2017-12-08 09:49:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ እስያ መጻኢ ሕውነት ደኣ እምበር ናይ ኣምረትቲ ኣጽዋር ውግእ ኣይኰነን


ዕለት 6 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 26 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ሃገር እስያ፡ ሃገረ ምያንማርን ባንግላደሽን ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ ዋላ’ኳ ብዓሌትን ሃይማኖትን ቋንቋን ባህልን ዝተፈልየ እውን እንተዀነ ምስ ዝሳቐይ ሓው ዘይሳቐይ ቅኑዕ ኣማኒ ንምዃኑን ስለ ሰብኣውነቱን ገዛእ ራእሱ ክሓትት ይግብኦ፡ ቢሎም እቲ ምስ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ሮሂንግያ ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ልቦም ከምዝተንከፎምን ንዞም ስደተይናታት “ስሌኹም ስለ ዘይምግዳስናን ሱቕ ቢልና እውን ስለ ዝራእናኩም ይቕረታ ገብሩልናን መሓሩናን፡ ከምዝበልዎምን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንዅሎም ነቶም ኣብ ዓለም ኣደዳ ዓመጽን ኣሳዶ ዝዀኑን ውጹዓት ኵሎም ሓገዙ ከቕርብን ኣብ ደገፎም ቅልጡፍ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምስ እዞም ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝተቓልዑ ዓሌት ሮሂንግያ ኣብታ ብጻዕቒ ብዝሒ ሕዝቢ ካብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ተርታ እትስራዕ ሃገረ ባንግላደሽ ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ልቢ ዝትንክፍን ምንባሩ ሕጂ እውን ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ተሓቲሙ ዝተረፈ ኩነት እዩ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ኣብ ምያንማርን ቀጺሎም እውን ኣብ ባንግላደሽ ዘካየድዎ ርክብ ብቐዳምነት ንመንግሥታን ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብተን ሃገራት ንዝርከብ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካንን ምስጋናኦም ከዘቕረቡን ነቶም ብዝተፈላለየ ዓመጽን ጸቕጥን ንስቓይ ዝተዳርገ ህዝቢ ሰለይ እናበለ ናብ ሓድሽ ሃዋሁ ነጻነትን ሰላምን የብል ኣሎ፡ ኣብ ምያንማር ሃይማኖት ቡድሃ ስሩት እዩ። ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ውሁድ መጓሰ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እታ ቤተ ክርስቲያን ህያውን ውዕዉዕ መንፈስ ዝተዓደለትን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ እምነትን ሱታፌን ዘካየደዎ ርክብ ድሓር እውን ብሁባሬ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ሓሴት ምንባሩን ድማ ሓቢሮም። ኣብ ኢየሱስ ብዘሎካ እምነት ኣሳዶን መስዋዕትን ንሓዋርያት ኢየሱስ ልሙድ ናይ ምስክርነት ኣጋጣምን እዩ፡ ቅዱስ ሉቃስ ወጌላዊ ጠቒሶም፥ ይዅን ደኣ እምበር፥ ካብ ርእሲ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። ቢሎም ቀጺሎም እውን ምስ መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ እናሕሰቡ፥

ኣብ ወጅሂ እቶም ብሓሴት ዝተመልኡ መንእሰያት ናይ እስያ መጻኢ ከማዕድው ክኢለ፡ እቲ ናይ ሕውነት ዘርኢ ናይ ዝዘርእ እምበር ናይቲ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዘምርት ዘይኰነ መጻኢ ኣስተውዒለ፡ እንክብሉ መሰረተ እምን ዝባረኹለን ዝሕነጻ 16 ኣቢያተ ክርስትያናትንን ቤት ውሉደ ክህነትን ቤት ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ምብጻሕን ኣብቲ ዝተበገሰ ጐደና ሰላም ተባዓት ክዀኑ ሓድራ ዝበሉሉ ርክብ ምስ ናይ ምያንማር ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዘኪሮም፡ ማንም ዘይንጽል ኩሉ ናይታ ሃገር ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘጣመረ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ከይዲ ሰላም ክኸወን ድማ ሓደራ ከምዝበሉን። ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ምስ ናይ ምያንማር ናይ ቡድሃ መናንያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዘካየድዎ ርክብ እውን ጠቒሶም፡ እቲ ናይ ቡድሃ መነኮሳት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ነቲ ጥንታዊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንፍሳውነት ባህሊ ዓቢይ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ከምዘለዎ ከምዘረጋገጹሎምን ክርስቲያንን ቡድሃውያንን ብሓባር ኩሉ ሰብ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ንምንጻግን ክፋእ ብሰናይ ንምቅዋም ክኽእል መታን ንእግዚኣብሔርን ብጻይን ከፍቅር ኣብ ምግባር ተልእኾ ደጋፍያን እያቶም ቢሎም ናይቲ ኣብ ምያንማር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እንታይን ከመይን ተመስሎኦ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እውን ነቲ ኣብታ መላእ ሕዝባ ዳርጋ ክበሃል ይከኣል ሰዓቢ ሃማኖት ምስልምና ዝኾነላ ሃገረ ባንግላደሽ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እናሓሰቡ፥ እዚ ናይ ባንግላደሽ ጉዕዞኦም ኣብ መንጐ ክርስትናን ምስልምናን ኣብ ምክብባር ዝጸንዔ ዘተ ዘተባብዕን ንብሉጽ ዘተ ሓድሽ ድርዀት እውን እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቅድስት መንበር ባንግላደሽ ሉኣላዊት ሃገር ቢላ ንዝጀመረቶ ጉዕዞ ብምድጋፍን ክሌኣዊ ርክባት ዘጽንዔት ምዃና እውን ዘኪሮም፡ ኣብ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝጸንዔት ሃገር እያ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ን16 ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ማዕርገ ክህነት ዝቐቡሉን ምንባሩ እውን ገሊጾም። ኣብ ከባቢ እስያ ጸዋዕታ ብዘይ ምብኳሩ ንእግዚኣብሔር አመስግን። እዚ ድማ ምልክታ ናይ ህያው ማሕበረሰብን እቲ ዝጽውዕ ድምጺ እግዚኣብሔር ዝስምዓሉን ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተራኸቡን፡ ንሓልዮት ኣባይቲ ስድራን ድኻታትን መደብ ሕንጸት ንዅሉ ኣብ ምዝርጋሕ ግብረ ሰናይን ኣገልግሎት ሕንጸት ማሕበራዊ ሰላምን ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ውፉያት ሕይወት ካህናትን ደናግልን ምስቶም ናይታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥጣዔ ትእምርቲ ዝዀኑ ተማሃሮ ዘርአ ክህነትን ተመካርያንን ብምትሕብባር ትጉሃት ምዃኖም ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ፡ ምስ በሉ ቅዱስነቶም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን፡ ምስ ናይ ዝተፈላለይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ዘካየድዎ ዘተ ምልስ ቢሎም ጠቒሶም፥ እዚ ናይ ዘተ ርክብ’ዚ እቲ ናይ ምርኻብን ስኒትን ሰላምን ባህሊ መሰረት ዝዀነ ልቢ ናይ ምኽፋት ትእምርቲ ዘቃልሕ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፥ ኣስዒቦም ኣብቲ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ኣብ ባንግላደሽ ምብጻሕ ኣብ ዘካይዳሉ እዋን ዝዓራፋሉን ብማሕበረን ዝመሓደር መእለዪ ዘኽታማትን ድኻታትን ኣካለ ስንኩላንን ቤት ከምዝበጽሑን ድማ ገሊጾም። እተን ደቂ እናቴ ቅድስት ተረዛ መንፈሳዊ ዕላማኤን ጸሎትን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ኣገልግሎ ንኽርስቶስ ኣብ ድኻታትን ዝሳቐዩን ዝብል እዩ። ኣብ ገጻተን ፍሽኽታ ዘይፍለየን ብዙሕ ዝጽልያን ንድኻታት ዘገልግላን ወትሩ ምስ ፍሽኽታ ኣብ ገጸን፡ ብሓቂ ዓቢይን ግሩምን ምስክርነት እዩ። ብሓቂ ነዘን ደናግል ከመስግን እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ንበንጋላውያን መንእሰያት እናሓሰቡ፡ እቲ ምስቶም መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ ዘእንገደ ብመንእሰያት ዝቐረበ ባህላዊ ሸብሸቦን መዝሙርን መግለጺ እውነተይና ሃሴት እዩ። ናይ ወንጌል ሓሴት ዝተዓደሉ ምዃኖም መግለጺ እዩ። ብዙሓት ልኡካነ ወንጌልን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ክርስትያን ወለድታትን ናይ ዝኸፈልዎ መስዋዕቲ ጻማ እዩ። ኣብቲ ምስቶም መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ ናይ ምስልምና ሃማኖትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ መንእሰያት እውን ከምእተሳተፉ ገሊጾም፥ እቶም መንእሰያት ንባንግላደሽን እስያን ንመላእ ዓለም ትእምርቲ ተስፋ እያቶም ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ነቶም ትምህርተ ክርስቶስ ንኽዕደሎም ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ነቶም ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቆመ ናይ ልደት ጽሕዲ ካብ ዝለገሰት ሃገረ ፖላንድ ንዝመጹ ምእመናን ኣመስጊኖም፡ ዕለት 10 ታሕሳስ ኣብ ፖላንድ መዓልቲ ጸሎት ዝሕሰበሉን ነተን ኣብ ኤውሮጳ ምብራቕ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ደገፍ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም እዚ መደብ’ዚ ንእግዚኣብሔር አቕርብ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.