2017-11-13 08:53:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዘድልይ ልምዓት እምበር ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣይኰነን


ናይ ዓለም ሰላም ኣብ ዝተወዳደነ ሽበራ ዝቖመ ክኸውን የብሉን  እዚ ማለት ተፈራሪሕካ ዝንበር ተሓላለው ኩነት ሰላም ማለት ከምዘይኰነ ዝተሓሳስብ መልእኽቲ ብዘማእከለ ዕለት 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ፥ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ መጻኢ ዓለምን ምሉእ ምርጋፍ ኣጽዋር ኑክለሳውን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ከምዝተኸፍተ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ጸጥታን ድሕነት ፈጺሙ ዋሕስ ክኸውን ኣይክእልን ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም ስለዚህ ይብሉ፥ መዋዕል ንዋይ ንምሉእ ንምዕባለ እምበር ብኑክለሳዊ ኣጽዋር ድለባ ንዝብል ዕላማ ክውዕል የብሉን፡ ምርግጋእን ሰላምን ዓለም ኣብ ፍራሒ ዝቖመ ቅኑዕ ዘይኰነ ግጉይ ትርጉም ድሕንነት ዘንብር ክኸውን የብሉን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለም ዝብል ሓሳብ ክትግበር ዘይከኣል ዝገደደ ኡጦቢያ (ሕልማዊ) እዩ ክበሃል የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጠለብዎ ዓውደ ጉብኤ ናይ ዘዳለወ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን እውን ብወገኖም፥ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣብ ዓቢይ ጥርዚ ዓንኬል ዕንወት ኑክለሳዊ ስግኣት ተኣሊኹ ኣሎ። ስለዚህ ብሔራዊ መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለም እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ንምግባር ክተግህ ይግብኦ። ሰላምን ድሕነትን ናይ ዘሎናካ ድምር ብዝሒ ኣጽውር ውጽኢት ኣይኰነን፡ ክኸውን እውን ዘይከኣል እዩ። ቢሎም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ነበር ኣይሰንሃወር፥ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናይ ውግእ ኣጽዋር ክትጥቀም እንኰለኻ ካብቲ ምስ ምንባር ዝቃለስ ሕዝቢ ከንብሮ ዝኽእል ሃብቲ ተፈጥሮ ምንዛዐ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም በቲ ናይ ዓለምን ሕዝብን መጻኢ ንሓደጋ ብዘቃልዕ ኣጽዋር ውግእ ንምድላብ መዋዕለ ንዋይን ዓቕምን ብቕዓትን ዜጋታት ካብ ምፍሳስ ብሩህ መጻኢ ነዘውሕስ ንኽንክን ጥዕናን ሕንጸትን ምውዓል ይግባእ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ካብቲ ዓውደ ጉባኤ ወጻኢ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዘሎ ውጥረት ዝምልከትን ቅድስቲ መንበር እዚ ውጥረት’ዚ ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከበሉ እንተካይዶ ዘላ ጻዕሪ እንታይ ይመስል ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብዛዕባ ሰሜን ኰርያ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እንውከሳ ኣብ ደቡብ ኰርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ስለዚህ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ሰሜን ኰርያ ህልው መንግስቲ ንምርኻብ ዘኽእሎ መገድታት ንምድላይ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኰርያ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ርክባት የካይድ ኣሎ። ይዅን ደኣ እምበር እቲ ርክብ ዝካየደሉ ዕለትን ሰዓትን ምፍላጡ ዝከኣል ኣይኰነን። ቀጥታዊ ርክብ ንኽህሉ ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። እቲ ርክብ ክረጋገጽ እውን ተስፋ ንገብር እንክብሉ ከምዝመለሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.