን ገሊጾም፣

ነቲ ጥንታዊ ናይ ቤተክርስትያና ልምዲ ሰንበት ዕለተ ዕረፍቲ ምዃናን ንሕዝበ ክርስትያን ከኣ መዓልቲ ሓጐስን ዕለተ ቊምስናን ኰይና ብነፍስን ብስጋን ዝተሓጋገዙሉ ዕለት ምዃኑ ምዝካር የድሊ፣ በዚ ዕለት እዚ ቅዳሴ እንተሰማዕና ከኣ ብዝበለጸ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ ‘ዕለተ ትንሣኤ ዝመሠረቱ ብሓዋርያት ዝተመሓላለፈ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሶሙን ናይ ጐይታና ዕለት ወይ ከኣ ሰንበት ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓልቲ ፋሲካዊ ምሥጢር ትዝክር፣ . . . ናይ ጐይታና ዕለት እታ ቀንዲ በዓል ምዃና ድማ ምእመናን ክንገሩን ክመሃርዎን ኣለዎም፣ ስለዚ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ብሓቂ ናይ ደስታን ናይ ዕረፍትን ትኸውን’ (ቅዱስ ጉባኤ ቊ።106) ይብል፣ ሽሕ’ኳ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዕለተ ሰንበት ከም ዕለቲ ዕረፍቲ ይኸብር እንተነበረ ንሰንበተ ክርስትያን ፍሉይ ትርጉም ዝሃባ ግን እቲ በቲ ዕለት`ቲ ዝፍጸም መስዋዕተ ቅዳሴ ኮይኑ እዚ ከኣ ብዓለምለኸ ደረጃ ዕለተ ዕረፍትን ታሕጓስን ከምትኸውን ገርዋ፣ ብዘይ ክርስቶስ በቲ ዕለታዊ ድኻም ተሸሚምና ኣብ ሻቅሎትን ፍርሒ ናይ መጻእን ንወድቅ፣ ብዕለተ ሰንበት እንገብሮ ርክብ ምስ ጐይታኸስ ንሎሚ ብትብዓት ክነብራ ንመጻኢ ከኣ ብተስፋ ክንምልከቶ ይሕግዘና፣

ምናልባት ለቢምና ዝብሉ ገለ ንመልእኽቲ ክርስትና ፍርቂ ፍርቂ ዝሓዙ ብጽቡቅ እንተነበርካን ንብጻይካ እንተፍቀርካን ሰንበትስ ይኹን ካልእ ዕለት ናብ ቅዳሴ ምኻድ ኣየድልን ዝብሉ ኣይሰኣኑን ኮይኑ ግን ሽሕኳ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዝእዝዞ ነንሕድሕድና ክንፋቀርን በዚ ከኣ ተኸተልቱ ከምዝኾነ ካልኦት ከለልዩናን እንተኣዘዘ ኣብቲ ካብ ምንጪ ቅድሱ ቊርባን ዝኾነ ዝርከብ ንወንጌል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ሓይሊ ደኣ ካበይ ክንረኽቦ ኢና! ስለዚኸስ ንሕና ክርስትያን ናይ ግድን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሰንበት ክንሳተፍ ኣሎና! ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም! ከመይ ብጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ኣባናን ኣብ መንጎናን ሕያው ኮይኑ ዝነብሮ ሓይሊ ጥራሕ ኢና ንትእዛዛቱ ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ እንኽእል ተኣመንቲ መሰኻኽሩ ክንከውን እንኽእልን በዚ ጥራይ እዩ! እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ 








All the contents on this site are copyrighted ©.